መጥቃዕቲ 9/11፡ ብነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዓለም ዝቐየረት መዓልቲ

ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብዝተፈጥረ ክስተት ዓለም ተቐይራ።11 መስከረም 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ነይሩ።

ኣርባዕተ ዝተጨውያ ነፈርቲ ናብ ክልተ ፍሉጣት ህንጻት ኣመሪካ፣ ናብቲ ሕምብርቲ ቑጠባ፣ ፖለቲካን ወተሃደራዊ ሓይልን ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ፔንታጎን ተላቲመን።

መጥቃዕቲ 9/11 2996 ሰባት ቐቲሉ፤ እዚ ኣብ መሬት ኣመሪካ እቲ ዝዓበየን ክሳብ ሕጂ ዝኸፍአ በሰላ ዝገደፈን መጥቃዕቲ'ዩ።

ድሕሪ እዚ መጥቃዕቲ'ዩ 'ኲናት ኣብ ልዕሊ ሽበራ' ዝብል ወፍሪ ብኣመሪካ ተጀሚሩ።

በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ንኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ወሪራ።

ነፍሲ ወከፍ ወለዶ እቲ ግዜ፡ ሕድሕድ ኣብቲ ዕለት ዘጋጠመ ፍጻመ ክሳብ ሎሚ ብእርይ ቑጽር ይዝክሮ።

እዚ ኣብታ ንጉሆ ኣብ ውሽጢ 149 ደቓይቕ ዝነበረ ዕግርግርን ራዕድን በብደቒቓኡ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል ነይሩ።

ንጉሆ ሰዓት 07:59

ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 11 [ኤኤ11] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክትበርር ካብ ቦስተን ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሎጋን ተበጊሳ።

ኣብራሪ ነፋሪትን ተሓጋጋዚኡን ከምኡ'ውን ትሸዓተ ሰራሕተኛታት በረራን ተጉዓዝትን ኣብታ ነፋሪት ነይሮም።

ካብቶም 81 ተጉዓዝቲ እቶም ሓሙሽተ ብመሓመድ ኣታ [ካብ ግብጺ] ዝምርሑ ጨወይቲ ነይሮም።

ናይዚ መጥቃዕቲ መደብ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝነበረ ኣልቃዒዳ ቅድሚ 5 ዓመት ክዳሎ ዝጸንሐ'ዩ።

ፓኪስታናዊ ዕጡቕ ኻሊድ ሺክ መሓመድ ቀላሲ እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነን ነዞም ኣሸበርቲ ኣብረርቲ ገይርካ ምስልጣን ዝብል ሓሳብ ዘበገሰን ምዃኑ ይንገር።

ነዚኦም ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእሉ ኣጽዋር ገይርካ ምጥቃም ከኣ ትኹረት ገይሩ።

ስዑዳዊ ሚሊየነር ኦሳማ ቢን ላደን ከኣ ፊሽካ እዚ መደብ ዝነፍሐ መራሒ ኣልቃዒዳ'ዩ።

ንጉሆ ሰዓት 08:14

ካብ ካልእ መዓርፎ ነፈርቲ ቦስተን ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 175 [UA175] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክትበርር ተበጊሳ።

ትሸዓተ ሰራሕተኛታት በረራን 56 ተጉኣዝትን ሒዛ ነይራ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ'ዮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ዝነበሩ ጨወይቲ ናብቲ ናይ በረራ ክፍሊ ብምእታው ነታ ነፋሪት ተቖጻጺሮምዋ።

መጀመርታ ክልተ ካብቶም ተሳፈርቲ ብካራ ተወጊኦም።

እዚ በቶም ኣብ ዝኸበረ ቦታ ተጉዓዝቲ ዝነበሩ ጨወይቲ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ካብቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ እቲ እንኮ ስልጠና ምብራር ነፋሪት ዝወሰደ ኣታ ዝሽሙ፡ ብኻልእ ብጻዩ ተሰንዩ ካብቲ ማእከላይ ክፍሊ ተጉዓዝቲ ተሲኡ።

ሓምሻይ ጨዋዪ ንሓደ ተጉዓዚ ብካራ ይወግኦ።

እቲ ግዳይ ዳኒኤል ሌዊን ይብሃል። ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሰራዊት እስራኤል ዘገልገለ እዩ።

ብቐጥታ ከኣ ብድሕሪት ኣታ ከፍ ኢሉ ነይሩ። ዳኒኤል ነቲ መጭወይቲ እታ ነፋሪት ከድሕን ክብል'ዩ ተቐቲሉ ይብሃል።

ልክዕ ኣብተን ካልኦት ዝተጨወያ ነፈርቲ፡ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ተጉዓዝትን ናብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ክኸዱ'ዩ ተነጊሩዎም።

ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ሰርሳሪ ጋዝ ከም ዝተጠቐሙን ነቶም ተጉዓዝቲ ብቦንባ ከም ዘፈራርሑዎምን ይግለጽ።

ካብቶም ተሳፈርቲ ቤቲ ኦንግ ናብ ክፍሊ መገዲ ኣየር ኣመሪካ ስልኪ ብምድዋል ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ተጨውያ ክትኸውን ከም እትኽእል ሓበሬታ ሂባቶም።

ንጉሆ ሰዓት 08:20

ካብ ዋሽንግተን ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱለስ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣመሪካ ቑጽሪ በረራ 77 [ኤኤ77] ናብ ሎስ ኣንጅለስ ክተቕንዕ መደብ ነይሩዋ።

ሽዱሽተ ሰራሕተኛታትን 58 ተጉዓዝትን ኣሳፊራ ነይራ። ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ጨወይቲ'ዮም።

እዚ ኣጋጣሚ ኣይኮነን፤ እተን ዝተጨወያ ኣርባዕተ ነፈርቲ ካብ ሓደ ገምገም ናብ ካልእ ገምገም ባሕሪ ናይ ምብራር ስሩዕ መደብ ነይሩወን።

ነዚ ዝኸውን ኣስታት 43 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ነይሩወን።

ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝወደቓ ነፈርቲ ግን ካብ ሰላማዊ ኣገልግሎት ጉዕዞ ናብ በረርቲ ሚሳይል እየን ተቐይረን።

ንጉሆ ሰዓት 08:24

ኣታ፡ ምስቶም ተጉዓዝቲ ክዘራረብ ፈቲኑ፤ እንተኾነ ዝተሰሓሓተ መልጎም [button] ተጻዒኑ ብጌጋ ነቶም ኣብ ቦስተን ዘለው ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ዜና እቲ መጭወይቲ ነጊሩዎም።

ሓንቲ ጥራይ ከይኮነስ ብዙሓት ነፈርቲ ከም ዝተጨወያ ደርጒሑዎ።

እቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ግን እንታይ ይኸውን ኣሎ ዝብል ፈጺሙ ክርድኦም ኣይክኣለን።

እቲ ካልኣይ ካብ ኣታ ዝመጽአ መልእኽቲ ግን ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ከም ዝተጨወየት ኣረጋጊጹሎም።

ሽዑ፡ እቶም ጨወይቲ ነቲ እቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ፣ ፍጥነትን ብራኸን ኣብ በረራ ዘላ ነፋሪት ንምፍላጥ ዝሕግዞም ትራንስቦንደር እታ ነፋሪት ኣጥፊኦምዎ'ዮም።

እዚ ድሃይ እታ ነፋሪት ንምፋላጥ ኣጸጋሚ ኩነታት ፈጢሩ።

ኣብዚ ግዜ፡ እዚ ዜና መጭወይቲ ነፈርቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ኣመሪካ ብሰፊሑ ተወዝዐ።

ሰብ መዚ እቲ ኣቪየሽን መሓመድ ኣታ "ካልኦት ነፈርቲ'ውን ሒዝና ኣለና" ዝበሎ ንክርድኡ ልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ወሲዱሎም።

እዚ ኹሉ ኣብ ዝኾነሉ ኣብታ ሃገር ካልኦት ነፈርቲ ስሩዕ ስርሐን የሳልጣ ነይረን።

ካብዚአን እታ ሓንቲ እታ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝተጨወየት ራብዐይቲ ነፋሪት እያ።

ንጉሆ ሰዓት 08:42

ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩናይትድ ቑጽሪ በረራ 98 [UA93] ካብ ኒውጀርሲ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኒዋርክ ናብ ፍሳን ራንሲስኮ ተበጊሳ።

ሰዓት 8፡00 ናይ ንጉሆ ክትብገስ ይግብኣ ነይሩ፤ ግን ድማ ኣብቲ ንጉሆ ዝነበረ ትራፊክ ነፈርቲኦ ናይ በረራ ምዝንጋዕ ፈጢሩ ክሳብ ሽዑ ከይተበገሰት ጸኒሓ።

እዛ ነፋሪት ግን ኣብቲ ዝሓሰበቶ ክትበጽሕ ኣይክኣለትን፤ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ምዝንጋዕ ድማ ነዚ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይእመን።

ግን ድማ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎ። እታ ሸውዓተ ሰራሕተኛታት በረራን 37 ተጉዓዝትን ሒዛ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣብ ውሽጣ ኣርባዕተ ጨወይቲ ነይሮም።

እተን ካልኦት ሓሙሽተ ሓሙሽተ ጨወይቲ ሒዘን ከም ዝነበራ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

