ሚሌኒያልስ፡ ብሓቂ 'ዕድለኛታት ዘይኮኑ ወለዶ' ድዮም?

ካብ 1981 ክሳብ 1996 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወልዱ ሰባት ወይ ወለዶ 'ሚሌኒያልስ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም ካብቶም ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ወለዶታት ዝዛየደ ብልጽግናን ዓለምለኻዊ ጽልዋን ዝሓልሙ ተባሂሎም እዮም ዝውሰዱ።

እዚኦም ፈላሞት ናይ ባዕሎም ኮምፒዩተር፣ ዘመናዊ ቴሌፎናት [ስማርትፎን]፣ ኢንተርነትን ዓለማዊ ዋሕዚ ሓበሬታን ዝነበሮም ናይ መጀመርታ ወለዶ'ዮም ክብሉ ሰብ ሞያ ይገልጹዎም።

ይኹን'ምበር እዞም ወለዶ፡ "ብውድቀቶም" ይኹን "ብሕምቐቶም" ካብ ጽግዕተኝነት ወለዶም ዘይተናገፉ ብምዃኖም፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክንቐፉን ንርኢይቶታት ዝተቓልዑን'ዮም።

ብዛዕባ ነብሶም ዓብዪ ግምት ዝነበሮም ኮይኖም፡ ምስ ወለዶም ብዝተኣሳር ብዝነበሮም ሓለፋ ትምህርቲ ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ውህደት ዝምክሑ'ዮም ተባሂሎም ይንቀፉ።

እንተኾነ ዓለምለኻዊ መጽናዕታት ከም ዘመክትዎ ብግሃድ 'ሚሌኒያልስ' ዝተንደላቐቐ ህይወት ንምንባር ብዝብል ብዝኸዱዎ ርሕቐት ካብ ኣያታቶም ንላዕሊ ኣብ ዕዳ ናይ ምእታው ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ትጽቢትን ክውንነትን ዘሎ ምርሕሓቕ ዘይምግንዛብ ድማ፡ እዞም ወለዶ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣደዳ ላግጽን ጎዳኢ ርኢይቶ ዝቐርበሎምን ኮይኖም ኣለው።

እቲ ካብዚ ዝኸፍአ፡ ካብቲ ንዕኦም ዝትክኡዎም 'ወለዶ ዜድ (Z)' ዝበጽሖም ንዑቕ ኣረኣእያ'ዩ።

ስለዚ፡ ሚሌኒያልስ እንታይ'ዮም ኾይኖም? ናይ ብሓቂ ወዲቖም ድዮም?

ብዙሓት ኣብዚ ዙርያ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት፡ እዚ ወለዶ ክንቀፍ ኣይግብኦን ዝብል ምላሽ'ዩ ዘለዎም።

"ሚሌኒያልስ፡ መጀመርታ ዘመናዊ ስልክን ኢንተርነትን ዝወነኑ ወለዶ'ዮም። ስለ ዝኾነ ድማ በዚ መገዲ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ንዝህልዎም እጃም ኣብ ግዝኦም ረዘንቲ ሓሳባት ከማዕብሉ ትኽክል'ዩ" ይብል ፕሬዝደንት ኣብ ሞንጎ ወለዶታት 'ሚሌኒያልስን ዜድን' መጽናዕቲ ዘካይድ ማእከል ጀነሬሽናል ኪኔቲክስ ጃሶን ዶርሲ።

"ወለዶም፡ ምስ ሕሉፍ ወለዶ ብምንጽጻር ዝሓሸ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምህላዩ፡ ዕውታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ'ዮም ዝነግሩዎም" ኢሉ።

ይኹንምበር፡ ካብ 2008 ክሳብ 2009 ዘጋጠመ ቑጠባዊ ዝሕታለ፣ ሕጂ ድማ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኣብነት ብምልዓል እዞም ወለዶ ዕድለኛታት ኣይኮኑን ኢሉ ይካታዕ።

"ብብዙሕ መልክዑ፡ ሚሌኒያልስ ዕውታት ኮይኖም'ዮም፤ ግን ድማ ምስ ቑጠባዊ ዝሕታለ፣ ዝቕባበ ዋጋ፣ ምትሓት ደሞዝን ምውሳኽ ዋጋታትን ተላቲሞም" ይብል።

