ብኸመይ ጥዑያት መሓዙት ተፍሪ?

ህጻናት፡ ንምሕዝነት ተፈጥሮኣዊ ድልየት ዘለዎም ይመስሉ።

ዓብዪ ኾይንካ ምሕዝነት ኣብ ምፍጣርከ? እዚ ብልክዕ "መሓዛ ክትኸውን ትደሊ'ዶ?" ኢልካ ከም ምሕታት ቀሊል ኣይኮነን። መሓዛ ኣብ ምፍጣር ተጸጊምኩም ብሕታውነት ስዒርኩም ድዩ?

ብዙሓት፡ ብብሕታውነት እንጸርጽሮት ኣለዎም። ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራሕ፡ 2.4 ሚሊዮን ሰባት ብምኽንያት ብሕታውነት ብዝመጽኡ ሕማማት ይሳቐዩ።

ኮይኑ ግን፡ ከምዚ ክኸውን የብሉን። እዞም ዝስዕቡ ነጥቢታት፡ ብቐሊሉ መሓዛ ንምፍጣር ዝሕግዙና እዮም።

1. ኣባል ኩን

ብመሰረት ክትሰርሖ እትደሊ ሓደ ነገር፡ ኣባል ሓደ ጉጅለ፣ ክለብ ወይ መምሃሪ ክፍሊ ብምኻን፡ ሓደሽቲ ሰባት ክትላለን ንምሕዝነት ዝኮኑኻ ሰባት ክተፍርን ትኽእል ኢካ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ሓሳብኩም እንተተካፍሉ፡ ምስ እትረኽቡዎም ሰባት ሓደ ክገብርኹም ዝኽእሉ ድልየታት ክህልው ስለዝኽእሉ፡ ኣባል ሓደ ምትእክካብ ምኻን፡ መሓዛ ንምፍራይ ዕድል ይፈጥር'ዩ።

2. ወለንታዊ ተሳትፎ

ኣብ ሓደ እትግደሰሉ ጉዳይ ወይ ማሕበረሰብ ኣቲኻ፡ ወለንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ፡ ሓደሽቲ ሰባት ብምርካብ ዓቕምካ ተዕቢ።

ኣብዚ ግዘ፡ ወለንታዊ ተሳትፎ ዘለዎም ሰባት ቕኑዓትን ለዋሃትን'ዮም ኢልካ ስለእትጽበ፡ ጽቡቕ መሓዛ ንምርካብ ዝሕግዘካ ኣጋጣሚ ይፈጥረልካ።

3. ኣድራሻ ምቕባል

ምሳኻ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝበልካዮም ሓደሽቲ ሰባት እንተትረክብ፡ ቑጽሪ ስልኮም ወይ ድማ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣድራሽኦም (ኢሜይል) ተቐበል።

ኣብ ዝቕጽል መዓልቲ ድማ፡ ምስቲ ዝረኸብካዮ ሰብ ዝነበረካ ግዘ ጽቡቕ ከምዝነበረ ንገሮ ወይ መልእኽቲ ጸሓፈሉ።

ብሓባር፡ ክትዛነ፣ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክትገብር ከምእትደሊ ድማ ሓሳብ ኣቅርብ።

4. እሺ/ ሓራይ በል

ዕድመ ድራር ወይ ትያትር እንትቐርበልኩም ሕራይ በሉ።

ኣብዚ ኣጋጣሚ፡ ናይ ባዕልኹም መደብ'ኳ እንተነበረኩም፡ ከይሃብካ ምቕባል ስለዘየሎ፡ ሕራይ ንምባል ኣይትስነፉ።

ዝቐረበልኩም ዕድመ ፈጺምኩም ምቕባል ዘይትክእሉ እንተድኣ ኾይንኩም ግና፡ ንካልእ መዓልቲ ይኩነልና ብምባል፡ ብትሕትና መልሱ።

5. ዘይምፍራሕ

ጻዕሪ ዝተሓወሶ ምሕዝነት ኩል ሻብ ዕውት'ዩ። ዝቐረብኩዎም ሰባት ዘይክቅበሉኒ ይኽእሉ'ዮም ትብል እንተኾይንካ ግና፡ ክሰምር'ውን ኣይኽእልን።

ንፉዕን ኣማንን ኩን።

6. መሳርሕትኻ መሓዙትኻ ምግባር

መብዛሕትና ዝበዝሕ ግዜና ምስ መሳርሕትና ኢና እነሕልፎ። ስለዝኮነ፡ መሳርሕትኻ መሓዙትኻ ከምዝኾኑ ግበር።

ኣብ እዋን ስራሕ፡ ናይ ድኻም ስምዒት እንትስመዐኩም፡ 'ሻሂ ወይ ቡን ንስተ' ዝብል ዕድመ እንትቐርበልኩም ሓራይ በሉ።

7. ምሕታትን ምድማጽን

ብዛዕባ ሓደ ነገር ንምዝራብ፣ ትሓፍሩ ወይ ትሰከፉ እንተኾይንኩም፡ ሰባት ብዛዕብኦም ክነግርኹም ሕተቱዎም።

በብልቢ ትሰምዑ ሰባት እንተኾይንኩም፡ ጽቡቅ ምሕዝነት ንምፍጣር ኣብ ዘኽእለኩም መገዲ ኣለኹም ማለት'ዩ።

8. ኣብ ኣጋጣሚታት ንቑሕ ምኻን

መዓልቲ ልደት ምዝኽካር ወይ ውህብቶ ምዕዳግ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ዝመስሉ ነገራት፡ ምሕዝነት ንምፍጣር ሓገዝቲ'ዮም።

መሓዛኹም ዘይጠዓዮ ክተርፍ ከሎ ድማ፡ ናብ ገዝኡ ብምኻድ ብጽሑዎ ወይ'ውን ናብ ሕክምና ክኸይድ ሓግዙ።

9. ቅኑዕ ሰብ ምኻን

ሓድሽ መሓዛ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክመጽእ ይኽእል። ወዲ 17 ወይ'ውን 70፣ ሰብ ወይ ድሙን ከልብን፣ ወይ ተዋዛዪ ክኸውን ይኽእል።

ንሓደ ሰብ ድማ፡ ኣብ ናይ ሓጺር ግዜ ፍልጦኻ ኣይትፍረዶ። መጀመርታ ኣገረምቲ ኾይኖም ዝረኸብካዮም፡ ደሓር ኣዝዮም ዘጸግሙ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

10. ግዘ ምሃብ

ኣብ ሓጺር ግዜዝፍጠር ጽቡቕ ምሕዝነት፡ ውሑድ'ዩ።

እምነት ኣብ ከይዲ ዝህነጽ ብምኻኑ፡ ሓድሽ ምሕዝነት ንክዓቢ፡ እኩል ግዜ ክወሃቦ ኣለዎ።