ሃማዝ ቢን ላደን፡ ኣሜሪካ ወዲ ኦሳማ 'ሞይቱ' ኢላ

ከም ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ስለላ ኣሜሪካ፡ ወዲ መስራቲ ኣልቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ዝኾነ ሃማዝ ሞይቱ።

ዝርዝር ሓበሬታታት ዝተወለደሉ ወይ ዝሞተሉ ዕለት ግን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ኣይኮኑን።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ሃማዝ ቢን ላደን ኣበይ ከም ዘሎ ንዝሓበረ፡ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ክንህብ ኢና ኢሎም ነይሮም።

ሃማዝ፡ ወዲ 30 ዓመይ ይኸውን'ዩ ተባሂሉ እንትግመት፡ ኣብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝጽውዕ መልእኽቲ ብምስልን ድምጽን ፈንዩ ነይሩ።

ኤንቢሲን ኒውዮርክ ታይምስን፡ ቐዲሞም እዚ ሓበሬታ ዝወጽኡ ማዕኸናት ዜና እንትኾኑ፡ ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኾነ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ቦልተን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም'ዮም።

ብግንቦት 2011፡ ሃማዝ ቢን ላደን ወላዲ ኣቡኡ ብፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ከም ዝተቐትለ ብምግላጽ ዕጡቓት ጅሃዲስት ሕነ ክፈድዩ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

ንህዝቢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ'ውን ብተመሳሳሊ ክእድሙ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ። ብመጋቢት ግን ስዑዲ ዓረብ ዜግነቱ መንዚዓቶ።

ኣብ ኢራን ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ'ዩ ተባሂሉ ክእመን'ኳ እንተጸንሐ፡ ካልኦት ጸብጻባት ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ፓኪስታን ወይ ሶርያ ክህሉ ይኽእል እዩ ይብሉ ነይሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2011 ሰነዳት ኣብ መንበሪ ገዛ ቢን ላደን ረኺበ ኢሉ፤ ፓኪስታን ብወገና ሃማዝ ቢን ላደን ንመሪሕነት ኣልቃዒዳ ተሓጽዩ ኢላ።

ሓይልታት ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ ኢራን ተኻይዱ ናይ ዝተብሃለ ምስ ጓል ነባር ኣመራርሓ ኣልቃዒዳ ዝኾነት ምምርዓው ዘርኢ ምስሊ ረኺቦም ተባሂሉ ተገሊጹ'ዩ።

ሓሙኡ ዓብዱላህ ኣሕመድ ዓብዱላህ ወይ መሓመድ ኣል-ሞርሲ ኣብ 1998 ኣብ ታንዛኒያን ኬኒያን ኣብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦንባ ኢድ ነይሩዎ'ዩ ዝተብሃለ ጥርጥር'ዩ።

ኣልቃዒዳ፡ 11መስከረም 2011 ኣብ ኣሜሪካ ንዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ጉጅለ'ዩ።

ኣልቃዒዳ

  • ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ቦቚሉ
  • ኦሳማ ቢን ላደን፡ ወለንተኛታት ዝሕግዝ ኣል-ቃዒዳ ወይ "the base" ዝተብሃለ ትካል መስሪቱ
  • ቢንላደን፡ ብ1989 ካብ ኣፍጋኒስታን ወጺኡ፡ ኣሽሓት ሰልጠንቲ ዝተቐበለ ወተሃደራዊ ካምፕን ምምራሕ ድማ ብ1996 ተመሊሱ
  • ኣልቃዒዳ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ፣ ኣይሁድን መሻርኽተንን "ቅዱስ ኲናት" ዝበሎ ኣዊጁ