ስነ ሞገት እቶም ሰብ ሞያ ብስታቲስቲካል መረዳእታ'ውን ዝተደገፈ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እቶም ሚሌኒያልስ "ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዕድለኛታት ዘይኮኑ ወለዶ ክብል" ገሊጹዎም እዩ።

"እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው [ለበዳ ኮቪድ-19] ብማእከላይ ሚሌኒያልስ ዋላ'ውን ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ካብ ካልእ ወለዶ ብዝለዓለ ዕድል ስራሕ እንተረኸቡ ትሑት ቑጠባዊ ዕብየት'ዮም ኣርእዮም" ይብል እቲ ጽሑፍ።

"ሚሌኒያልስ እቲ ቁጠባዊ ጸገማት ዘውረደሎም ሃሰያ ንመዋእሎም ዝፍለዮም ኣይኮነን፤ እዚ ብትሑት እቶት፣ ትሑት ብልጽግናን ሃብቲ ንምውናን ነዊሕ ግዜ ብምውሳድን ዝግለጽ'ዩ"።

ኩሉ ወለዶ ነናይ ባዕሉ ዝሓልፎም ግድላት ኣለው፤ ዶርሲ ነዚኦም 'ወሰንቲ ግዝያት' ክብል ይገልጾም።

እዚኦም ናይ ህይወትን ትምህርትን ምርጫታት እንገብረሎም፣ ብዛዕባ ክብርታትን መጻኢናን እንውስነሎም መድረኻት ጉዕዞ'ዮም።

ካብ 1928 ክሳብ 1945 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወለዱ 'ሳይለንት' ወለዶ ተባሂሎም'ዮም ዝጽውዑ።

ናይዚኦም ግዜ፡ ብዓብይኡ ብካልኣይ ኲናት ዓለም ይግለጽ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዘለው ዓመታት ዝተወለዱን [ካብ 1946 ክሳብ 1964 ዓ.ም] 'Baby boomers' ዝበሃሉ ኮይኖም፡ እቲ ግዜ ንዝተወሰነ ግዜ ዝጸንሐ ወሰኽ መጠን ወሊድ ዝተራእየሉ ብምዃኑ'ዩ ነዚ መጸውዒ ተዋሂቡዎም።

ወለዶ ኤክስ [X] ዝብሃሉ ድማ ካብ 1965 ክሳብ 1980 ዝነበሩ ኮይኖም መወዳእታ ዝሑል ኲናትን ዝርግሐ ለበዳ ሕማም ኤችኣይቭን ዝርኣዩ'ዮም።

እቶም ወለዶ ዜድ [Z] ዝብሃሉ ካብ 1997 ክሳብ 2012 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዝተወለዱ ሰባት ድማ፡ ብጽልዋ ኮሮናቫይረስ ዝግለጽ ህይወት ዘሕልፉ ዘለው እዮም።

ኩሎም ወለዶታት ግን፡ ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፣ ለበዳታትን ኣዝዮም ዘሰክፉ ፖለቲካዊ ፍጻሜታትን ዘተኣናግዱ ምዃኖም ሓደ ይገብሮም።

ስለዚ ወለዶ ሚሌኒያል እንታይ'ዩ ዝፈልዮም?

እቲ ቀንዲ ነገር ይብል ዶርሲ፡ ኣብ ምኽባር ዋጋ መነባብሮ ዘሎ ጉዳይ'ዩ።

ብቐንዱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ንትምህርትን ክራይ ገዛን ዝሕተት ወጻኢ ኣዝዩ ልዑል'ዩ።

ወለዶ ዜድ ክሳብ ዝመጽኡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ወለዶታት ሚሌኒያልስ ዳርጋ ተመሳሰልቲ'ዮም ነይሮም ክብል እቲ ክኢላ የብርህ።

