እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥቃዕትታት መስከረም 11፡ ሽዑ መዓልትን ብድሕሪኡን እንታይ ተኸሲቱ
ሰሉስ 11 መስከረም 2001 ናይ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተልእኾ ዘለዎም ሰባት ንናይ ገያሾ ነፈርቲ ኣመሪካ ብምጭዋይ ምስ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ኣመሪካ ከም ዝጋጨዋ ብምግባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ንኣመሪካውያን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም፡ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ተሞክሮታት እታ ሃገር ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ዕላማታት እንታይ እዩ ነይሩ?
ኣብ ክሊ ኣየር ምብራቕ ኣመሪካ ዝበራ ዝነበራ ኣርባዕተ ነፈርቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ውሑዳት ጉጅለታት ጨወይቲ ኣትየን።
ከም ዓቢይ፡ ተመራሒ ሚሳይል ብምጥቃም ድማ ኣብ ዋሽንግተንን ኒውዮርክን ዝርከቡ ፍሉጣት ህንጻታት ንምሕምሻሽ ኣብ ጥቕሚ ውዒለን።
እተን ክልተ ነፈርቲ ምስቶም ብ'ትዊን ታወርስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ኒው ዮርክ ተሓምሺሸን።
እታ ቀዳመይቲ፡ ን'ኖርዝ ታወር' ሰዓት 8፡46 ቅድሚ ቀትሪ ክትሃርም እንከላ፤ እታ ካልኣይቲ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ሰዓት 09፡03 ን'ሳውዝ ታወር' ሃሪማ።
ኣብቲ ህንጻታት ሓዊ ቃል ቃል ብምባሉ፡ ኣብ ላዕለዎት ደርብታት ሰባት መውጽኢ ስኣኑን እታ ከተማ ብትኪ ተዓብሊዃን። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ፡ ክልቲኡ 110 ደርብታት ዝነበሮ ህንጻ ረመቝ ኢሉ ብምውዳቑ ከቢድ ዶሮና ተላዕለ።
ሰዓት 09፡37 ሳልሰይቲ ነፋሪት ንምዕራባዊ ገጽ ፔንታጎን ኣዕነወት። ፔንታጎን ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሰራዊት ኣመሪካ ኮይኑ ካብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ካብ ዋሽንግተን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝተደኮነ እዩ።
እታ ራብዓይቲ ነፋሪት ገያሾ ኣንጻር እቶም ጨወይቲ ብምቅላሶም ሰዓት 10፡03 ኣብ ፔንሲልቫንያ ኣብ ጎልጎል ወደቐት። እቶም ጨወይቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከብ ቤትጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ ዕላማ ጌሮም ምንባሮም ይጥርጠር።
ክንደይ ሰባት ሞይቶም?
ብሓፈሻ 2,977 ሰባት (ነቶም 19 ጨወይቲ ከይወስኽካ) ህይወቶም ስኢኖም፤ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ኒውዮርክ።
- ብምልኦም 246 ገያሾን ሰራሕተኛታት እተን ኣርባዕተ ነፈርቲ ተቐቲሎም
- ኣብ 'ትዊን ታወርስ' 2,606 ሰባት ሞይቶም - ገሊኦም ብኡንብኡ ገለ ድማ ብዝወረዶም መቑሰልቲ
- ኣብ ፔንታጎን 125 ሰባት ተቐቲሎም
እታ ዝነኣሰት ግዳይ ክርስቲን ሊ ሃንሰን ዝተባሃለት ጓል ክልተ ዓመት ህጻን ኮይና፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ነፈርቲ ምስ ወለዳ ፒተርን ሱን ዝሞተት እያ።
እቲ ዝዓበየ ከኣ ወዲ 82 ዓመት ሮበርት ኖርተን ኮይኑ ኣብ ካልእ ነፋሪት ምስ በዓልቲ ቤቱ ጃኩሊን ናብ ሓደ መርዓ ዝኸይድ ዝነበረ እዩ።
እታ ቀዳመይቲ ነፋሪት ኣብ ዝተሓምሸሸትሉ ህሞት ኣስታት 17,400 ሰባት ኣብቶም ህንጻታት ነይሮም። ኣብ 'ኖርዝ ታወር' ካብቲ እታ ነፋሪት ነቲ ህንጻ ዝሃረመትሉ ደርቢ ንላዕሊ ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝደሓነ ሰብ የሎን። ኣብ 'ሳውዝ ታወር' ግና 18 ሰባት ካብ ልዕሊ እቲ ዝተወቕዐ ደርቢ ከምልጡ ክኢሎም እዮም።
ግዳያታ ዜጋታት 77 ዝተፈላለያ ሃገራት እዮም ነይሮም። ኣብ መስርሕ ህይወት ኣድሕን፡ ከተማ ኒውዮርክ 441 ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ስኢና።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቆሲሎም ወይ'ውን ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ድሒሮም ዝተፈላለየ ጸገማት ጥዕና ኣማዕቢሎም። ካብ መንጎኦም ብሰንኪ እቲ ሓደገኛ ዶሮና ዝሓመሙ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ይርከቡ።
እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ እንታዎት እዮም?
