ኡጋንዳ 2 ሽሕ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ክትቅበል እያ

ኡጋንዳ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ቅልውላው ካብ ኣፍጋኒስታን ይሃድሙ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ 2 ሽሕ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ፡፡

ሚኒስተር ስደተኛታት ኡጋንዳ ኢስተር ኣንያኩን ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣመሪካ ብዘቕረበቶ ሕቶ መሰረት ነቶም ስደተኛታ ክቕበል ተሰማሚዑ ኣሎ፡፡

ዕጡቓት ጣሊባን ኣብ ሓጺር እዋን ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካቡል ሓዊሱ ንብዙሕ ከባቢታት ምቁጽጻሮምን መንግስቲ እታ ሃገር ምውዳቑን ስዒቡ ፡ መዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ንድሕነቶም ብምስጋእ ክወጹ ብዝደልዩ ዜጋታት ተጨናኒቑ እዩ፡፡

ኣስታት 500 ስደተኛታት ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር፡፡

እቶም ስደተኛታት ምርመራ ኮቪድ-19 ከምዝግበረሎምን ናብ መፍለዪ ከምዝኣትዉን እውን እታ ሚኒስተር ኣፍሊጣ፡፡

ኩሎም ወጻኢታት እቶም ስደተኛታት ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝሽፈኑ እዮም፡፡

እቶም ስደተኛታት ምስ በጽሑ፡ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታን ዝተቐበለት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ፡፡

ስደተኛታት ብምዕቋብ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ዩጋንዳ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሰንኪ ጎንጽን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ዝተፈናቐሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቊባ ትርከብ፡፡

ኣብ ዩጋንዳ ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ወይ ኣብ ገጠራት ምስቲ ህዝቢ እዮም ዝነብሩ፡፡ ገሊኦም ከኣ መሬት ይረኽቡን ክሰርሑ ይፍቀደሎምን፡፡