እዚ ማለት "እቶም ሰባት ተመሳሰልቲ'ዮም ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ርክባት፣ መዘናግዒ፣ ባህልን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዝነበሮም ኣተሓሳስባ ተመሳሳሊ'ዩ ማለትና'ዩ። እቲ ቑጠባ'ውን ናይ ባንክን ቐረባትን ስርዓት ስለ ዘሎ ዚያዳ ዝተኣሳሰረ'ዩ" ኢሉ።

ዶርሲ፡ ሚሌኒያልስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዋሕዚ ሓበሬታን ምትእስሳርን ተራ ዞባዊ ወይ ከባቢያዊ ፍጻመ ዓለምለኻዊ ክኸውን ዝገብር ዓለምለኻውነት ዘሰነፎም'ዮም ይብል።

"ብዛዕባ ከም ኲናት ዓለም ኣይኮንኩን ዘውግዕ ዘለኹ፤ እኳ ድኣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘጋጥም ናይ ባንኪ ቅልውላው ኣብ ካልኦት ዓብዪ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ከኣ ኣገዳሲ'ዩ"።

ኣብ ርእሲኡ ግን፡ እዞም ወለዶ ካብ ወለዶም ንላዕሊ ናይ ስራሕ ጸገም ዘጋጥሞም'ዮም።

"ዕድሚኦም ሙሉእ ኣብ ሓደ ኩባኒያ ተቖጺሮም ክሓልፉዎ ከም ዘይደልዩ ብመጽናዕቲ ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና" ዝብል እቲ ክኢላ፡ እዚ ናይ ሓሳብ ናጽነት "ናይ ባዕለይ ስራሕ ክፈጥር ይኽእል'የ" ዝብል ባህጊ ከሕድሩ ከም ዝገበሮም የረድእ።

ግን ድማ ናይዚ ኣሉታዊ ሸነኽ ኣሎ። እዞም ወለዶ ኣብ ከይዲ ብዝገጥሞም ፈተና ሸብረኽረኽ ናይ ምባል ዝንባለ ኣለዎም።

"ብጸገማት ክሰናበዱ ከለው ድማ፡ ብስርሖም ናይ ምዕባይ፣ ሓዳር ዝገብርሉ፣ ቖልዓ ዝወልዱሉ ግዜ፣ መንበሪ ገዛ ዝዕድጉሉ ወይ'ውን ገንዘብ ዝዓቕርሉ ግዜ ንግዝኡ ብዝብል'ውን ንጎኒ ከጽንሑዎ ይስትውዓሉ"።

ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ዘቐመጡዎ ሸቶ ተኾሊፉ ዝብል ስምዒት ይሓድሮም።

"እዚ ወለዶ፡ ካብ ቑጽጽሩ ወጻእ ብዝኾኑ ምኽንያታት፡ ብዙሓት ነገራት ኣዝዮም ዝርሓቑኒ'ዮም ኢሉ ክስምዖ ይኽእል'ዩ ምባል ይከኣል" በሃሊ'ዩ ዶርሲ።

ጥንካታት ሚሌኒያልስ

ሚሌኒያልስ ኩለመንኦም ጸልማትን ብድሆታት ዝዓሰሎን'ዩ ማለት ኣይኮነን።

እቲ ሓቂ ካብኡ ዝተፈለየ'ዩ። ኣብ ዙርያ እዚ ወለዶ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እዞም ሰባት ብዙሕነት ንምቕባል ድሉዋት ከም ዝኾኑን ጽልዋ ዝሰርሑዎም ነገራት ዝርድኡን'ዮም ይብሉ።

ንኣብነት፡ እዚ ወለዶ ብምኽንያት ጾታ ዘሎ ኣፈላላይ ደሞዝን ዘይማዕርነትን ንክፍታሕ ስጉምቲ ዝወሰደ ፈላማይ ወለዶ'ዩ።

ከም ዶርሲ ዝበሉ ክኢላታት ግን ከምዚ ዓይነት ለውጢታት ዚያዳ ለውጢ ንክመጽእ ንዝገበረ ወለዶ ሚሌኒያልስ ንወለዶ ዜድ ዝረብሑ'ዮም ኢሎም ይኣምኑ።

