ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ናብ ካቡል ዝተመልሰ ጣሊባን መን'ዩ?

ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዝነበረ ጣሊባን ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣን ወሪዱ።

ን20 ዓመታት ኣንጻር ሰራዊት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣኒያን ኔቶን ክዋጋእ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ብሰንበት ዳግም ስልጣን ከም ዝተቖጻጸረ ኣዊጁ።

ጣሊባን፡ እዚ ኹሉ ዓመት ምስ ኣመሪካ እንትዋጋእ ክልቲኦም ወገናት ካብ ኲናት ወጻእ ዝኾነ ዓይነት ዘተ ኣካይዶም ኣይፈልጡን።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ግን ንፈለማ እዋን ንልዝብ ኮፍ ኢሎም፤ እዚ ኣብ ቀጠር ዶሓ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።

እቲ ልዝብ፡ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ብምውሳና ዝመጽአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሞንጎ ጣሊባንን ኣመሪካን ዝተገብረ ዝርርብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ተሰማሚዖም።

እቲ ስምምዕ ኣመሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ስራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ከተውጽእ፣ ጣሊባን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይፍጽም፣ ጣሊባን ምስ ኣልቃዒዳን ካልኦት ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ምትሕብባር ከይገብር ከምኡ'ውን ጣሊባን ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት እዞም ጉጅለታት ከይንቀሳቐሱ ዝብሉ'ዮም።

ንምዃኑ ጣሊባን መን'ዩ?

ብቋንቋ ፓሽቶ [ብዓሌት ህንዲ-ኤውሮጳ ዝዝረብ'ዩ] "ተመሃሮ" ማለት'ዩ።

እዚ ቋንቋ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታንን ኢራንን ክዝረብ እንከሎ፡ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣፍጋኒስታን'ውን እዩ።

ጣሊባን ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ሰሜን ፓስኪታን ዝተበገሰ ዘይስሩዕ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስ ኣውጽአት ዝተወደበ'ዩ።

እዚ ምንቅስቓስ ክጅመር እንከሎ መንፈሳዊ መልክዕ ነይሩዎ ይብሃል።

ድሕሪ'ዚ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ጥቡቕ እስልምና ዝሰብኹ ሙሁራት መናእሰይ ብምምጽኦም ክጠናኸር ጀሚሩ።

እቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ድማ ፖለቲካዊ መልክዕ እናሓዘ መጺኡ። በዚ ኣገባብ ካብ ዘይስሩዕ ምንቅስቓስ ናብ ጉጅለ ክዓቢ ክኢሉ።

እዚ ጉጅለ ኣብ ሞንጎ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ዝርከብ ግዝኣት ፓሽቱ ብምሓዝ ጽኑዕ ምምሕዳር ሸሪዓ ተግባራዊ ገይሩ ሰላምን ድሕነትን ንምምጻእ ከምዝወፍር ተመጻቢዑ።

ከምዚ እናበለ፡ እቶም መናእሰይ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ተበጊሶም ጽልዋ ክፈጥሩ ጀሚሮም።

ኣብ መስከረም 1995 ዓ.ም ድማ ምስ ኢራን ትዳወብ ሄራት ዝተባህለት ግዝኣት ተቖጻጺሮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ ንካቡል ተቖጻጺሮም።

ኣብቲ እዋን ቡርሃንዱኒ ራባኒ ፕሬዝደንት ኣፍጋኒስታን ነይሩ።

ንሱ ሓደ ካብ ኣቦታት ናጽነት ኣፍጋኒስታን ተባሂሉ ዝውሰድን መስራቲ ንሶቭየት ሕብረት ተቓሊሱ ናይ ዘውጽአ ጉጅለ ሙጃሂዲ [ሓርበኛታት] እዩ።

ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ1998 ጣሊባን 90 ሚኢታዊት ኣፍጋኒስታን ተቖጻጺሩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት'ውን ረኺኑ ነይሩ።

ጣሊባን ብፍላይ ብልሽውናን ስርዓት ኣልቦነትን ብምጥፋእ ይንኣድ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቀንዲ መገዲታት ብምቁጽጻርን ድሕነት ብምርግጋጽን ምንቅስቓስ ንግዲ ንክሰፍሕ ብምግባሩ ኣብ ሓጺረ እዋን ልዑል ቕቡልነት ክረኽብ ሓጊዙዎ ነይሩ።

ጥቡቕ ሕግታት ሸሪዓ

ጣሊባን ጥቡቕ ሕግታት ሸሪዓ ኣብ ተግባር ክውዕል ከም ዝድግፍ ይንገር።

ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ከገድድ እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ጭሕሞም ከንውሑ የገድድ።

