ኣፍጋኒስታን፡ 'ሰንበት-ኣብ መላእ ህይወተይ እታ ዝኸፈኣት መዓልቲ እያ ነይራ'

ጣሊባን፡ ንኣፍጋኒስታን ካብ ዝቆጻጸር ንድሓር ትማሊ ሰሉስ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ "ን20 ዓመት ድሕሪ ዘካየድናዮ ቓልሲ ነታ ሃገር ሓራ ብምውጻእ ንወጻእተኛታት'ውን ሰጒጉናዮም" ክብል ተሰሚዑ።

እዚ መላእ ሃገር እትሕበነሉ እዋን እዩ ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ኣፍጋኒስታን ዓውደ ውግእ ከም ዘይኮነት ከነረጋግጽ ንፈቱ ክብል ተዛሪቡ።

ቢቢሲ፡ ጣሊባን ንካቡል ክሳብ ዝቖጻጸር ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ንዝሰርሐት ሓንቲ ውልቀሰብ ኣዘራሪቡ።

እቶም ጉጅለ ነታ ከተማ ምስ ተቖጻጸሩ ዝነበራ ስምዒትን ዝሓደራ ስግኣትን ከኣ ኣውጊዓትና።

ሰንበት-ኣብ መላእ ህይወተይ እታ ዝኸፈኣት መዓልቲ እያ ነይራ

ንጉሆ ናብ ስርሐይ ኸይደ። ኣብ በሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዋርድያ ረኺበ።

ብጣዕሚ ውሑዳት ሰባት'ዮም ነይሮም፤ ኣብ ካልእ መዓልቲ ከምዚ ኣይነበረን።

ጣሊባን ኣብ ጸግዒ እታ ከተማ ስለ ዝነበረ ሰባት ኣዝዮም ፈሪሖም ነይሮም።

እንተኾነ እዞም ዕጡቓት መሊኦም ናብታ ከተማ ክኣትው'ዮም ዝብል እምነት ኣይነበረንን።

ኣጋ ምሸት ካብ ስራሕ ወጺአ። ናይ ሞባይለይ ቻርጀርን ገለ ውልቃዊ ሰነዳትን ሒዘ ተበጊሰ።

ኩሉ ክንዲ ዝኽኣሎ ገንዘብ ከውጽእ ጸደፍደፍ ይብል ስለ ዝነበረ ኣነ'ውን ዝተወሰነ ገንዘብ ንከውጽእ ናብ ባንኪ ከይደ።

ነዊሕ ሪጋ ነይሩ፤ ሓያል ወጥሪ'ውን ዓሲሉ ይርኣይ።

ናብ ባንኪ ምስ ኣተኹ፡ ኣደይ፣ ሓፍተይን ሓወይን ቴሌፎን ይድውሉለይ።

እዋእ - ዝኾነ ሕማቕ ነገር ተፈጢሩ'ሎ ማለት እዩ ኢለ ዚያዳ ተሻቒለ።

መሊሰ ናብ ኣደይ ምስ ደወልኩ፡ ርብሽብሽ ኢላ 'እዚ ኹሉ ክንድውለልኪ ከለና ኣበይ ነይርኪ፤ እንታይ ትገብሪ ነይርኪ?' ኢላ ነዲራ ትሓተኒ።

ጣሊባን ኣብ ምዕራብ ሸነኽ እታ ከተማ ስለ ዘለው ቐልጢፈ ናብ ገዛ ክኣቱ ትሕብረኒ።

ሰንቢደ፤ ፈሪሐ፤ ተሻቒለ።

ኩሉ ሰብ ይሃድም ነይሩ። ዋናታት ሹቕ ናይ ስራሕ ቦትኦም እናዓጸው ኩሉ ሰብ ናብ ገዝኡ ይጉዪ።

ሓወይ ደዊሉ ብቕልጡፍ መኪና ገይረ ክወስደኪ ኢሉኒ፤ ግን ድማ መገዲ ተዓጽዩ ስለ ዝነበረ ኣይተኻእለን።

ብእግረይ እናተጉዓዝኩ ታኽሲ እንተረኸብኩ'ውን ይፍትን ነይረ። ኣብዚ ግዜ ሰብ ከም ውሑጅ ይሃድም ነይሩ።

እቲ ፍርሐይ ዝነበረ፡ ናይ ስራሕ ክዳን ተኸዲነ እናሃለኹ ጣሊባን እንተረኺቦምኒ ክቐትሉኒ'ዮም ዝብል'ዩ።

መወዳእትኡ ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ናብ ገዛይ በጺሐ። ሰንቢደ ስለ ዝነበርኩ ንስድራይ ከዛርቦም'ውን ኣይክኣልኩን።

