እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስደት ዝርከብ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ሚልዮናት ዶላር ወሲዱ ንዝብል ክሲ ነጺጉ
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተዓቊቡ ምህላው ሰብ መዚ ኢማራት ኣፍሊጦም።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሓይልታት ጣሊባን ናብ ካቡል ምስ ቀረቡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት እዩ ካብ ኣፍጋኒስታን ሃዲሙ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ፕረዚደንትን ስድራቤቱን ብሰብኣውነት ከም ዝተቐበሎም ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ጋኒ ብረቡዕ ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ከም ዘይሃደመ ብምግላጽ፡ "ከቢድ ሓደጋ" ምእንቲ ከየጋጥም ክእለ ከምዝመረጸ ተዛሪቡ።
"ምፍሳስ ደምን ሕንፍሽፍሽን ምእንቲ ደው ክብል፡ ንግዚኡ ኣብ ኢማራት ኣለኹ፤ . . . ናብ ኣፍጋኒስታን ክምለስ ኣብ ዝርርብ እየ ዘለኹ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ፡ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ከም ዝኸደ ንዝገልጽ ወረ "ፍጹም መሰረት ዘይብሉ ሓሶት" ክብል ነጺግዎ።
እቲ ወዲ 72 ዓመት ነታ ሃገር ገዲፉ ብምኻዱ ብብዙሓት ፖለቲከኛታት ይንቀፍ።
ኣቦመንበር ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ንሃገራዊ ዕርቂ ዓብዱላ ዓብዱላ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ኣምላኽ ክሓቶ እዩ፡ እታ ሃገር'ውን ክትፈርዶ እያ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እውን ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ካብታ ሃገር ምህዳሙ ነቒፉ።
ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዌንዲ ሸርማን ብወገና ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ኣሽራፍ ጋኒ "ደጊም ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም መራሒ ከም ዘይርአ" ተዛሪባ።
እንተኾነ፡ ኣመሪካ ግቡእ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይተኻየደ ብምግላጽ "ፕረዚደንት ኣሽራፍ ጋኒ" ብዝብል ምጥቃስ ቀጺላ ኣላ።
እቲ ፕረዚደንት ብፌስቡክ ብቀጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣባላት ጸጥታኡ ካብቲ ቤተ መንግስቲ ወጢጦም ከም ዘውጽእዎን "ሳእኑ'ውን ክገብር ዕድል ከምዘይረኸበን" ተዛሪቡ።
"እቲ ኩነታት ብቕልጡፍ እዩ ተቐያዪሩ። ምስ ጣሊባን ክዛተን ሓባራዊ መንግስቲ ከቕውምን ደልየ ኔረ" ብምባል መንግስቱ ምስ ጣሊባን ምዝርራቡ ከም ዝድግፍ ገሊጹ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ስልጣኖም ንዝተገለፉ ወይ ንዝሃደሙ መራሕቲ ክተዑቅብ እዚ ናይ ፈለማኣ ኣይኮነን። ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን በናዚር ቡቶ ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምላሳ፡ ኣብ 1990ታት ንዱባይ መንበሪኣ ጌራ ነይራ።
እንተኾነ ግና እታ ብዙሓት ኣፍጋናውያንን ፓኪስታናውያንን ሰራሕተኛታት ዝርከብዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፤ እቲ ግዝኣታ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ክኸውን ከም ዘይትደሊ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ይገልጽ።
ኣብ 2014 ናብ ስልጣን ዝመጸ ኣሽራፍ ጋኒ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ደጊሙ ተመሪጹ እዩ።
ንሱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ክቆጻጸር ይኽእል እዩ ንዝብል ስግኣት ነጺግዎ ነይሩ። "እዚ ቬትናም ኣይኮነን። መንግስቲ ይፈርስ የሎን" ኢሉ።