እዛ ነፋሪት'ውን ዕጭኣ ካብተን ካልኦት ሰለስተ ዝፍለ ኣይነበረን።

እታ ካልአይቲ ነፋሪት ዝኾነት ዩኤ93 ምስ ተበገሰት ነፋሪት ዩኤ175'ውን ንመሬት ገዲፋ ናብ ሰማይ ምስ ተወንጨፈት ኣብ ሞንጎ ተጨውያ።

ንጉሆ ሰዓት 08:44

ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ምስ ተጨወየት ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ናብቶም ኹልዕ ኢሎም ዝርኣዩ ዝነበሩ ሰማያት ኒውዮርክ ትሕምበብ።

እታ ነፋሪት'ውን ናበይ ትኸይድ ኣላ ብዝግባእ ትርኣይ ነይራ።

ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር እታ ነፋሪት ናብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጆን ኦፍ ኬኔዲ'ያ ትኸይድ ዘላ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮም ካልኦት ኣብቲ መስመር ዝነበራ ነፈርቲ መገዲ ክኸፍታላ ይሓቱ።

ኣብዚ ግዜ፡ ክበጽሓ ንዝኽእል ሓደጋ ከይሰግአት ተሳፋሪት ማዴሊን ስዌኒ ን15 ደቓይቕ ዝኣክል ኩሉ ምዕባለታት ንኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ኣመሪካ ሚካኤል ውድዋርድ ብቴሌፎን ትሕብሮ ነይራ።

ነፋሪት ኤኤ11 ናብ ጆንኦፍ ኬኔዲ ኣይኮነትን ትኸይድ ነይራ።

ስዌኒ'ውን "ዝኾነ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ፤ ዝኾነ መጥቃዕቲ ገጢሙና ኣሎ" ትብሎ።

ውድዋርድ፡ ኣበይ ከም ዘለው ክትፈልጥ እንተኽኢላ በቲ መስኮት ኣማዕዲዋ ክትርኢ ይሓታ።

"ትሕት ኢልና ኢና ንበርር ዘለና፤ ኣዚና ኣዚና ትሒትና ንበርር ኣለና። ፈጺምና ትሒትና ኢና ንበርር ዘለና" ትብሎ።

ድሕሪ ክልተ ካልኢታት፤ "ፈጣርየይ! ኣመና ትሒትና" ትብል።

ሽዓ ዝርርቦም ተቛሪጻ።

ንጉሆ ሰዓት 08:46

ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ኤኤ11 ሓደ ካብቶም መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ናብ ዝኾነ በዓል 100 ደርቢታት 'ወርልድ ትሬድ ሴንተር' ብሸነኽ ሰሜን ተጋጭያ።

እዚ ፍጹም ዘደናግር ጉዳይ'ዩ።

ኮንስታንስ ላቤቲ ኣብ መበል 99 ደርቢ ደቡባዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ነይራ፤ እታ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ክትመጽእ እንከላ ርእያታ'ያ።

"ኣብታ ዘለኹዋ ማይ ኮይነ ደሪቐ፤ ኣይተንቀሳቐስኩን . . . ክንቀሳቐስ ኣይክኣልኩን" ትብል።

ንሳ ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ንመጥቃዐዕቲ 9/11 ከም ሎሚ ዝዝከሩ ግዳያት እያ።

"እናቐረበት ክትመጽእ ይርእያ፤ መሳኹቲ ጋቢናን ጭራን እታ ነፋሪት ብደንቢ ይርኣዩኒ ነይሮም። ክሳብ ክንድዚ ቐረባ ኮይና እየ ዝርእያ ነይረ" ኢላ።

እታ ነፋሪት ኣብ ሞንጎ መበል 93ን 99 ደርቢ እቲ ህንጻ ተቐርቒራ ሽዑ ንሽዑ ኣማኢት ሰባት ትቐትል።

ካብ መበል 92 ደርቢ ጀሚሩ ዝነበረ ክፋል እቲ ህንጻ መእተውን መውጽእን ከም ዘይነበሮ ይዝረብ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ተቐርቂሮም።

ኣብዚ ግዜ ካብታ ነፋሪት ዝፈሰሰ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ስለ ዘልዓለ ሓደ ሊፍት ሙሉእን ካልኦት ክፍልታትን ኣዕኒዩ።

ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ህንጻ ዋዒ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዲግሪ ሴልሽየስ ኮይኑ፤ ሰሜናውን ደቡባውን ሸነኽ እቲ ህንጻ ብሓያል ትኪ ክዕብለኽ ጀሚሩ።

ስርዓት ሓበሬታ እቲ ህንጻ ሰባት አኣብ ዘለውዎ ክጸንሑ ኣዚዙ፤ ሓለቓ ላቤቲ ሮን ፋዚዮ ግን ኩሎም ደረጃታት እቲ ህንጻ ተጠቒሞም ክወጽኡ ኣዚዙ።

