በላሕቲ ቆልዑት ንምዕባይ ክግበር ዘለዎ ምኽሪ

ኣብ 1968፡ ፕሮፈሰር ጁልያን ስታንልይ መምህር ሳይኮመትሪክስ፡ ሓደ ኮምፑተር ሳይንስ ዝመሃር ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ ኣብ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ይረክብ።

እቲ ቆልዓ ጆሰፍ በይትስ ዝበሃል ኮይኑ፡ በሊሕ ተማሃራይ ስለዝነበረ እቲ ዝመሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ሰልኪዩዎ ነይሩ።

ንሱ ካብ ኩሎም ብጾቱን ካብኡ ንለዕሊ ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ብመንፈዓቱ ጸብለል ኢሉ ይረኣ ነበረ።

በዚ መስተንክር ብልሒ ዝተደነቐ ፕሮፈሰር ስታንልይ፡ ን45 ዓመት ዝወሰደ መጽናዕቲ ኣብ ምክትታል ተውህቦ ዘሎዎም ቆልዑት ከም በዓል ናይ ፈይስቡክ መስራቲ ማርክ ዛከርበርግ ከም ኡው'ን ለዲ ጋጋ ጀሚሩ።

ጆሰፍ በይት እንታይ ኣጋጢምዎ?

ጆሰፍ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል ብናይ ዶክተሬት መዓርግ ተመሪቑ።

ንሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናመሃሪ እንከሎ፡ ካብቶም ጀመርቲ ናይ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ (artificial intelligence) ዘጽንዑ ሰባት ኮይኑ።

ፕሮፈሰር ጁልያን ስታንልይ፡ ነዚ መጽናዕቲ ኣብ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ማእከል ስልጠና ተውህቦ ዘለዎም መንእሰያት ጀሚርዎ።

እቲ መጽናዕቲ ብኽእለቶም 'ኣብ ሕሳብ ልዕሊ ዕድመኦም ዝበሰሉ' ዝበሃል ኮይኑ፡ ንልዕሊ 5000 በላሕቲ ቘልዑት ብኣእምሮኣዊ ክእለት ኣብ ላዕሊ ዝስርዑ ተኸታቲሉ።

በዚ መጽናዕቲ ኢዩ ፕሮፈሰር ጁልያን ስታንልይ ኣገራሚ ዝኾነ ተሰቁሮ ክረክብ ዝኸኣለ።

እቲ መጽናዕቲ ነቲ ''ምድግጋም ክኢላ ይገብረካ'' ዚብል ብሂል የፍርሶ። እቲ ብሂል ከምዚ ኪብል እንከሎ ኣብ ሓደ ነገር ብብርቱዕ ትዅረትን ጻዕርን ምስ እትሰርሕ ክኢላ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ማለቱ እዩ።

ይኹንምበር፡ ብመሰረት (SMPY) እቲ ፍልጠታዊ ክእለት (ከመይ ጌርካ ጸገማት ከም እትፈትሕን ቅኑዕ ውሳነ ከም እትፈትሕን ዚሕግዘካ ድራኸ) ኣብ ዓወት ንምብጻሕ፡ ካብ ልምምድ ወይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ዝያዳ ጽልዋ ኣለዎ።

ስለዚ ኸኣ'ዩ ነቲ ናይ ውላድካ ክእለት ምስትውዓል ብኣጋኡ ክትሕብሕቦ ዘሎካ።

ንደቅኻ ኣዚዮም በላሕቲ ንኪኾኑልካ ኣይተገድዶም፡ ምኽንያቱ ብመሰረት ተመራመርቲ ምህሮ፡ እዚ ''ናብ ኩሉ ዓይነት ማሕበራውን ስምዒታውን ጸገማት' ከእትዎም ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር ነቶም በላሕቲ ደቅኻ ክትሕብሕቦምን ከተሐጕሶምን እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ክትፍትኖ ትኽእል ኢኻ፥

ንደቁኹም ኣብ ብዙሕ ዝዓይነቱ ተመኩሮታት ኣቃልዕዎም

በላሕቲ ቘልዑት መብዛሕትኡ ግዜ ድሪኺቶም ከዕግቡ ሓደስቲ ነገራት ኢዮም ዘድልዮም።

እናደለብዎ ዝኸዱ ናይ ሂወት ተመኩሮ ከኣ፡ ኣብ ሂወቶም ንዘጋጠሞም ሽግራት ክብድሁ ርእሰ-ተኣማማንነት የማዕብሉ።

ክኢላት ስነ-ልቦና ከምዝብልዎ፡ ብቐጻሊ ኣብ እንፈልጦን እንመልኮን ነገር እንተሰሪሕና መሃዝነት ኣይነማዕብልን ኢና። እንተኾነ ግን ሓደስቲ ፍልይ ዝበሉ ነገራት ክንፍትን ትብዓት የድልየና ይብሉ።