ብተወሳኺ፡ ሚሌኒያልስ ቅድሚኦም ካብ ዝነበሩ ወለዶምን ኣቦ ሓጎታቶምን ንምህዞ ስራሕ ልዑል ዋጋ ዝህቡ'ዮም።

"እዚ ወለዶ [ፈላማይ'ዩ] ምህዞ ስራሕ ከም ሓደ መተባብዒ ገይሩ ዝወሰደ'ዩ። ኣብ ካልኦት ወለዶታት ዝለኾነ ተበግሶ ካብ ሓለፍቲ ዓበይቲ ኩባኒያታት፣ መንግስታትን ካልኦት ስልጣን ዘለዎም ኣካላትን ክመጽእ ዝጽበዩ ዝነበሩ'ዮም" ብምባል ዶርሲ የብርህ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ዶርሲን ናይ ሞያ ብጾቱን ብዛዕባ እዞም ወለዶ "ኣዝዩ ብሩህ ተስፋ" ኣለዎም።

"ሚሌኒያልስ ግሩም ክእለት ኣለዎም፤ ብተዛማዲ መናእሰይ'ውን ስለ ዝኾኑ ኣብ ቐረባ ዓመታት ብዝመጽእ ቑጠባዊ ለውጢ ተጠቀምቲ ክኾኑ'ዮም" ኢሉ።

ወሲኹ "ንቕድሚኦም ዝረብሖም ውሳነ ንክውስኑን ዕላምኦም ንከነጽሩን ዘኽእል እኹል ግዜ ኣለዎም። በቲ ሓደ ሸነኽ እዚ ወለዶ ዕድለኛ ኣይኮነን ዘብል እንተሃለወ'ውን፡ እቲ ዝኾነ ናብ ረብሕኦም ንምሽራፍ ግዜ ኣለዎም" ክብል ኣረዲኡ።

ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘለወን ክሰርሕ ዝኽእል ሓይሊ ሰብ፡ ኣካል እዚ ወለዶ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ሰብ ሞያ ኣብ ብርኪ ምምሕዳራት ዘለው'ውን ንሳቶም ከም ዝኾኑ ይሕብሩ።

ካብ ወለዶ "ሳይለንት" ክሳብ ዜድ ዘሎ ምክፍፋ ወለዶታት

ንገሊኡ፡ ስያመ ወለዶታት ባጫ እንተመሰለ'ውን፡ ንሰብ ሞያ ግን እዚ ምክፍፋል ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።

"ኣብ መስርሕ ግዜ ዝህሉ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ንምጽናዕ ይሕግዙ'ዮም" ክብል ፕሬዝደንት ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፒው ሚካኤል ዲሞች ገሊጹ።

"ከም ዓለምለኻዊ ፍጻሜታት፣ ቴክኖሎጂካዊ፣ ቑጠባውን ማሕበራውን ለውጥን ዕብየትን ምስ ዑደት ህይወት ዘለዎም ምትእስሳርን ሰባት ንዓለም ዝርእይሉ መነጽር ኣብ ምቕራጽን ሓገዝቲ'ዮም" ኢሉ።

ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፒው፡ ወለዶ ሚሌኒያልስ ካብ 1981 ክሳብ 1996 ዓ.ም ዝተወለዱ'ዮም ክብል እዩ ዝገልጾም።

ጃሶን ዶርሲ ግና፡ ካብ 1977 ክሳብ 1995 ዓ.ም ዝተወለዱ'ዮም ብምባል ይሰርዖም።

እዚ ወለዶ፡ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ወይ'ውን ደረጃ ትምህርቶምን እቶት ስድራቤቶምን ብዘየገድስ ካብ መጀመርቱ ምስ ቴክኖሎጂ ፍሉይ ዝምድና ዝነበሮ'ዩ።

ይኹን'ምበር "ወለዶ ሚሌኒያል ብምኽንያት 9/11 [ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ] ኣብ 1995 እዩ ዘብቅዕ፤ እዚ ኸኣ ንመብዛሕትኡ ክፋል ግዜ ኣገዳሲ ፍጻመ'ዩ። ግን ድማ እቶም ድሕሪ 1995 ዝተወለዱ ን9/11 ኣይዝክሩዎን" ኢሉ።