እዚ ህይወት ብዙሓት ከድሕን እዩ።

ንጉሆ ሰዓት 08:47

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆርጅ ደብሊው ቡሽ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኤማ ኢ. ቡከር ምብጻሕ ክገብር ከይዱ።

ምስቶም ህጻናት ጽቡቕ ግዜ ከሕልፍ'ውን መደብ ነይሩዎ።

እንተኾነ፡ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሐ "ሓንቲ ነፋሪት" ካብተን መናቱ ህንጻታት ነታ ሓንቲ ሃሪማታ ዝብል ሓበሬታ ተነጊሩዎ።

ካብዚ ወጻእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተነግሮን፤ ስለ ዝኾነ ድማ ምስቶም ህጻናት ናብ ዝሓዞ መደብ ቐጺሉ።

ኤጀንሲ ኣቪየሽን ፌደራል ኣመሪካ ብዛዕባ መጭወይቲ እታ ቐዳመይቲ ነፋሪት ካብ ዝፈልጥ ልዕሊ 20 ደቓይቕ ገይሩ ነይሩ።

እንተኾነ ካልእ ኤጀንሲ ኣመሪካ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ ኣይበጽሖን። ዋላ'ውን ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ዋይት ሃውስ ኣይፈልጥን።

ምኽትል ፕሬዝደንት ዲክ ቼኒ ንርእሱ ልክዕ ከምቲ ካልእ ተራ ህዝቢ ዓለም እቲ ዜና ብቴሌቪዥን'ዩ ሰሚዑዎ።

ተገሪሙ "ከመይ ኢላ ነፋሪት ንህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ትሃርሞ" ኢሉ።

ኣብዚ ሰዓት እቶም ጨወይቲ ነታ ሳልሰይቲ ነፋሪት [ኤኤ77] ሙሉእ ንሙሉእ ተቖጻጺሮምዋ ኣለው።

ንጉሆ ሰዓት 08:56

እታ ቐዳመይቲ ነፋሪት ምስ ተሓምሸሸት ድሕሪ 10 ደቒቕ ኣንቲ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ህንጻ ኣብ ላዕሊ ዝነበራ ዓሰርተ ደርቢታት ሓዊን ትክን ዘይተንከፈን ሒደት ክፍሊታት ተሪፈን ነይረን።

ኣብዚ ሰዓት ሰባት ካብ መሬት 300 ሜትሮ ንላዕሊ ካብ ዝርከብ ህንጻ እናዘለሉ ናብ መሬት ክወድቁ ዘርእዩ ምስልታት ይወጽኡ ነይሮም።

እዚ ሓደጋ ካልእ ሓድሽ ዘስካሕክሕ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ።

ንጉሆ ሰዓት 09:01

ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ማእከል ምቁጽጻር ትራፊክ ነፈርቲ ሕምስምስ ኮነ።

ካልአይቲ ነፋሪት ዩኤ175 ካብ መስመር ወጻኢ ከይኮነት፣ ኣንፈት እታ ነፋሪት ዝሕብር ትራንስፖንደር ከየጥፍአት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብቲ ሰማያት ትሕምበብ ነበረት።

ኣብዚ ግዜ'ዩ እቲ ኣቭየሽን ጭውያ ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ዝበጽሖ።

ግንከ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣዝዩ ዝዘንግዐ ነበረ።

ንጉሆ ሰዓት 09:03

ነፋሪት ቑጽሪ በረራ 175 ናብቲ ደቡባዊ ሸነኽ ህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ተወርዊራ ኣብ መበል 77ን 85ን ደርቢታት እቲ ህንጻ ተቐርቀረት።

እዚ እታ ፈላመይቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝወደቐት ነፋሪት ድሕሪ 17 ደቒቕ እዩ ኣጋጢሙ።

ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኒውዮርክ እቲ ዝዓበየ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ክካየድ ግድን ኮነ።

ኮንስታንስ ላቤቲ እቲ ዝነበረትሉ ህንጻ [ደቡባዊ] ክህረም እንከሎ ገና ካብቲ ህንጻ ትወጽእ ነይራ።

"ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ክንሰምዕ እንከለና . . . ይመስለኒ ኣብ መበል 52፣ 75 ደርቢ ነይረ። ሓደ ሰብ ነቲ ህንጻ ተቖጻጺሩ ሓፍ ከፍ ዘብሎ ዘሎ ይመስል። ድሓር ነቲ መደፈጊ ኣስካላ ኣስጢመ ብምሓዝ ይድገፎ፤ ኣይወደቕኹን ብዙሕ ሰብ ግን ካብቶም ደረጃታት ይወድቕ ነይሩ" ክትብል ኣብቲ ኣብ ቤተ መዘክር መጥቃዕቲ 9/11 ኣብ ዘስፈረቶ ምስክርነት ገሊጻ።

