እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓቢረን ከይመሃራ ኣጊዱ
ተምሃሮ ዩኒቨርሲታት ኣፍጋኒስታን ብጾታ ክፈላለዩን ሓድሽ ስርዓት ኣከዳድና ክኽተሉ ምዃኖምን ጣሊባን ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ላዕለዎት ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዓብዱል ባቂ ሓቂኒ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ክፍቀድ ምዃኑ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ክብላ ከምዘይክእላ ተዛሪቡ።
ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ዝወሃቡ ዓይታት ትምህርቲ'ውን ምምሕያሽ ከምዝተገብረ ሓቢሩ።
ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝመርሕሉ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣብያተ ተምህርቲ ኮነ ዪኒቨርሲታት ከይኸዳ ከልኪሉ ነይሩ።
ጣሊባን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኮነ ተቖጺርን ክሰርሓ ኣይተኸልከላን ኢሉ።
ኣብ 15 ንሓሰ 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንደሓር ግና፡ ካብተን ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሐ ወጻኢ፡ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክሳብ እቲ ኩነታት ጸጥታ ዝመሓየሽ ኣብ ስራሕ ቦታ ከይርከባ ኣዚዙ።
እቲ ትማሊ ሰንበት ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ፡ ጣሊባን ባንዴረኦም ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ ሰቐሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዝመጽአ ኾይኑ፡ መንግስታዊ ምሕደራ ብዕሊ ምጅማሮም ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።
ካብቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ብሓይሊ ካብ ዝምንጥሉ እነሆ ሓደ ወርሒ ኣቁጺሩ።
እቲ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ካብቲ ብቕድሚኡ ምሕደራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ስርዓተ ትምህርቲ ኣዝዩ ዝፍለ እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ እንክኸዳ ዝተፈለየ ኣከዳድና ኣይሕተታን ነይረን፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሓቢረን ጎና ጎኒ ተቐሚጠን ይመሃራ ነይረን።
እንተኾነ፡ ሚኒስተር ሃቃኒ ነዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እንትገብር ሰጋእ ኣይበለን።
"እቲ ሓቢርካ ምምሃር ክቋረጽ ምግባር ጸገም የብሉን። ህዝብና፡ ህዝበ ሙስሊም ክሳዕ ዝኾነ ነቲ ለውጢ ክቕበል ኣለዎ" ኢሉ።
ደቂ ኣንስትዮ ንበይነን ተፈልየን ክመሃራ ዘኽእል እኹል ቀረብ የለን'ሞ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ንክቦኽራ ከይገብር ዝብል፡ ስግኣታት ይለዓሉ ኣለዉ።
እንተኾነ፡ እቲ ሚኒስተር ትመህርቲ፡ እኹላት መምህራን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋና፡ እኹል ቦታ ድማ ኣለና ክብል ተዛሪቡ።
እንተዘይኮይኑ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ድሕሪት መጋረጃ ኾይኖም ከምህሩ ወይ ድማ ዝኾነ ካልእ ቴክኖሎጂ ክንጥቀም ኢና ኢሉ።
እቲ ብጾታ ምፍልላይ ኣብ መባእታን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ክትግበር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ደቂ ኣንስትዮ ሒጃብ ክኽደና ምዃነን፤ እንተኾነ፡ ገጸን ኽሽፈና ክግደዳ ከምዘለዎን ኣየብረሀን።
ብዛዕባ እቶም ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ግምገማ ከምዝተገብረን፡ ምስ እስላማዊ ሕግጋት ዝሳነዩን ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ንምውድዳር ዘኽእሉ ሚዛን ዝሓለወ ስርዓተ ትምሀርቲ ክኸውን ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል፡ ንጣሊባን ድጋፍ ኣብ ሰልፊ ንዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ተነቢቡ።
ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ጣሊባን ዝንእድ ዘረባታት ከምዝተሰምዐ'ውን ተሓቢሩ።
ካልኦት ነዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወጽአ ፖሊሲ ዝቃወሙን፡ ንመሰለን ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቁ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ድማ ተሰራጥዮም ተባሂሉ። ጣሊባን ብ2001 ካብ ስልጣን ካብ ዝእለዩ ጀሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ምምሕያሻት እዩ ተኣታትዩ ጸኒሑ።
ብፍላይ ድማ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲ ኣብ ምስፍሕፋሕ ዓቢ ዝላ ከምዝነበረ ይዝረብ።
ድሕሪ ጣሊባን ዳርጋ ካብ ዜሮ ናብ 2.5 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትመህርቲ ከምዝኸዳ፡ ካብ ዩኔስኮ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ምጥፋእ መሃይምነት ድማ ብ30 ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ብዙሓት ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍጋኒስታን፡ ምምጻእ ጣሊባን ምስ ተረጋገጸ፡ ነታ ሃገር ገዲፈን ናብ ካልኦት ዓድታት ተሰዲደን ከምዘለዋ ይዝረብ።