እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እዚ ኣብ ዓለም ምቾት ዝመልኦ ቤት ማእሰርቲ'ዶ ይኸውን?
ኖረዎይ ሃለድን ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ሰብኣውነት ዘለዋ ቤትማእሰርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እሱራት፡ ካብ’ዚ ምስ ወጹ ዝሕግዞም ሙዚቃ፤ ጽርበት ዕንጸይት፤ መግቢ ምስራሕን ናይ ባዕሎም መግቢ ምድላውን ይመሃሩ።
ዋላ'ኳ ኣመና ምቾት ዝበዝሖ ተባሂሉ እንተተነቐፈ፤ ኖርዎይ ግን ኣብ ዓለም ዝወሓደ ገበን ዝፍጸመላ ሃገር ዝብል ስም ጨቢጣ’ያ። ሓላዊት ቤት-ማእሰርቲ ሊን ማርጋረት ኣንደርሰን ምስ እሱራት ዝበዝሐ ሰዓታት ብምጽናሕ ትፈልጦም ከም መሓዙት ትቀርቦም።