ንሳ ብኸምዚ ክትወጽእ ኣብ እትጽዕረሉ ኣጋጣሚ፡ ሰበር ዜና እዚ ክስተት ንዘቕርባ ዘለዋ መደብራት ቴሌቪዥን ዝከታተሉ ዝነበሩ ሚሊዮናት ድሮ እታ ኻልአይቲ ነፋሪት ነቲ ኮንስታንስ ዘላትሉ ህንጻ ከም ዝሃረመት ፈሊጦም።

መጀመርታ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሚቱ።

ካብታ ፈላመይቲ ነፋሪት ብዝተፈለየ፡ ነፋሪት ዩኤ175 ቅድሚ ምውዳቓ ናብ ታሕቲ ዘምበል ኢላ ነይራ።

ብውሑድ ካብ ደረጃታት መበል 91 ደርቢ ውሑስ ነይሩ፤ ግን ድማ ቀሊል ኣይኮነን።

ብሓዊውን ትክን ተዓብሊኹ ክጽልምት እንከሎ ጨና ናይቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ ተደሚሩ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ገይሩዎ።

ተወሳኺ ካልእ ጸገም'ውን ኣሎ፤ ናይ ሓደጋ እዋን መስመር ስልኪ 911።

እዚ መስመር ስልኪ ብደወል ተጨናኒቑ ስለ ዝነበረ ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት ክሳብ ዝበጽሑ አኣብ ዘለኹሞ ጽንሑ ዝብል መልእኽቲ ይህቡ ነይሮም።

እቲ ቑጽሪ ክፈላለየ ይኽአል'ዩ፤ ግን ድማ ካብቲ ብሸነኽ ደቡብ ዝነበረ ህንጻ ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ሰባት ወጺኦም።

ንጉሆ ሰዓት 09:05

ቡሽ ሕጂ'ውን ኣብ ፊት እቶም ቖልዑ ሸውዓተ ዓመት ተመሃሮ'ዩ ዘሎ።

ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ኣንድሪው ካርድ ግን ዳግም ብዛዕባ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ 'ትዊን ታወርስ' ኣብ እዝኑ ተጸጊዑ የሕሾኽሹኾሉ።

እቲ ፕሬዝደንት ከፍ ኢሉ ጥራይ ርእሱ ብምንቕናቕ ከንፈሩ ይሓይኽ።

"ኣብ ግዜ ቅልውላው ክትሰናበድ የብልካን፤ ስለዚ ካብቲ መምሃሪ ክፍሊ ዝወጽኣሉ ትኽክለኛ ሰዓት ይጽበ ነይረ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ገለ ዝተፈለየ ነገር ከርኢ ኣይደለኹን፤ ሃንደበት ካብቲ ከፍ ዝበልኹሉ ወንበር ተሲአ ነቶም ህጻናት ከፍርሖም ኣይደለኹን። ስለዚ ተጸብየ"።

ንጉሆ ሰዓት 09:24

እታ ካልኣይቲ ነፋሪት ነተን መንታ ህንጻታት ምስ ሃረመት፡ መገዲ ኣየር ኣመሪካን መገዲ ኣየር ዩናይትድን ኣብ መላእ እታ ሃገር ካልኦት በረራታት ከይካየዱ ንምእጋድ ወሲኖም።

ልዕሊ 40 ዓመታት ተሞኩሮ ዘለዎ ተቖጻጻሪ ትራፊክ ኣየር መገዲ ኣየር ዩናይትድ ኤድ ባሊንገር፡ ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበራ ኩለን በረራታት መጠንቀቕታ ሂቡ።

ነፋሪት ዩኤ93 ሓንቲ ካብኣተን ኮይና ራብዐይቲ ካብተን ዝተጨወያ ነፈርቲ ንምዃን ሒደት ደቓይቕ እየን ተሪፈንኣ።

ባሊንገር፡ "ካብ ዝኾነ ጣልቃ ዝኣቱ በረራ ተጠንቀቑ - ክልተ ነፈርቲ ንህንጻ ወርልድ ትሬድ ሰንተር ሃሪመን'የን" ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ኣሕሊፉ።

በዚ ዝተደናገረ ኣብራሪ ጄሶን ዳህል "በጃኻ እቲ ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ኣረጋግጸለ -- ጄሶን" ምስ በለ ኣብ ሰዓቱ መልሲ ኣይረኸበን።

ድሕሪ ዓመታት፡ ባሊንገር እቲ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ግልጺ ብዘይምዃኑ ክጥዓስ ይኸውን።

