ፉንኬ ኣምብዮላ፡ 'ኣፍሪቃዊ ስመይ ስራሕ ንምርካብ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ነይሩ'

ጠበቓን ተሓላቒት ብዙሃን ዝኾነት ፉንኬ ኣምብዮላ፡ ስራሕ ከተመልክት እንከላ ኣድልዎታት ይበጽሓ ከምዝነበረ ትገልጽ።

ሓደ ሲሶ ካብቶም ዝዓበዩ 100 ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብቑጽሪ ውሑዳት ካብ ዝኾኑ ዓሌታት ዝመጽኡ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ከምዘይብሎም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣምብዮላ "ጸላም ምዃነይን መጸውዒ ሽመይ ኣፍሪቃዊ ምዃኑን፡ ናብ ስራሕ ዓለም ንምእታው ብርግጽኝነት ዕንቅፋት ኮይኖሙኒ ነይሮም" ትብል።

ፈላማይ ኣፋፌት ስራሕ ንምርካብ ድማ ልዕሊ 100 ደወላት ስልኪ ንምግባር ከምዝተገደደት ትገልጽ።

" ብዙሕ ኣድልዎታትን ክበጽሐንን፡ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ብምዃነይ ድማ ካብ ካልኦት መሳርሕተይ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክግበረለይን ክኢሉ እዩ። ብቑጽሪ ውሑዳት ካብ ዝኾኑ ዓሌት እንተመጺኻ፡ ሰባት ብቐሊሉ ከለልዩኻን ብኣሉታ ክመዝኑኻን ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎ" ትብል።

ብተወሳኺ መጽናዕቲ ፓርከር ዝተባህለ ትካል ከምዝሕብሮ፡ ዋላ ኣብቶም ዝዓበዩ 250 ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ ብዝሒ ካብ ውሑዳን ዓሌት ዝመጽኡ ኣመራርሓ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ የርኢ። ካብ 173 ትካላት፡ ኣብቶም 119 ማለት'ውን 69 ምኢታዊት ዝኾነ ዓይነት ዓሌታዊ ብዙሕነት የብሎምን።

ኣምብዮላ እቲ ጸብጻብ ከምዘየገርማ እያ ትገልጽ፤ " ካብ ውሑዳት ዓሌታት ዝመጽኡ ሰባት፡ ንዝለዓለ ሓላፍነት ምስዘወዳደሩ፡ ቦታ ከይወሃቦም ዝገብሩ ብዙሕ ማሕንቖታት ኣለዉ" ትብል።

ህላዌ ኣመራርሓ ዓሌታዊ ብዙሕነት ንትካላት ዘለዎ ረብሓታት ንምምኻር ዝተጣየሰ ኮሚተ ፓርከር፡ ኣብ 2017 ፈላሚ ጸብጻቡ ኣሐቲሙ። ኣብቲ እዋን ካብቶም 100 ዓበይቲ ትካላት፡ ኣብቶም 51 ካብ ዝኾነ ንኡስ ዓሌት ዝመጽአ ኣመራርሓ ዘይነበሮም ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ቁጽሪ ናብ 33 ምኢታዊት ወሪዱ እዩ።

እቲ ጸብጻብ እቶም 100 ዓበይቲ ትካላት ኣብ 2021፡ እቶም 250 ድማ ኣብ 2024፡ እንተወሓደ ሓደ ዝተፈለየ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ዳይረክተር ክህልዎም ይመክር።

ዳይረክተር ኮሚተ ፓርከር፡ ሰር ጆን ፓርከር፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝሓዝዎ ሸቶ ክልተ ዓመት ዝተርፎ እንተኾነ፡ ክውንነቱ ግን ዓቐብ ኮይኑ ከምዝረኣዮ ይገልጽ።

ብኻልእ ገጽ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓላፍነት ንምምጻእ ምስዝሰርሕ ኮሚተ ደቪስ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ዝሓሸ ምዕባለ ከምዝነበረ ይገልጽ።

እቲ ለውጢ ንክመጽእ ትካላት ዓሌት ናይቶም ኣብ ሓለፍነት ዘለዉ ሰባት፡ ዘለዎም ብዝሃን ሓሳበት ፓርከር ንምትግባር ዝሕግዝዎም ፖሊሲታቶምን ብዝምልከት ጸብጻብ ከቕርቡን፡ ካብ ውሑዳን ዓሌታት ዝመጽኡ ጽቡቕ ዓቕሚ ዘለዎም መራሕቲ ከፍርዩን ይመክር።

ኣብዮላ፡ ውሑዳን ዝውከልሉ ትልሚ ብምሕንጻጽ ምንቅስቓስ ቁልፊ ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ትገልጽ።

'ትርጉም ዘለዎ ለውጢ'

ኣብ ዓውዲ ቢዝነስ እትነጥፍ ኣንደርያ ሊድሰም፡ እቲ ጸብጻብ ትካላት ጸለምቲ፣ ኤሽያውያንን ውሑዳን ካብ ዝኾኑ ዓሌታት ዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ክህልዉ እውን ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ከምዘለዎ ትገልጽ።

ብዝሃ ዘለዎ ሰራሕተኛ ምውናን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምፍጣር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ትካላት ዕዉታት ክኾኑ 'ውን ከምዝሕግዝ ትገልጽ።

"እቲ መንግስቲ ንግዲ ይድግፍን፡ ብዝሃ ኣብ ምፍጣር ድማ ትካላት ዕዉታት ክኾኑ ይደልን" ትብል።

ኣብዚ ዓውዲ ዝዋሳእ ዶ/ር ጂል ሚለር ብወገኑ፡ ኣብ 2020 ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ትካላት ዓሌታዊ ብዝሃ ዘይምህላው ተቐባልነት ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።