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ ነቲ መጥቃዕቲ ዝሃንደሶ ኣል-ቃዒዳ ዝተባሃለ መርበብ እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ እዩ።
ብኦሳማ ቢን ላደን ዝምራሕ ኣል-ቃዒዳ፡ ነቲ ኣብ ናይ እስላማዊ ዓለም ንዝፍጠር ጎንጽታት ተሓታታቲት ኣመሪካን መሻርኽታን ምዃነን ይኸስስ።
ኣብ ሰለስተ ነናይ ሓሙሽተ ሰባት፡ ሓደ ድማ ኣርባዕተ ሰባት ዘለዎ (እዚ ኣብ ፔንሲልቫንያ ዝወደቐት ነፋሪት ዝነበረ እዩ) ጉጅለታት ብምዃን 19 ሰባት ነቲ ጭውያ ፈጺሞምዎ።
ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ሓደ ናይ በረራ ስልጠና ዝወሰደ ሰብ ነይሩዎ። ነቲ ስልጠና ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝወስዱ እዩ ተገይሩ።
ካብቶም ጨወይቲ እቶም 15 ንቢንላደን ደቂ ዓዱ ስዑዳውያን እዮም ነይሮም፤ ክልተ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሓደ ካብ ግብጺ ሓደ ከኣ ካብ ሊባኖስ ነይሩ።
ግብረ መልሲ ኣመሪካ እንታይ ነበረ?
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ንኣልቃዒዳ ንምጥፋእን ንቢንላደን ንምህዳንን ብኣህጉራዊ ኪዳን ዝተደገፈ ወራር ኣብ ኣፍጋኒስታን ፈጺሙ።
እንተኾነ፡ ክሳዕ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ 2011 ኣብ ፓኪስታን ንቢንላደን ዝረኽብዎ፡ ሓለዋቱ ይፍለጥ ኣይነበረን።
እቲ ሓንጻጺ ናይቲ ውጥን ምዃኑ ዝግለጽ ኻልድ ሸኽ መሓመድ ኣብ 2003 ኣብ ፓኪስታን ተታሒዙ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ኣብ ጓንታናሞ በይ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ኮይኑ ናብ ፍርዲ ገና ኣይቀረበን።
ኣል-ቃዒዳ ሕጂ'ውን ይንቀሳቐስ እዩ። ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ቀንዲ መዋፈሪኡ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣፍጋኒስታን'ውን ኣባላት ኣለዎ።
ሰራዊት ኣመሪካ ንከባቢ 20 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዓመት ካብ ኣፍጋኒስታን ስሒቡ ኣሎ። እዚ ግና እቲ እስላማዊ መርበብ ናብታ ሃገር ክምለስ ዘኽእል ከይከውን ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ።
ሓድጊ 9/11
ኣብቲ ን9/11 ዝሰዓበ ዓመታት ድሕነት በረራታት ኣብ መላእ ዓለም ጸኒዑ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕነት መዓርፎ ነፈርትታትን ነፈርትን ንምሕያል ምምሕዳር ድሕነት መጉዓዝያ ተፈጢሩ።
ነቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ብ'ግራውንድ ዜሮ' ዝፍለጥ ስፍራ ካብቲ ፍርስራስ ንምጽራይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ወሲዱ።
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ስፍራ ቤተመዘክር ከትከል እንከሎ ዝተፈላለየ ህንጻታት'ውን ተሃኒጹ።
'ፍሪደም ታወር' ዝብል ስም ዝተዋሃቦ ሓድሽ ህንጻ ማእከል ንግዲ ዓለም ካብቲ ናይ ቅድም ዘንበረ ብልዕሊ 400 ጫማ ዘነውሐ ኮይኑ ተሃኒጹ ኣሎ።
ዳግማይ ምህናጽ ዝተጎድአ ክፋል ህንጻ ፔንታጎን ከባቢ ሓደ ዓመት ክወስድ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ነሓሰ 2002 ናብ ስርሖም ተመሊሶም።