ንጉሆ ሰዓት 09:28

ኣብ ነፋሪት ዩኤስ93 ብጭንቀት ዝተውሓጠ ኣብራሪ ወይ ተሓጋጋዚ ኣብራሪ እታ ነፋሪት ብዙሕ ዘይስማዕ ስልኪ ይድውሉ።

እቲ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ዝግበር ጻውዒት ስልኪ ኣብ ኦሃዮ ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ተቐቢሎምዎ።

ግን ድማ ዋላ ሓደ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን። ድሮ እቶም ጨወይቲ ነታ ነፋሪት ተቖጻጺሮምዋ።

እዛ ነፋሪት ካብ መሬት ካብ እትልዓል ድሕሪ 46 ደቒቕ ክትጭወ እንከላ፡ እተን ካልኦት ሰለስተ ኣብ ውሽጢ 30 ደቒቕ ተጨውየን።

እቲ ትርፊ ሰዓትን ቅድሚ ምብጋሳ ዘጋጠመ ምዝንጋዕ 42 ደቓይቕን ዕጫ እታ ነፋሪት ዝወሰኑ ኮኑ።

እቲ ብሊባኖሳዊ ዛይድ ጃራህ ዝተመርሐ ጭውያ ኣብ ልዕሊ ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ብቦንባ ተደጋጋሚ ምፍርራሕ የብጽሕ ነይሩ።

እታ ነፋሪት ድማ ናብቲ ዝተበገሰትሉ ቦታ ይመልሱዋ ከም ዘለው ይነግሩዎም ነይሮም።

እቶም ናብ ድሕሪት እታ ነፋሪት ክኸዱ ዝተገደዱ ተጉዓዝቲ ናብ መቕርባቶምን ፈተውቶምን ስልኪ ይድውሉ።

መብዛሕትኦም፡ እቶም ጨወይቲ እታ ነፋሪት ስልኪ ክድውሉ እናርኣዩዎም'ውን ብዙሕ ከም ዘይተገደሱሎም ይዛረቡ።

ካብዛ ነፋሪት ኣስታት 37 ጻውዒት ስልኪ ተኻይዱ'ዩ።

በዚ መገዲ ኣብ ልዕሊ እተን መናቱ ህንጻታት ኒውዮርክ ዝበጽሐ ሓደጋ ክሰምዑ እንከለው፡ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ ዕጭኦም ተመሳሳሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈሊጦም።

ንጉሆ ሰዓት 09:34

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ዝነበሩ ሰብ መዚ ሳልሰይቲ ነፋሪት ከም ዝተጨወየት ፈሊጦም።

ጠበቓ ቴዶር ኦልሶን ኣብ በረራ ኤኤ77 ካብ ዝነበርተ በዓልቲ ቤቱ ባርባራ ሰሚዑ።

"ነቲ ኣብራሪ እንታይ ክብሎ? እንታይ ግበር ክብሎ?" ከም ዝበለቶ ይዝክር።

ኣቪየሽን ፌደራል ኣሰር እታ ነፋሪት ንክረክብ 30 ደቒቕ ላሕ ኢሉ፤ ግን ድማ ትራንስፖንደር እታ ነፋሪት ጠፊኡ ስለ ዝነበረ ዋላ ሓደ ነገር ክረክብ ኣይክኣለን።

ስለ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክፈልጥ ተወሲኑ።

በዚ መሰረት "ነፋሪት 77'ውን ስኢንናያ" ክብል ንኮማንድ ምክልኻል ቀጠና ኣየር ሰሜን ኣመሪካ ሪፖርት ይገብር።

እዚ ቐጠና ኣየር ኣመሪካ ካብ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዝተዋህቦ መሓውር'ዩ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሮናልድ ሬጌን ዘለው ሰብ መዚ'ውን ዘይተፈልጠ ነፋሪት ናብ ሸነኽ ዋይት ሃውስ ይጉዓዝ ከም ዘሎ ተነጊሩዎም።

እቲ ምኽትል ፕሬዝደንት ድማ ንመከላኸሊ ሓደጋ እዋን ናብ ዝተሰርሐ ዕርዲ ትሕቲ መሬት ተወሲዱ።

ሽዑ እታ ነፋሪት 330 ዲግሪ ተጠውያ።

ሕጂ ናብ ዋይት ሃውስ ኣይኮነትን ተምርሕ፤ እኳ ድኣ ናብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ -ፔንታጎን።

እዚ ሸሞንተ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሰዓት 1900 ኪሎ ሜትሮ ትሕምበብ ጀመረት።

ንጉሆ ሰዓት 09:37

ነፋሪት ኤኤ77 ንፍርቂ ክፋል ህንጻ ፔንታጎን ትሃርሞ። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 64 ሰባት ኩሎም ሞይቶም።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዝነበሩ 125 ሰባት'ውን ኪሎም ሞይቶም። ብዙሓት ዓሰርታት ከኣ ቖሲሎም።

