እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ ለይቲ እብረ ስራሕ ንጥዕናኻ ጎዳኢ ድዩ? ኣብ ልብኻ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ከምዚ ዝስዕብ እዩ
ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ እብረ (ሰዓታት ስራሕ) ትሰርሕ እንተድኣኴንካ፡ ኣብ እዋን ለይቲ ምስራሕ፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ስልችው ክትከውንን ክትፈዝዝን ከምዝገብር ኣስተውዒልካ ትኸውን ኢኻ፤ እንተኾነ ግና እዚ ንጥዕና ልብኻ ሓደገኛ ምዃኑ ትፈልጥ ዶ?
ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እዚ ስለምንታይ ከምዘጋጥም ከነጽር እንከሎ፤ ምስ ናይ ኣእምሮናን ልብናን 'ሰዓታት ኣካላትና' ዝተኣሳሰር ምዃኑ የረድእ።
እዚ ብሰንኪ ምቅይያር ናይ እብረ ክመዛበል ስለዝኽእለ ኣብ ንቡር ስራሕ ልቢ ሳዕቤናት ከኸትልን ንጥዕናኻ ናብ ሓደጋ ከውድቕን ይኽእል።
ካብ ስኒት ወጻኢ ዝኾኑ ሰዓታት ዋህዮ
እቲ ኣብ ኬምብሪጅ ዓባይ ብሪጣንያ ብኤምኣርሲ ላቦራቶሪ ኦፍ ሞለኵላር ባዮሎጂ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ናይ ልቢ፡ ንውሽጣዊ ሰዓት እዩ ፈቲሹ። እዚ ሰዓት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዚያት ናይ መዓልቲ ንኬሚካዊ ሚዛን ናይቲ ዋህዮ ዝቆጻጸርን ዝለዋውጥን እዩ።
ኣካላትካ ንቑሕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምስ ዝደሊ ህርመት ልብኻ ከምዝውስኽ ይገብር።
ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ጆን ኦ'ነይል፡ ህርመት ልቢ ብኽልተ ነገራት ከምዝድረት ይነግር፤ "ካብ ኣእምሮ ብዝመጽእ መልእኽቲን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ልቢ ዝርከብ መጠን ሶድየምን ፖታሽየምን እዮም ንልቢ ዘለዓዕልዎ።
"ኣብ'ቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት እዞም ማእለያ ዘይብሎም ናይ ዋህዮ ሰዓታት ንሓድሕዶም ዝተሳነዩ እዮም" ኢሉ።
እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ግና እብረ ክንቅይር ከሎና፡ ሓንጎል ነቲ ለውጢ ብቕልጡፍ እኳ እንተረዓሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ልቢ ዝርከቡ ሰዓታት ኣካላትና ንድሕሪት ከምዝተርፉ የረድእ።
ካብ ሓንጎል ዝመጽእ መልእኽቲ ምስቲ ልቢ ዝጽበዮ ዘይሳነ ኮይኑ ገለ መዓልታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ዶክተር ኦ'ነይል ይሕብር።
"በዚ ድማ ኢና እቶም ብእብረ ዝሰርሑ ሰባት ኣብ እዋን ምቕያር እብረ፡ ዝያዳ ተቓላዕቲ እዮም ኢልና ክንሓስብ ዝደረኸና" ኢሉ።
እዚ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ቀትርን ለይትን እብረ እንቀያይረሉ እዋናት ንዝተፈላለየ ናይ ልቢ ጸገማት ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ የዛየዶ። እንተኾነ ግና ናይ እብረ ስራሕ ሓደ ካብቶም ነቲ ኩነታት ዘቃልዑ ከም ዕድመ፡ ጾታ፡ ኣመጋግባን ታሪኽ ቤተሰብካን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ረቋሒታት ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ ጥዕና ሓደጋታት
ዶክተር ኦ'ነይል ብዙሓት ምስልቢ ዝተትሓሓዙ ኩነታታት ከም ዘለው ክገልጽ እንከሎ "እቲ ዝኸበደ፡ ልቢ ተዘባሪቕዋ ንገለ ህሞት ስርሓ ደው ክተብል እንከላ ዘጋጥም 'ሃንደበታዊ ሞት ልቢ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ" ምዃኑን ቅልጡፍ ረድኤት እንተዘይተረኺቡ ናብ ሞት ከብጽሕ ከምዝኽእልን ይገልጽ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና እዚ ሳሕቲ ዝርአ እዩ።
እንተኾነ ናይ እብረ ስራሕ፡ ምስቶም ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ጥራይ ዝሰርሑ ሰባት ብምውድዳር፡ ንሓደጋታት ናይ ልቢ ጥራይ ዘይኮነ ንተኽእሎ ጸገማት ምሕቓቕ መግቢ፡ ጸገማት ኵነተ-ኣእምሮ ክውስኽን ንተኽእሎ ናይ ካንሰር ክብ ከብልን ይኽእል እዩ።
