ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምቁጽጻሩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝንቀሳቐሱ እስላማዊ ጉጅለታት ዘሕልፎ መልእኽቲ

ኣፍጋኒስታን ኣብ ኢድ ጣሊባን ኣብ ዝወደቀትሉ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓስኪሮም ስርሒታት ዘካይዱ እስላማውያን ጉጅለታት ንዓወት ጣሊባን ቀልጢፎም'ዮም ጸንቢሎሞ።

ምስ ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐሱ ኣልሸባብ ምትሕሓዝ ዘለዋ ማሕበራዊት ሚድያ፡ ዓወት ጣሊባን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ብምቅላሕ "ኣላህ ልዑሉን ኩሉ ዝክኣሎን'ዩ" ዝብል ጽሑፍ ኣንቢሩ።

ብኻልእ ሸነኽ ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ ጃማር ኑሰራት ኣለክ፡ እስላም ዋለ ሙስሊምን ዝተብሃለ እስላማዊ ጉጅል ዝኾነ ኢያድ ኣግ ግሃሊ ድሕሪ 2019 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንጣሊባን እንኳዕ ሓጎሰኩም ንምባል ጽሒፉ።

ኢያድ ኣግ ግሃሊ "ንዕወት ኣለና" ድሕሪ ምባል ንምውጻእ ግዳማውያን ሓይልታት ካብ ኣፍጋኒስታንን ፈረንሳ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሰራዊታ ከተጉድል ዘሕለፈቶ ውሳነን ብምዝማድ፡ ላዕለዋይ ኢድ ይሕዙ ምህላዎም ገሊጹ።

እቶም ንዓወት ጣሊባን ከምዓወቶም ገይሮም ዝጽንብልዎ ዘለዉ ግን እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ እስላማውያን ዑጡቓት ጥራይ ኣይኮኑን።

ካብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማል ክሳብ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ናይጀርያ ኣብ መራኸቢ ሚድያታት ብዙሓት ዓንቀጻት ተጻሒፉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብናይ ግዳም ሓይልታት እናተደገፋ ኣንጻር እስላማውያን ዑጡቃት ቃልሲ ዘካይድ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓወት ጣሊባን ከብደን እንተተሓቖነ እምበኣር ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብ ማሊ ዘሎ ፍርሒ

ማሊ ካብ 2012 ጀሚራ ኣንጻር እስላማውያን ዑጡቃት ቃልሲ እተካይድ ዘላ ዓባይ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኣብ ጎና ኸኣ ሰራዊት ፈረንሳን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቐብቲ ሰላምን ተሰሊፎም ይርከቡ።

እንተኾነ ብዙሓት ማላውያን ሰራዊት እታ ቀደም ገዛኢቶም ዝነበረት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ክህልዉ ሕጉሳት ኣይኮኑን ገለ ፈረንሳውያን'ውን ብተመሳሳሊ ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ከይዱ መስዋእቲ ክኸውን ዊንተኦም ኣይኮነን።

ፈረንሳ ኣብ ወርሒ ሰነ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ማሊ ካብ ዘለዉ ሰራዊታ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጅሚራ ናብ 2500 ክሳብ 3000 ከተጉድሎ ምዃና ወሲና።

ብወገን ሰራዊት ማሊ ግን ብጽቡቕ ስለዘይተዓለሙን ዘመናዊ ብረት ስለዘይዓጠቁን ኣንጻር እስላማዊ ጉጅልታት ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ጸገም ክፈጥረሎም ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ዋና ኣሰናዳኢ ኣብ ማሊ እትሕተም ጋዜጣ ሊ ፓስ፡ ቦራይማ ጉይኖ "ብዙሓት ሰባት እቲ ኹነታት ልክዕ ከምዚ ናይ ኣፍጋኒስታን ከይቅየር ፍርሒ ኣለዎም፤ ምኽንያቱ እቲ ኹነታት ተመሳሳሊ'ዩ" ይብል።

ብምስዓብ "ህላወ እዞም ናይ ወጻኢ ሰራዊት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ፡ ጽባሕ ካብዛ ሃገር እንተወጺኦም እቲ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይክእል እዩ" ይብል።

ብምቅጻል መራሕቲ እታ ሃገር ዓቕሚ ሰራዊት ማሊ ኣብ ምሕያል ክሰርሑ ከምዘለዎም ቦራይማ ጉይኖ ይጠቅስ።

ኣብ ሶማልያ'ውን ግዜ ይኣክልን ይሕበብን'ዩ ዘሎ

ኣብ ሶማልያ'ውን ተመሳሳሊ ሻቕሎት እዩ ዘሎ።

ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ኣልሸባብ ካብ መፋርቕ 2000 ጀሚሮም ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ስርሒታት ክካይዱ ምስ ጀመሩ እታ ሃገር ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝኸፈአ እያ ኣምሪሓ።

እቲ ብግዳማውያን ሓይልታት ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልያ ካብ ከተማታት ወጺኡ ኣብ ዝበዝሐ ገጠራት እታ ሃገር ህላዌኡ ከረጋግጽ ኣጊምዎ እዩ ዝርከብ።

እቲ ዕላም ናይቶም ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ናይ ግዳም ሓይልታት ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኣልሸባብ ካብ ስሩ ብምምሓው መንግስቲ መንግስታዊ ጽላታት ንኽሃንጽ ዕድል ንምሃብ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአ ዝነበረ፡ ኣብ ሶማልያ'ውን ስዕሩር ብልሽውና ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሶማልያ እቲ ቃል ዝተኣተወሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ግዚኡ ስለዘይተኻየደ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰራዊት እታ ሃገር ንሓድሕዶም ኣብ ምትክኳስ ብጺሖም ነይሮም እዮም።

