መጽናዕቲ፡ "ነብሶም ዘተዓባብዩ"፡ ስራሕ ዘይሰርሑ ሰባት'ዮም

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኹም ዝገጥምኹም ሰባት ከመይ ዝበሉ እዮም?

ንርእሶም ዘጉልሕ መልእኽቲ ኢንተርነት [ኢሜይል] ዝጽሕፉ'ዶ ወይስ፡ ንርእሶም ክብ ክብ ዘብል ኣነነት ዘንጸባርቑ?

ተመራመርቲ ግን፡ ኣብ ስራሕ ቦታ፡ ስራሕ ዝበዝሖምን ዕውታትን መሲሎም ዝርኣዩ ግን ድማ ዝረብሕ ነገር ከይሰርሑ ዝውዕሉ ሰባት'ዮም ዝበዝሑ ኢሎም ኣለው።

እዚ 28 ናይ ስራሕ ቦታታት ዓዲ ኢንግሊዝ ዘሳተፈ መጽናዕቲ፡ "ኣብ ስርሖም ዝያዳ ዝተጸምዱ" ዝመስሉ ሰራሕተኛታት ረኺቡ'ዩ።

ኣብ ከይዲ፡ ጉዶም እትጻረ ግን፡ "ነብሶም ዘተዓባብዩ" ኾይኖም'ዮም ተረኺቦም።

ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ኢንተርናሽናል ሃልት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ማለት'ውን ጥዕና፣ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ መጓዓዝየያን ካልኦትን ብምኻድ'ዩ ነዚ መጽናዕቲ ኣካይዱ።

ገለ ትጉሃት ሰራሕተኛታት'ኳ እንተረኸበ፡ እዚኦም ግን ብስርሖም ኣፍልጦ ዘይረኸቡ'ዮም።

እዞም ዘዕግብ ስራሕ ዝሰርሑ ዘለው መሲሎም ዝርኣዩ ሰባት፡ ኣብ ኣኼባ ዘረባ ዘብዝሑ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።

ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ኣኼባታት ወይ ድማ ናይ ሓባር ኣብ ዝኾኑ ዝርርባት ናይ ርእሶም ረብሓ ንምሕላው፡ ቦታ እንትውስዱ ይርኣዩ።

ኾይኑ ግን፡ ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ሓባር መድረኻት ወጸእ፡ ንርእሶም እንታይ ከም ዘዐወቱ ንምርኣይ ኣጸጋሚ'ዩ ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

ተመራማሪት ዶክትር ኣሚ ኣርምስትሮንግ፤ ገለ "ነብሶም ዝፈትው" ሰባት፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዝህሉ ሓበራዊ ስራሕን ውጽኢታውነትን ዘዳኽሙ'ዮም ብምባል፡ ኣብ ስራሕ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎም ኢላ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን፡ ኣብ ዝሰርሕሉ ቦታ ብዘሎ ምምሕዳር ክተባብዑ ክገጥሙኻ ይኽእሉ።

"ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ [ብልሽው] ባህሪኦም ናእዳ ይረኽቡ'ዮም" ኢላ ዶክተር ኣርምስትሮንግ።

እዞም ኣብ ቤት ዕዮኦም፡ ናይ ስራሕ ሰባት መሲሎም ዝረኣዩ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ዝሓሸ መሃያ፣ መተባብዒ ክፍሊትን፣ ዕብየትን ይረኽቡ።

እዞም ኣብ ኣኼባታት ነብሶም ኣብ ምንኣድ ግዘኦም ዘጥፍኡ ሰራሕተኛታት፡ ካብቶም ኣብ ዕዮኦም ዘድህቡ መሳርሕቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ'ዮም።

እዚ ግን ይብሉ እቶም ተመራመርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታ መንፈስ "ሓበራውነት' ዘህስስ'ዩ።