እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኣምላኽ ኣራኺስካ ዝተባሃለ ወዲ 13 ዓመት ን10 ዓመት ተኣሲሩ
ኣብ ናይጀርያ፡ ንኣምላኽ ኣራኺስካ ዝተብሃለ ሉወዲ 13 ዓመት ን10 ዓመት ክእሰር ከምዝተፈረደ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ካኖ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ እስላማዊ ቤት-ፍርዲ፡ ነቲ ቆልዓ ንኣምላኽ ዘናሹ ርእይቶ ሂብካ ኢሉ’ዩ ከሲስዎ ነይሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፤ ኣብ ናይጀርያዊ ሓደ ደራፋይ ንሃይማኖት እስልምና ዘራኽስ ደርፊ ደሪፍካ ተባሂሉ በቲ ኣብ ዞባ ካኖ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ክሕነቕ ተበይንዎ።
ወዲ 22 ዓመት ሻሪፍ-ኣሚኑ፡ ንሓደ ካብ ኢማማት ኣብ ዝደረፎ ደርፊ ልዕሊ ነቢዪ መሓመድ ኣልዒልካዮ ተባሂሉ’ዩ ተኸሲሱ።
በታ ደርፊ ዝተቖጥዑ ተኸተልቲ ናይቲ ሃይማኖት፡ ንመንበሪ ገዛ ስድራቤቱ ብሓዊ ከምዘቃጸልዎ ተፈሊጡ።
ኣፈኛ እቲ ቤት-ፍርዲ ባባ ጂቦ ኢብራሂም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ወዲ 13 ዓመትን ደራፋይን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ይግባይ ክብሉ መሰል ከምዘለዎም ሓቢሩ።
ካኖ፡ ሓንቲ ካብተን እስላማዊ ሰርዓተ-ፍርዲ (ሸሪዓ) እትኽተል ግዝኣታት ናይጀርያ እያ።