ኢልሃም ጋሺር ኣብቲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ብኣፍሪቃ ሕብረትን ብሕቡራት ሃገራትን ዝምራሕ ሰራዊት ኣማኻሪት እዩ።

ንሳ እቶም ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ክንዲ ድልዱል መንግስቲ ሶማል ኣብ ምህናጽ ዝተሓባበሩ ኣብ ምጥፋእ ኣልሸባብ ጥራይ ኣቶኵሮም ይሰርሑ ምህላዎም እያ ትገልጽ።

ብመሰረት እቲ ኣቀዲሙ ዝወጽአ መደባት፡ መንግስቲ ሶማል ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኩሉ እቲ መሓውር ጸጥታ እታ ሃገር ካብቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ተረኪቡ ባዕሉ ከካይዶ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ባይታ ናብዚ ዘብጽሕ ትሕተ ቅርጽን ምስግጋር ተመክሮን ከምዘይተገበረ እያ ኢልሃም ጋሽር ትሕብር።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ቲንክ ታንክ ሂራ ዝተባሃላ ናይ ሶማል ክንፊ ጸጥታ፡ ሳሚራ ጋይድ፡ ሰራዊት ናይ ሶማል ትሕቲ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታን ምኳኖምን ንዘገጥሞም ተጻብኦታት ናይ ምምካት ዓቕሞም ትሑት ምዃኑን እያ ትገልጽ።

"ናይ ሶማልያ ኣካላት ጸጥታ ምስቲ ናይ ኣፍጋኒስታን ኣካላት ጸጥታ ዝወሃቦም ሓገዛት ብምንጽጻር 0.005 ሚኢታዊት'ውን ኣይተውሃቦምን" ትብል።

ብምስዓብ "ንኣካላት ጸጥታ ሶማልያ ንምህናጽን ንምድልዳልን ዝተገበረ ነገር የለን፡ ሶማልያ ኣጽዋር ከይትዕድግ እገዳ ተነቢርዋ ኣሎ፡ ስለዚ ከምቲ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታን ዝነበሮ ዕጥቂ ክንሽምት'ውን ኣይክኣልናን" ትውስኽ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሶማልየ ዝገብሮ ዝነበረ ሓገዛት ከቋርጾ ጀሚሪ ኣሎ፡ መንግስቲ ሶማልያ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ንኸዳሉ እቲ ግዜ ይኣኽሎን ይሕንበቦን'ዩ ዘሎ።

ፖሎቲካዊ ፍታሕ

ልክዕ ከም ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብተን እስላማውያን ዕጡቃት ተዋፊሮሙለን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ትምህርቲን ሕክምናን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝርከብን፡ ህዝቢ እተን ሃገራት ንድኽነት ዝተቃልዐ ምዃኑን እዩ ዝግለጽ።

እዚ ጸገማት እዚ ኣብ ከም ሞዛምቢክ ዞባ ጋቦ ዴልጋዶ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ንመንእሰያት ክኸትቡን ህዝባዊ ደገፍ ንኽረኽቡን ርሒብ ዕድል ፈጢርሎም'ዩ።

ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት'ውን እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ንህዝቢ መሰረታዊ ቀረባት ስለዘቕርብሉ ክዕሊ መንግስቲ ሰዓብቲ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ።

ምኩር ኩነታት ጸጥታን ርግኣትን ፉላን ኑስረላህ ግን እቶም እስለማውያን ዕጡቓት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓንቲ ሃገር እንተተቆጻጺሮም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ።

"ሰብ ምስ ናይ ኣፍጋኒስታን እናኣመሳሰለ ክርእዮ ይፍትን እዩ፡ ምምስሳል ክህልዎ ይኽእል እዩ እቲ መሰረታዊ ነገሩ ግን በበይኑ እዩ" ይብል።

እቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ እስላማውያን ጉጅለታት ከም ጣሊባን ውህደትን ውዳበን ዘለዎም ኣይኮኑን ዝብል ፍላን ኑስርላህ "ህላወኦም ኣብ ድኽመት እተን ሃገራት እዩ ዝምርኮስ፤ እንተኾነ ንሶም ንባዕሎም ልዕሊ እተን ድኹማት ዝብሃላ ሃገራት ድኹማት'ዮም" ይብል።

ክቕሰም ዘለዎ ትምህርቲ

እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ኹነታት ንኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ክጸልዋ እኽእል ንምግማቱ ኣጸጋምን ገና ግዙኡ ዘይኣኸለን'ዩ።

እንተኾነ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣወጻጽኦኦም ኮነ ህላውነቶም ኣብ ከመይ ክምርኮስ ከምዘለዎ ትምህርቲ ዝህብ እዩ።

ኮምፎርት ኢሮ ካብ ዓለምለኻዊ ክራእሲስ ግሬፕ ኮይና፡ "ካብዚ ህሉው ክነታት ክቅሰም ዝግበኦ ትምህርቲ ኣሎ" ትብል።

ንሳ፡ "ምስ ብልሽውና ዝተተሓሐዙ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉ፤ ኣብ ናይ ወጺኢ ሓይልታት ምምርኳስ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ስለዚ እቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ሓንቲ ረፋድ ምስ ዝወጽኡ ወጻኢታቶምን ዕደኦም ክኸፍሉ ዘይክእሉ ስማዊ ሃገርን መንግስትን ሒዝካ ኢኻ ትተርፍ" ትብል።.