ሚዲያታት ዓለም ትኹረተን ኣብተን ትዊን ታወርስ ስለ ዝገበራ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ፔንታጎን ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበራሉን።

ፕሬዝደንት ቡሽ ግን ብቐሊሉ ዝርኣዮ ኣይነበረን።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፔንታጎን ክህረም እንከሎ'የ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ከም ዘላ ዝፈለጥኩ ኢሉ።

"እቲ ናይ መጀመርታ ነፋሪት ሓደጋ'ዩ ምተባህለ። እቲ ኻልኣይ ግን ብርግጸኝነት መጥቃዕቲ'ዩ። እቲ ሳልሳይ ክኣ ኣዋጅ ኲናት" ኢሉ።

ንጉሆ ሰዓት 09:42

ድሕሪ መጥቃዕቲ ፔንታጎን ኣቪየሽን ነፈርቲ ፌደራል ኩለን ኣብ በረራ ዝነበራ ነፈርቲ ንግዲ ኣብ ቀረብአን ኣብ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፋ ቀጢን መምርሒ ሂቡ።

በዚ መሰረት ኣስታት 4500 ሰባት ኣብ ኣመሪካ ዓሪፎም።

ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ትህሉ'ያ ዝብል ስግኣት ግን ነይሩ፤ ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ተጨውያ'ያ።

ትራንስፖንደራ'ውን ጠፊኡ።

ንጉሆ ሰዓት 09:57

ኣብዚ ሰዓት ሰራሕተኛታትን ተጉዓዝትን እዛ ነፋሪት ነዞም ጨወይቲ ጠጠው ከብሉዎም እንተዘይክኢሎም ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ ይግንዘቡ።

ኣተኣናጋዲት በረራ ዝነበረት ኣሊስ ሆግላንድ ኣብ በረራ ንዝነበረ ወዳ ማርክ ቢንግሃም ክልተ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ትገድፈሉ።

እቲ ሓደ "ማርክ፡ ኣዴኻ'የ። ነፋሪት ብግብረ ራዕዳውያን ከም ዝተጨውየት'ዩ ዘሎ እቲ ዜና። እዛ ነፋሪት ንዝኾነ መጥቃዕቲ ክጥቀሙላ መደብ ዘለዎም ይመስሉ። ዝክኣለኻ ገይርካ ጠጠው ኣብሎም" ይብል።

ኣብቲ ካልኣይ ኣዝዩ ስርቕርቕ ብዝበል ድምጺ ማዕዳ ልኢኻትሉ።

"ናብ ሳን ፍራንሲስኮ ይኸይድ ኣሎ'ዮም ዝብሉ ዘለው። እታ ንስኻ ዘለኻላ ክትኸውን ትኽእል እያ። ስለዚ እንተክኢልካ ሰባት ወዲብካ ክትቆጻጸሩዎም ገለ ነገር ግበር። መዓረይ ይፈትወካ'የ። ሰናይ ዕድል፤ ቻው" ይብል።

ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ድማ ነቶም ጨውይቲ ክቃለሱዎም ብሓደ ድምጺ ከም ዝተሰማምዑ ይግለጽ።

ንጉሆ ሰዓት 09:58

እቲ ዘስካሕክሕ መጥቃዕታት ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ደቡባዊ ሸነኽ እቶም መንታ ህንጻታት ተሮᎁቑ።

ሙሉእ ህንጻ ኣብ ውሽጢ 11 ካልኢታት እዩ ተሃᎁኹ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዝነበረ ኩሉ ሞይቱ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኸባቢ ዝነበሩ'ውን ተቐቲሎም።

ኮምስታንስ ላቤቲ ሓንቲ ካብቶም ካብዚ ህንጻ ክወጽኡ ዝኽኣሉ'ያ። እቲ ኩሎም ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ዝክኣሎም ገይሮም ክወጽኡ ዘተባብዐ "ጅግና" ሓለቕኣ ግን ኣይሰለጦን።

ንጉሆ ሰዓት 10:03

ንሽዱሽተ ደቓይቕ፡ ተጉዓዝቲ ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ነታ ነፋሪት ካብቶም ጨወይቲ ንምድሓን ፈቲኖም።

ኣብዚ ግዜ ኣብቲ በረራ ድምጺታት ዘእውዩ ሰባት፣ ወዲቖም ዝስበሩ ሽሓነታትን በራጩቕን ተቐዲሑ ተረኺቡ'ዩ።

ኣብ ገለ እዋን ዛይድ ጃራህ እታ ነፋሪት ናብ የማነ ጸጋም ከናግዓ ጀሚሩ፤ እቶም ዝተረፉ ጨወይቲ ከኣ ንማዕጾ እታ ነፋሪት ቀርቂሮም ሒዞም።

