ንህይወትና፡ መንበር'ዶ ሽጋራ ይጎድኣ?

ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ መንበር ዝብሎ ብዙሕ ነገር የሎን። ኣብ ድራማዊ ጽሑፍ ሃምሌት ሼክስፒር ኾነ ግጥምታት ሆሜር'ውን ኣይንረኽቦን።

መበል 19 ክፍለ ዘመን እንትፋረቕ ግን፡ መንበር ክተኣታቶ ጀሚሩ። ንኣብነት ኣብ ስራሕቲ ቻርለስ ዲከንስ።

እዚ እንትብሃል ግን፡ ብዛዕባ ኣብ ጽሑፋት እንረኽቦም ገጸ ባህርያት ኣይኮንናን ነውግዕ ዘሎና። ኮፍ ብዛዕባ እንብለሉ፤ ድኻምና እነንፍሰሉ መንበር ድኣ'ምበር።

ሕዚ ሕዚ፡ ሰብ ኮፍ ኣብ ዝበለሉ ኾይኑ ሕማም ይዕድግ ኣሎ ክበሃል ንሰምዕ።

ዝተፈላለዩ መጽናዕታተት'ውን ኮፍ ምብዛሕ ልክዕ ከም ሽጋራ ምትካኽ ሓደገኛ'ዩ ይብሉ ኣለው። ፍልልዮም፡ እቲ ሓደ ሳንቡእ እንተጥቅዕ፡ እቲ ሓደ ድማ ነርቭ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ይገብር።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት መንበር

ሰብ ሰሪሑዎም ሰብ ዝውድኡ ሰብ ሰራሕ መሳርሕታት ቑጽሮም ውሑድ ኣይኮነን። እቲ ሓደ ኒኩሌር ኾይኑ፡ መንበር ድማ እቲ ኻልእ'ዩ።

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ፡ መንበር ብዙሕ ኣይነበረን። ሕዚ ሕዚ ግን መንበር ዘይኮነ፡ መንበር ዘይብሉ ቦታ'ዩ ዘየለ።

ቤት ብልዒ፣ መኪና፣ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ሲነማ፣ ሆስፒታል፣ ቤተ እምነት፣ ቤት ትምህርቲ፣ መአከቢ ኣዳራሽ፣ መንበሪ ገዛ.......ኣበይሞ? ሰብ ኣብ ዘለሉ ቦታ ኩሉ መንበር ኣሎ።

ሰብ ፈታዊ ስልጣን'ዩ ንምባል'ኳ "ሰብ መንበር ይፈቱ" ይበሃል።

ንምዃኑ ኣብ ዓለምና ክንደይ መንበር ኣሎ? ሓደ ሰብከ ክንደይ መንበር ይህልዎ? ኢልኩም ትፈልጡ'ዶ? ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቐሱ ኣብነታት እንተውሓደ ሓደ ሰብ 10 መንበር ኣይህልዎን?

በዝሒ ህዝቢ ዓለም 6 ቢሊዮን'ዩ እንተይልና፡ ልዕሊ 60 ቢሊዮን መናብር መሬት ኣጻቢቦም ኣለው ማለት'ዩ።

ካልእ ተሪፉ ሰባት ንዘመናት'ውን ሽም ንህብ ኢና። ከም ኣብነት 'ዘመነ ሸ'፤ እዚ ዘመን ከ እንታይ ኢልና ንጸውዓዮ? 'ዘመነ መንበር'?

መንበር ኣብ ዓለም ዝበዝሐሉ ምኽንያት ግን እንታይ'ዩ?

መንበር ኣይትፍተው!

ካብ 16 ክሳብ 18 ክፍለ ዘመን ክተኣታተው ዝጀመሩ መናብር፡ ኣጋጣሚ ኾይኑ ቁጽሮም ክዛይድ ዝጀመረ፡ ኣብ እዋን ሰውራ (ወያነ) ኢንዱስትሪ ከም ዝኾነ ይእመን።

ቅድሚኡ መንበር ኣይነበረን'ኳ እንተዘይበልና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ግን መንበር ነይሩዎ ዝብሉ ሰነዳት ኣይተረኸቡን። መንበር ንብረት ነገስታትን መኮንናትን'ዩ ነይሩ።

ኣይኮነን'ዶ እቲ ሽዑ ዘበን፡ ሕዚ'ኳ ምዕሩጋት መናብር ጣውላ መን ይውንኖም ኣሎ እንተተብሃለ.......ኽቡር ስለ ዝኮነ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘበን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ፈረንሳ ኮፍ ምባል ንተራ ዜጋታት ፍቑር ምስ ኮነ፡ መናብር ክጎልሑ ጀሚሮም።

