ስድራ ግድያት ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 9/11፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝኽሪ ከይርከብ ጸዊዖም

ስድራ ግዳያት እቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ባይደን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ሰነዳት እንድሕር ዕላዊ ዘይገይሩ፡ ንዝኽሪ እቶም ግዳያት ኣብ ዝካየዱ መደባት ከይርከብ ጸዊዖም።

ነቲ ፕረዚደንት ባይደን፡ ዝርዝር ናይቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝወጠኑ ሰብስልጣን ስዑድ ዓረብ ዝሓዘ ሰነድ ዕላዊ ክገብር ዝሓትት ደብዳበ ኣስታት 1800 ሰባት ፈሪሞምሉ ኣለዉ።

ነዚ ክገብር ፍቓደኛ እንድሕርዘይኮኑ ግና፡ ናብቲ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት እቶም ግዳያት ዝካየድ በዓል፡ ቅልቅል ከይብል ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ 11 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ ግበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 3000 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።

እቲ ብመርመርቲ ኣልቃይዳ ከምዝፈጸሞ ዝተገለጸ መጥቃዕቲ፡ ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታን ክትወርር ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

ካብቶም ንነፈርቲ ብምጭዋይ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ 19 ሰባት፡ እቶም 15 ዜጋታት ስዑድ ዓረብ ነይሮም።

እቲ ፕረዚደንት ግቡኡ ክሳብ ዝፍጽም ናብቶም ናይ ዝኽሪ መደባት ክመጽእ ከምዘይደልዩ እዮም ስድራ ግዳያትን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ሰባትን ኣብ ደብዳበኦም ግልጺ ገይሮም ዘለዉ።

ካብቶም እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ሰለስተ ከባቢታት ማለት እውን ኒው ዮርክ፣ ቨርጂንያን ፐንሲለቫንያን ክርሕቕ እውን ጸዊዖም።

እቶም ስድራ ግዳያት፡ ሰበስልጣን ስዑድ ዓረብ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ኣቐዲሞም ይፈልጡ ከምዝነበሩን ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ከምዘይተንቀሳቐሱን ክከራኸሩ ጸኒሖም እዮም። በዚ ምኽንያት ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝኸሰሱ ኮይኖም፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ።

“ዋላኳ ከም ቢሮ ፍትሕን ኤፍቢኣይን ዝኣመሰሉ ምምሕዳራት ነቲ ሓበሬታ ብምስጢር ንምሓዝን ህዝቢ ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ 9/11 ዝተፈጠመ መጥቃዕቲ ከይፈልጥን እንተፈተኑ” ዝበሉ ስድራ ግዳያት፡ ሰበስልጣን ስዑድ ዓረብ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝደገፍዎ ዘመልክቱ ብዙሓት ሓበሬታታት ከምዝተረኸቡ ኣብ ደብዳበኦም ገሊጾም።

ምምሕዳራት ጆርጅ ቡሽ፣ ባራክ ኦባማን ዶናልድ ትራምፕን እውን ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ምኽንያት ብምግባር፡ ነቶም ሰነዳት ዕላዊ ንምግባር ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ኮይኑ ግና እቶም ስድራ ቤታት ነቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝብል ምኽንያት ከምዘይቅበልዎ እዮም ዝገልጹ።