ፈጺመ ኣብ ህይወተይ ዘይርስዐ መዓልቲ'ያ።

ሙሉእ ለይቲ ዝኾነ ሰብ ኣፍ ደገ ገዛና እንተኣንኳሕኮሐ'ኸ ብዝብል ስግኣት ተወጢረ ሓዲረ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኩሉ ሰብ ንነብሱ ዝሓብኣሉ ቦታ'ዩ ዝደሊ ነይሩ።

ኣነ'ውን ናብ ናይ ቤተሰብ ገዛ ከይደ ክሕባእ ሓሰብኩ፤ ግን ድማ እዚ'ውን ኣይሰለጠን።

ሕጂ ኣብ ገዛይ ኮይነ ውሕስነት ይስምዓኒ። ናብ ገዛና እንተመጺኦም ዋላ ሓደ ንመንግስቲ ይሰርሕ ምንባረይ ኣይፈልጥን።

ጣሊባን፡ ሓይልታቱ ናብ ገዛ ኣትዮም ከም ዘይፍትሹ ገሊጹ'ዩ።

ግን ድማ ኣይንኣምኖን። ኣብ ቴሌቪዥን ክርእዮም ከለኹ ይሓዝን፤ ይሓርቕ።

ጭካንኦም ርኢና'ዮ ኢና - ከመይ ኣቢልና ንኣምኖም? ሕጂ'ውን ስለ ዝፈርሕ ለይቲ ኣይድቅስን።

ካብታ ሃገር ንክወጽእ ቪዛ ይጽበ ኣለኹ፤ ግን በዚ'ውን ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን።

ኣብ ኣፍጋኒስታን እንተጸኒሐ ክሰርሕ ከፍቅዱለይ ድዮም? ኣይመስለንን።

መጻኢየይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ውሑስ'ዩ ኣይብልን። ይመስለኒ ኩሉ ነገር ኣብቂዑ'ዩ።

ተስፋ የብለይን።

ጣሊባን ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ኢሉ?

ብሰሉስ ጣሊባን መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ብዙሕ ኣርእቲ ኣልዒሉ ተዛሪቡ'ዩ።

ኣብዚ ታሪኻዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ጋዜጠኛታት ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ እንከለው፡ ሙጃሂድ "ኣብ ትሕቲ ሕጊ እስልምና" መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክኽበር'ዩ ኢሉ።

ናብቲ ወሃቢ ቃል ካብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ሕቶታት ቐሪቦምሉ'ዮም።

መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራ፣ ክሰርሓ ከተፍቅዱ ዲኹም ዝብል ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም እዮም።

ኣብታ ሃገር ሓያል እስላማዊ መንግስቲ እዩ ክህሉ ዝበለ ሙጃሂድ፡ "ኣብ ቀረባ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ንደሊ። ኩሉ ከኣ ብመሰረት ሕጊ ሸሪዓን እስላማዊ ሕግን ናብ ስራሕ ክምለስ ይፍቀደሉ'ዩ። ትምህርቲ፣ ፖሊስ ይኹን ካልኦት ትካላት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ስለ ዘድልዮም ናብ ስራሕ ክመጽኡ ፍቑድ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዝምስረት መንግስቲ ሕግታት ሽሪዓ ዝኽተል ምዃኑ ሓቢሩ'ዩ።

ሸሪዓ፡ መምርሕታት ህይወት እስላም ዝሓዘ ሕጊ ኮይኑ ኣመንቲ ስድራቤታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቑጠባውን ፖለቲካውን ህይወቶም በዚ መንፈሳዊ ሕጊ ዝቃነ ይኸውን ማለት'ዩ።

በዚ መሰረት፡ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ኒቃብ፣ ሒጃብን ቡርቃን ዝመሰሉ ካብ ጸጉሪ ርእሰን ክሳብ ጽፍሪ እግረን ዝሽፍኑ ኣከዳድና ክኽደና ይግደዳ።

ጣሊባን ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ጣሊባን ቴሌቪዥን፣ ሙዚቃን ሲነማን ምሉእ ብምሉእ ክእግድ እንከሎ፡ ዕድሚአን ልዕሊ 10 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ከይምሃራ ብምኽልካሉ ሓያል ነቐፌታ ክገጥሞ ጸኒሑ'ዩ።

ወሃቢ ቃል ዛቢሁላህ ሙጃሂድ "ሕጂ ኣብ እንወስዶም ስጉምታት ዝምልከት ዝመጽአ ለውጢ ብምህላው ኣብ ሞንጎ እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ጣሊባንን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ ኢሉ" ክብል ኣብቲ መግለጺኡ'ኳ እንተሓበረ ዝርዝር ደቂ ኣንስትዮ ዝረኽብኦ መሰል ግን ኣይሓበረን።