ቅድሚኡ ግን ንዘበናት መናብር ምስ ስልጣን፣ ሃብትን ደረጃ መነባብሮን ዝተሓሓዙ ነገራት'ዮም ነይሮም።

ንጉስ ሓሻኽሩ ምስ መንበሩ'ዶ ኣይኮነን ዘንቀሳቕሱዎ ዝነበሩ? ሕዚ'ኳ ነገስታት'ዮም ካብ መንበሮም ዋላ ሓደ ሰብ ከንቀሳቕሶም ዘይደልዩ ዘለው።

መንበርን ስልጣንን

መንበር፡ "ስልጣን" ንዝብሃል ተመዓራራዪ ትርጉሙ'ዩ። ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣካያዲ ስራሕ ዝብል «ቼይር ፐርሰን» ዝተብሃለሉ በዚ ምኽንያት'ዩ።

ኣብቲ ሕሉፍ ዘበን ዓብዪን ምዕሩግን መንበር ናይ ንጉስ ነይሩ። ሕዚ ድማ ናይ ኣካያዲ ስራሕ።

መንበር ኣይነበረን ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ ኣብ ዘመን ቪክቶሪያ መብዛሕትኡ ስራሕ ናይ ፋብሪካ ስለ ዝነበረ፡ መንበር ኣይሕሰብን ነይሩ።

ድሕሪ ወያነ (ሰውራ) ፈረንሳ ግን ኩነታት ስራሕ እናተቐየረ መጺኡ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘበን፡ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ምምጻእ እንትጅምሩ፤ ስልኪ (ቴሌፎን)፣ ኤሌክትሪክ ዝኣመሰሉ እንትመጽኡ፡ ስራሕ ዝስርሐሉ ኩነታት'ውን ብኡ ልክዕ እናተለወጠ መጺኡ።

ጋዜጣ፣ ሬዲዮ፣ ቴሌቪዥን፣ መጽሓፍቲ፣ ኢንተርኔት ወዘተ ናብ ህይወትና ምጽንባር ምስ ጀመሩ ድማ፡ ብኢሱ፤ ኩሉ ነገር ተቐይሩ። ኾይኑና ምስ መንበርና ተላጊብና ምውዓል ጀሚርና!።

መንበርን ሽጋራን

ካብ መንበር ወጻኢ ኾይንኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ'ዶ? ጠለብ መንበር ግን ብዙሕ'ዩ።

ፋውንዴሽን ጥዕና ልቢ ብሪጣኒያ ዘውጽኦ መጸናዕቲ፡ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ 9.5 ሰዓት ኮፍ ንብል።

እዚ ማለት መሰለስ ዘመን ህይወትና ኣብ ስልጣን'ኳ እንተዘይኮነ ኣብ መንበር ኢና ነሕልፎ ዘለና። እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን።

ዓጽምናን ጭዋዳናን፡ ኮፍ ክንብልን ክንንቀሳቐስን ከሎና ባህሪኦም ዝተፈላለየ'ዩ። ኣብ እንንቀሳቐሰሉ እዋን ይግተሩን ጥንኩራት ይኾኑን። ኮፍ እንትንብል ድማ፡ ይሰንፉ።

ንነዊሕ ሰዓት ኣብ መንበር ተላጊብካ ምውዓል፡ ንሑቐ'ውን የድርቖ'ዩ።

ነዚ'ዩ ዝኸውን ኣብ ዓለም ንሕማም ሑቖ፡ ብበዝሒ ኮፍ ምባል ቀንዲ ምኽንያት ተገይሩ ዝጥቀስ። ኮፍ ምብዛሕ ድማ ብዙሓት ሰባት ይጎድእ'ዩ ዘሎ።

ሕማም ሽኮር፣ ልቢ፣ መንሽሮን ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ብምባል ዝመጽኡ ሕማማት'ዮም።

ኮፍ ምባል ሓደጋ ኣለዎ?

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት 8 ሽሕ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገበረ ሓደ ጽናዕቲ ተኻይዱ።

ውጽኢቱ ኣዝዩ ዝገርም ነይሩ። ንነዊሕ ሰዓት ኮፍ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ህዋሳተን ብቕልጡፍ ረጊፎም። ምልክት ምእራግ'ውን ጎሊሁ ተራእዩ።

ብዝግባእ ምስ ዘይንቀሳቐሳን ብዙሕ ኮፍ ዘይብላን ደቂ ኣንስትዮ እንትነጻጸራ፡ ብ8 ዓመት በልየን ተረኺበን።

ነዊሕ ሰዓት ኮፍ ዝብል ሰብ፡ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ማለት'ዩ ይብሉ ተመራመርቲ።

እሞኸ?

በቢ ርብዒ ሰዓት ኮፍ ካብ ዝበልኩምሉ እናተንሳእኹም ተወሳወሱ። ብእግርኹም እትጓዓዙ ተስፋ ኣለኩም። ሰብ መኪና ግን፡ ሃየ ድኣ መፍትሒ ኣናድዩ ተባሂልኩም ኣለኹም።