ምንዝርና ዝፈጸሙ ኣብ ኣደባባይ ክስቀሉን ዝሰረቑ ኣእዳዎም ክቑረጽን'ውን ገይሩ'ዩ።

ጣሊባን ቴሌቪዥን፣ ሙዚቃን ሲነማን ሙሉእ ንሙሉእ ክእግድ እንከሎ፡ ዕድሚአን ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ከይምሃራ ብምኽልካሉ ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዎ።

እዚ ጉጅለ ብከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ እንከሎ፡ ብ2001 ዓ.ም ኣብ ማእከላይ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ፍሉጥ ሓወልቲ ቡድሃ ክፈርስ ምግባሩ ይዝከር።

እዚ ዓለምለኻዊ ናዕቢ ኣልዒሉ ነይሩ።

መንከ ፈጠሮ?

ጉጅለ ጣሊባን፡ መንግስቲ ፓኪስታን'ዩ ፈጢሩዎ ኢሎም ዝካትዑ ብዙሓት ኣለው።

ፓኪስታን ነዚ ኣይትቕበሎን፤ እንተኾነ መብዛሕትኦም ኣባላት ጣሊባን ኣብ ፓኪስታን ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመሃሩ'ዮም።

ኣብታ ሃገር ኮይኖም'ውን እዮም ነቲ ምንቅስቓስ ጀሚሮምዎ።

ጣሊባን ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ኣፍልጦ ካብ ሞንጎ ዝሃባ ሰለስተ ሃገራት ከኣ ስዑዲ ዓረብ፤ ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ፓኪስታንን ናይ መጀመርታ ነይራ።

ፓኪስታን ንጣሊባን ፈጢራቶ ክትኸውን ትኽእል እያ ካብ ዘብሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ኣቐዲማ ኣፍልጦ ምሃባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩነታት ከፊኦም ጣሊባን ተቐባልነት እናስኣነ ክመጽእ እንከሎ እታ ናይ መወዳእታ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ጠጠው ዘበለት ሃገር እውን ብምዃና'ዩ።

መሓውር ምምሕዳር ጣሊባን

  • ቀንዲ መራሒ [ኣሚር ኣል ሙእሚን] መውላዊ ሒባቱላ ኣኩንዛዳ ይብሃል።
  • ዋና ዳኛ - ሙላ ኣብዱል ሃኪም - እዚ ንጉዳያት ፍትሒ ጣሊባን ዝከታተል ኣመራርሓ ኮይኑ ኣብ ቀጠር ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ቀንዲ ተዋሳኢ ነይሩ።
  • ምኽትል ፖለቲካዊ ጉዳያት - ሙላ ዓብዱል ጋኒ ባራዳር ይብሃል። ንሱ ሓደ ካብ መስረትቲ ታሊባን ኮይኑ ሓላፊ ኣብ ዶሃ ዝርከብ ቢሮ ፖለቲካ'ዩ።
  • ሙላ መሓመድን ሲራጁዲኒ ሃቃኒን ድማ ምክትላት እቲ ቀንዲ መራሒ ኮይኖም፡ ሙላ መሓመድ ወዱ ንመስራቲ ጣሊባን ዝኾነ ሙላህ ኦማር'ዩ። እዚ ውልቀሰብ ኮማንደር ኦፕሬሽን ሰራዊት ክኸውን እንከሎ፡ ሃቃኒ ድማ ሓላፊ ኔትዎርክ ሃቃኒ'ዩ።
  • ካብዚ ሓሊፉ፡ ቤት ምኽሪ መራሕቲ ጣሊባን 26 ኣባላት ኣለውዎ። እዚ እቲ ዝለዓለ ውሳነ ወሃቢ ባይቶ'ዩ።
  • ኮሚሽን ጣሊባን ድማ ወተሃደራዊ፣ ጉዳያት ድሕነት፣ ፖለቲካ፣ ቑጠባን ሓዊሱ ካልኦት 13 ጉዳያት ዝከታተሉ ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዎ።

ጣሊባን ካብ ስልጣን ምውራድ

ኣብ ኣመሪካ፡ ብ2001 ዓ.ም ድሕሪ ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ( 9/11) ሽም ጣሊባን ዓብዪ ኣጀንዳ ዓለም ኮይኑ።

ጣሊባን፡ ነቲ ኣብ መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ መጥቃዕቲ ዘብጽሐ መራሒ ኣልቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ከለላ ብምሃቡ ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም።

ብጥቅምቲ 2001 ከኣ ኣመሪካ እትመሰርሖ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ክፍጽም ጀሚሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2001 ዓ.ም ድማ ምምሕዳር ጣሊባን ብወግዒ ፈሪሱ።