ጃራህ "ክንውድኦ'ዶ?" ይብል። ካልእ ብጻዩ "ግደፍ፤ ጽናሕ። ኩሎም ምስ መጽኡ ንክውድኦ ኢና" ኢሉ ይምልሰሉ።

ካብቲ ዒላማ ዝገበርሉ ዋሽንግተን ዲሲ 20 ደቒቕ'ዮም ርሒቖም ዘለው።

ጃራህ መሊሱ ነቲ ካልኣይ ጨዋዪ ነታ ነፋሪት ከዕንዋ'ዶ ኢሉ ይሓቶ።

ኣብዚ ግዜ "እወ" ይብሎ።

ነፋሪት ቑጽሪ በረራ ዩኤ93 ንቑልቑል ክትድፋእ እንከላ ሓደ "ኣላህ ዓብዪ'ዩ። ኣላህ ዓብዪ'ዩ" ኢሉ።

እቶም ተጉዓዝቲ እናተገታገቱ እናሃለው፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሰዓት ልዕሊ 930 ኪሎ ሜትሮ ትበርር ስለ ዝነበረት ኣብ ፔንሲልቫኒያ ከተማ ሻንክስቪሌ ወዲቓ።

ዋላ ሓደ ብህይወት ኣይተረፈን።

ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ እታ ነፋሪት ተሃሪማ ድያ ወዲቓ ዋላስ ካልእ ዝብል ንምፍላጥ ግዜ ወሲዱሉ።

ሰራዊት እታ ሃገር እታ ነፋሪት ኣብቲ ዝሓሰበቶ ከይትበጽሕ ተኸላኺሉ'ዩ፤ ንዋይት ሃውስ ወይ'ውን ባይቶ ኣመሪካ ዒላማ ገይራ ከም ዝነበረት ይግመት።

ንጉሆ ሰዓት 10:28

ነፋሪት ኤኤ11 ንሰሜናዊ ሸነኽ ህንጻ ወርልድ ትሬድ ታወርስ ካብ እትሃርም ልዕሊ 100 ደቓይቕ ተቖጺሮም።

ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ደቓይቕ ናብ መሬት ወዲቓ።

ሰራሕተኛ ምጥፋእ ሓዊ ኒውዮርክ ቢል ስፓድ ካብቲ ህንጻ ቑሩብ ሜትራት ርሕቕ ኢሉ'ዩ ነይሩ፥

ኣብቲ ህንጻ ዘጋጠመ ነትጒ ግን ኣስታት 12 ሜትሮ ኣርሒቑ ናብቲ ፍርስራሳት ደርቢዩዎ። ንርእሱ ደልዩ ንምርካብ ሓደ ሰዓት ወሲዱዎ።

ድሓር ግን ካብ 12 ኣባላት ጉጅልኡ ብህይወት ዝተረፈ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ፈሊጡ።

ኣብ ነፋሪት ዩኤ93 ዝነበረ ኣኩኡ ሞይቱ።

ኣብ መጥቃዕቲ 9/11 ነቶም 19 ጨወይትን ልኡኽ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝተቐበሉን ሰባት ወጻእ 2977 ሰባት እዩ ቀቲሉ።

እዚ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ'ዩ። ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝለዓለ ቑጽሪ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ዝስኣነትሉ'ውን እዩ።

ኣብ ኒውዮርክ ጥራይ እቶም 343 ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ'ዮም ነይሮም።

ብተወሳኺ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ብምምራዝ፣ ብኣካላዊን ስነ ልቦናውን መጉዳእቲ ንከበድቲ ሕማማት ዝተቓልዑን ኣብ እዋን ምጽራይን ዳግመ ህንጸትን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ መጉዳእቲ ዝበጽሖምን'ዮም።

ሳዕቤን መጥቃዕቲ 9/11 ክሳብ ሕጂ ትኩስ'ዩ።

ኣመሪካ ንቀላሲ እቲ መጥቃዕትን መስራቲ ኣልቃዒዳን ዝኾነ ኦሳማ ቢን ላደን ንምሓዝ ብ2001 ንኣፍጋኒስታን ወሪራ።

ፕሬዝደንት ቡሽ ነዚ ወፍሪ "ኲናት ኣብ ልዕሊ ራዕዲ" ኢሉ ዝጽውዖ ኮይኑ ኣብ 2003 ንዒራቕ ወሪሩ'ዩ።

እዚ መጥቃዕቲ 20 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣመሪካ ድማ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸንሐ ሰራዊታ ኣውጺኣ።

ጣሊባን ድማ መሊሶም ስልጣን ተቖጻጺሮም ኣለው።

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበራ ወተሃደራዊ ልኡኽ እንተኣብቅዐ'ውን ገና ዝኸፍኡ ምዕራፋት ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።