ክእለቶምን ዝንባለኦምን ክምዕብል ክንኩስኩሶ ኣለና

ቘልዑት ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ሓዲሽ ስፖርት፤ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት፤ ተዋሰኦን ድራማን ዝኣመሰሉን ከም ኡውን ካልእ ነገራት ንምፍታን ክእለቶም ዝፍትሹሉን ዘማዕብሉሉን ኮይኑ፡ ኣብ ምምዕባል ተጻዋርነት'ውን ይሕግዞም።

ንዘይደልይዎ ነገራት ብሓይሊ ከገብሩዎ ክትደፍኦም ግን የብልካን።

ኣብ ናይትምህርቲ ዝንባለኦምን ስሚዕታዊ ድልየታቶምን ክሕገዙ ኣለዎም

ሓርኮትኮት ምባልን ዝተፈላለየ ነገራት ምፍታንን ክትምሃር ናይ ምድላይ ምልክት እዩ። ቘልዑት ቕድሚ ትምህርቲ ምጅማሮም ብዙሕ ሕቶታት ክሓቱ ይኽእሉ። ከምዚ ዓይነት ሕቶን መልስን ንሓንሳብ ንትዕግስትና ክወድኦ ይኽእል።

እንተኾነ ግን እዚ ንምዕባለኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

'ስለምንታይ' 'ብኸመይ' ዝብሉ ሕቶታት ክሐቱ እንተኺኦሎም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጸብለል ክብሉ ይሕግዞም።

ድኽመት ምርኣይ ክፍራሕ የብሉን

ኣብ ምህሮ ዝፍጸም ጌጋታት ከም መሰጋገሪ እምኒ ኩርና ኮይኑ ክርኣ ኣለዎ።

ድኽመታት ከም ዕድል ክቁጸሩ ኣሎዎም። ምኽንያቱ፡ ቘልዑት፡ ካብኡ ተማሂሮም ከመሓይሹን ንድሕሪ ሕጂ ዝገጥሞም ሽግራት ብኸመይ ከም ዝብድህዎን ትምህርቲ ይኾኖም።

ልዑት ብምስሎምን ጠባያቶምን ካብ ምስማይ ተጠንቀቕ

ምኽንያት ንቘልዑት፡ ብሩጉዶም፡ ብሕብሮም፡ ብመልክዖም፡ ብዋዒኦም፡ ብዛሕሎም ወዘተ ኣይትጸውዓዮም።

ኣስተናዓቒ ኣበሃህላታትን ጸርፍን ናብ ዘይተደልየ ዓሚቚ ጽቕጠት ዘሎዎ ጓሂ የቃልዖም።

ድልየታት ደቁኹም ንምዕጋብ ምስ መምሃራን ተሓባቢርኩም ክትሰርሑ ኣለኩም

በላሕቲ ተምሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ በዳሂ ነገራት ይደልዩ፡ ከም ኡውን ሓገዝን ወይ'ውን ነጻ ኮይኖም ክመሃሩ ግዜን ቦታን የድልዮም።

ኣብዚ ግዜ ትምህርቲ ድልየታቶም ንምዕጋብ፡ ምስ እዚ ዘሎ ናይ ትምህርቲ መስርሕ መስራሕ ኣገዳሲ ኢዩ።

ናይ ደቁኹም ክእለታት ክፍተን ምግባር

እዚ ንወለዲ፡ ደቆም ከም ጸገም ኣናብባ፤ ናይ ምስትውዓል ጸገማት፤ ወይ'ውን ናይ ማሕበራውን ስሚዒታውን ጸገማት ከምዘለዎምን ዘይብሎምን ንክፈልጡ ይሕግዝ። .

ቅኹም ተውህቦ ከም ዘለዎም ብኸመይ ትፈልጡ?

ገለ ምልክታት ካብ ኣይ'ኪዩ (IQ) ሶሳይቲ መንሳ ዝተወስደ፡

  • ልሙድ ዘይኮነ ናይ ምዝካር ክእለት
  • ኣቐዲምካ ናይ ምንባብ ክእለት
  • ዘይልሙድ ድለየታትን ዝንባለን ወይ'ውን ዕሙቛ ዝበለ ፍልጠት ኣብ ገሊኦም ዓውድታት
  • ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጻመታት ንቑሓት ምዃን
  • ብቐጻሊ ሕቶ ምሕታት
  • ክቆጻጸሩ ምፍታን
  • ኣብ ዝኾነ ጸወታ ሓዲሽ ሕግታት ምትእትታው
  • ሙዚቃዊ ድልየት
  • ተዋዛያይ ምዃን