ኣብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ጥዕና ኣዴታት ዝውዕል ሓድሽ ፕሮግራም ሞባይል ተላልዩ

ሚንስትር ጥዕና ምስ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ብምትሕብባር፡ ንኣዴታት ዘገልግል 'ሁሉ በጤና' ዝተበሃለ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሸን (ፕሮግራም) ናብ ኣገልግሎት ኣብቂዖም።

ቅድሚ ሕዚ ንጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዝምልከቱ መረዳእታታት ብፅሑፍ ተዳልዩ ይዝርጋሕ ነይሩ።

ይኹን ደኣ'ምበር ከንብቡ ዘይክእሉን ዘይተምሃሩን ስድራ ተረባሕቲ ዘይገበር ብምንባሩ፡ እዚ ሓድሽ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ከምዝተዳለወ፡ ኣብ ሚንስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ጥዕና ኣደታትን ህፃናትን ዶክተር ኣብርሃም ታሪኩ ተዛሪቦም።

ነቲ ፕሮግራም (ኣፕሊኬሸን) ናብ ሞባይል ብምፅዓን፡ መረዳእታታት ጥዕና ቅድመ ወሊድ፣ ግዜ ወሊድን ድሕረ ወሊድን ከምኡ'ውን ክታበት ህፃናትን ካልኦት ተመሳሰልቲ መረዳእታት ብድምፂ ምርካብ ይከኣል።

ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ኣምሓርኛ ኣብ ፈተነ ይርከብ።

ዶክተር ኣብርሃም ከምዝበልዎ እንተኾይኑ፡ ኣብ ጥዕና ስድራቤት ወሰንቲ ዝበሃሉ መረዳእታታት ዝሓዘን ብቐሊሉ ምጥቃም ዝከኣልን እዩ።

50 ሚኢታዊት ስድራቤት ተጠቀምቲ ስልኪ ስለዝኾኑ ብቐሊሉ ናብ ብዙሓት ክባፃሕ ከምዝኽእል'ውን ወሲኾም ሓቢሮም።

"ኣብ ገጠር ደቀተባዕትዮ ካብ ደቀኣንስትዮ ብዝበለፀ ተጠቀምቲ ሞባይል'ኳ እንተኾኑ፡ ካብቲ ኣፕሊኬሽን ዝረኸብዎ መረዳእታ ንኣንስቶም ከምዝሕብሩለን ይግመት" ኢሎም።

ናብ ዝኾነ ዓይነት ሞባይል ክፀዓን ተገይሩ ዝተሰርሐ እዚ ኣፕሊኬሸን፡ ናብ ኩሉ ክባፃሕ ከምዝግበር ኣረዲኦም።