"ናይ ስራሕ ሰዓታትካ ኣብ ቀትርን ለይትን ዝለዋወጥ እንተኾይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ባኮ ሽጋራ ምስ ምትኻኽ ክመዓራረ ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ኦ'ነይል።
እዚ ሓደጋ ብገለ መንግስታት ኣፍልጦ ክወሃቦ እንከሎ፤ ንኣብነት ኣብ ዴንማርክ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ናይ ለይቲ እብረ ዝሰርሑን ካንሰር ዘማዕበሉን ሰባት ካሕሳ ከምዝወሃቦም ተጌሩ ኣሎ።
ብቑዕን ጥዑይን ንምዃን፡ ኩሎም ናይ ኣካላትና ሰዓታት ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ዝተሳነዩ ክኾኑ ይግባእ።
ነዚ ብኣድማዕነት ንምፍጻም፡ መዓልታዊ ዝግበር ነገራት ምዝውታር ተመራጺ እዩ። ንኣብነት ኣብ እዋን ለይቲ ምድቃስ፡ ኣብ እዋን ቀትሪ ምብላዕን ምስራሕን። እንተኾነ ግና ብሚልዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ካልእ ኣማራጺ ብምስኣን እዮም ዝገብርዎ።
ሰብ ሞያ ድቃስ ግና ነቲ ብምኽንያት ኣብ ሰዓታት ለይቲ ብምስራሕ ዝመጽእ ጉድኣት ንምቕናስ ዝተፈላለየ ግብራዊ ስጉምትታት ክንወስድ ከም እንኽእል ይዛረቡ።
ምትዕርራይ
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኤዲንብራ ኣማኻሪት ድቃስን ሕክምና ምስትንፋስን ዶክተር ሬናታ ሪሃ "ከም ሰባት ንናይ ኣካላትና ሰዓታትን ነቲ ኣብ ሓንጎል ዘሎ ዋና ሰዓትን ንምድንጓይ ቀሊል እዩ" ትብል።
ከም ግቡእ፡ ሮስተር ብናይ ቀትሪ እብረ'ዩ ዝጅምር፡ ናይ ምሸት ይቕጽል ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ለይቲ ይመጽእ።
ንውሕ ንዝበለ ግዜ፡ ንኣብነት እንተወሓደ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ናይ ለይቲ እብረ ምስራሕ ተመራጺ እዩ ምኽንያቱ ኣካላትና ሰዓታቱ ከተዓራርይ ዕድል ይህብ እዩ።
እቲ ኣብ ሓንጎል ዘሎ ዋና ሰዓት ኮነ ኣብ ኩሎም ኣካላትና ዘለው ሰዓታት ምስቲ ናይ እብረ ለውጢ ንከመዓራርዩ ከባቢ ሓደ ሰሙን ከምዘድልዮም ዶክተር ሪሃ ትገልጽ።
ብዘይካዚ ኣብ ናይ ለይቲ እብረ ኣብ እትኾነሉ እዋን ንገለ ካብ 20 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ምድቃስ ሓጋዚ ምዃኑ ትነግር።
ሓደ እኹል ሰብ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ሸሞንተ ሰዓት ክድቅስ የድልዮ፤ እንተኾነ ግና ኩሉ ድቃስ ማዕረ ኣይኮነን።
ኣብ እዋን ቀትሪ ዝድቀስ ድቃስ ከምቲ ናይ ለይቲ ብሉጽ ኣይኸውንን እዚ ድማ ኣካላትካ ነቲ ዝግብኦ ዕረፍቲ ዝኸልእ እዩ።
ናይ ለይቲ ሰራሕተኛታት ናብ ገዝኦም ምስ ኣተው ብቕልጡፍ ክድቅሱ ከምዘለዎም ዶክተር ሪሃ ትዛረብ።
"ህዱእ ኣብ ዝኾነ፡ መሳጢ፡ ጸልማት ክፍሊ ደቅሱ። ነቲ ናብቲ ክፍሊ ዝኣቱ ብርሃን መኸልከሊ እንተዘይብልኩም መሸፈኒ ዓይኒ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም፤ እዝንኹም'ውን ምዕባጥ።
ክፍልኹም ሙቐት ዘለዎ እንተኾይኑ፡ ክተዝሕልዎ ፈትኑ። ዝሑል ምስ ዝኸውን ኣካላትካ ከም ናይ ድቃስ ሰዓት ጌሩ ክቖጽሮ ይኽእል እዩ" ኢላ።
ንኣካላትካ ምትላል
ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዝተመጣጠነ መግብን'ውን ክሕግዝ ዝኽእል እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ግና ግዜ እዩ።
መግቢ ኣብ ኢንሱሊን ናይ ሆርሞን ለውጢ ብምምጻእ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከኣ ሙቐት ኣካላትና ብምቕያር ኣብ መላእ ኣካላትና ንዝርከቡ ሰዓታት ዝጸልው እዮም።
ናብ ናይ ለይቲ እብረ ስራሕ ቅድሚ ምውፋርካ ንብርሃን ብምቅላዕን ድልዱል 'ቁርሲ' ብምቑራስን ኣካላትካ ነቲ ሓድሽ ሰዓት ንኽቕበሎ ምትላል ይከኣል እዩ። ብድሕሪኡ ግና ኣብቲ ሓድሽ 'ሰዓታት ለይቲ' ካብ መግብን ብርሃንን ምቑጣብ የድልይ።
"ዛጊት ነቲ ሰዓታት ንምትዕርራይ ዝሕግዝ፡ ክንወስዶ እንኽእል መድሃኒት የሎን፤ እንተኾነ ግና ካብ ናይ ቀትሪ ናብ ናይ ለይቲ እብረ ትቕይር እንተለኻ ቅድሚ ነቲ ሓድሽ እብረ ምጅማርካ ነቲ ኣብ ቀትሪ እትገብሮ ንጥፈታት ኩሉ ናብ ለይቲ ክተስግሮ ይግባእ" ይብል ዶክተር ኦ'ነይል።
እዚ ነቲ ሓድሽ ኵነት ብዝቐልጠፈ ክትላምዶን ብዙሕ ዘየድልይ ሳዕቤናት ከይመጸካ ንምክልኻል ሓጋዚ ምዃኑ'ውን የብርህ።