መራሒ እቲ ጉጅለ ዝነበረ ሙላ መሓመድ ኦማርን መራሒ ኣልቃዒዳ ቢን ላደንን ግን ክሃድሙ ክኢሎም።

ኣብቲ እዋን ንዕኦም ንምሓዝ ዝተወስድ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ኣለሻታት ዝስራዕ ነይሩ።

ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ወጻኢ ምስ ወደቐት ብዙሓት ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም።

እዚ ቑጽሪ ልዑል ምስ ምዃኑ ጣሊባን ደባይ ውግእ ከም መቃለሲ ስትራቴጂ ክኸውን ወሲኑ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ካቡል ብዙሓት መጥቃዕታት ደባይ ክፍጸሙ ከለው፡ ካብዚኦም እቲ ብ2012 ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ኔቶ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሓደ እዩ።

ጣሊባን ዳግም መዓ ተላዒሉ?

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015፡ ጣሊባን መራሒኡ ሙላህ ኦማር ምሟቱ ንክልተ ዓመታት ከም ዝሓብኦ ተኣሚኑ።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ድማ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ሙላህ መንሱር ከም ዝተኣኻኸበ ገለዒጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ኩንዱዝ እትብሃል ወሳኒት ከተማ ከኣ ይቆጻጸር።

ብ2016፡ ሙላህ መንሱር ብነፋሪት ኣመሪካ ተቐቲሉ፤ ምክትሉ መውላዊ ሂባቱላህ ኣኩንዛዳ ከኣ መራሒ እቲ ጉጅለ ኮይኑ ተሾመ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ጣሊባንን ኣመሪካን ገጽ ንገጽ ዘካየዱዎ ዝርርብ ተወዲኡ ተባሂሉ። ድሕሪ'ዚ ጣሊባን ሜላ ውግእ ቐይሩ።

ኣብ ክንዲ ወተሃደራዊ ቦታታት ምጥቃዕ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት፣ ዳያኑን መራሕትን ብዝተዋደደ መልክዑ ክቐትል ጀሚሩ።

እዚ ከኣ ጣሊባን ናይ ኣኽራሪ ዝንባልኡ ከም ዘይቐየረ ዘመላኽት ኮይኑ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ 11 መስከረም ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ዝነበራ ጻንሒት ከብቅዕ'ዩ ኢሉ።

ድሕሪ'ዚ፡ ጣሊባን ቑጽሪ ዝቆጻጸረን ግዝኣታትን ከተማታትን ከስፍሕ ጀሚሩ። ቑጽሪ ወተሃደራቱ'ውን ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ።

ኔቶ ከም ዝብሉ፡ ጣሊባን ሕጂ 85 ሽሕ ወተሃደራት ኣለውዎ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝወጽኡሉ ግዜ፡ ብዘይ ዝኾነ ውግእ ጣሊባን ኣገደስቲ ከተማታት ክቆጻጸር ተራእዩ።

ቤት ጽሕፈት ድሕነት ኣመሪካ ከም ዝብሎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣመሪካ ሰራዊታ ምስ ኣውጽአት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክወድቕ ይኽእል'ዩ ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ጣሊባን ሚዛኑ እናደፍአ ምስ መጽአ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ክጸንሕ ኣይክኣለን።

ኣመሪካ ቢሊዮናት ዶላራት ኣውጺኣ ሃኒጻቶ ዝብሃል ሰራዊት ኣፍጋኒስታን፡ ንጣሊባን ኣይኮነን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንሽዱሽተ ሰሙናት'ውን ጠጠው ከብሎ ኣይክኣለን።

ትማሊ ቀትሪ ጣሊባን ንርእሰ ከተማካቡል ተቖጻጺሩ፤ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ።

ፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋኒ ከኣ ሃዲሙ ካብታ ሃገር ወጺኡ።

ኣመሪካ ሓዊሱ 60 ሃገራት ዜጋታተን ብሰላም ካብ ካቡል ንምውጻእ ነፈርትን ወተሃደራትን ኣውፊረን።

ብዙሓት ተንተንቲ፡ እቲ ኩነታት ኣመሪካ ብቬትናም ተስዒራ ዝወጽኣትሉ ኩነታት የወዳድሩዎ ኣለው።

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ግን ነዚ ኮኒኑዎ።

"ቅድሚ 20 ዓመት ናብ ኣፍጋኒስታን ክንኣቱ ከለና ሓደ ነገር ከነዐውት ብዝብል'ዩ ነይሩ፤ ንሱ'ውን ኣዐዊትና ኢና" ኢሉ።