ነቲ ኣስታት 90% ስራሕ ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ስራሕ ኪፈጥረሉ ቃል ኣትዩ።

"ቁጠባ ሃገርና ከነዕቢ፡ ሰላም ከነምጽእ፡ ስራሕ: ስራሕ: ስራሕ: ክንፈጥር ድልየትና ኢዩ" ኢልዎም ነቶም ታሕጓሶም ዝገልጹ ዝነበሩ እኩባት ህዝቢ።

እቲ ሃገራዊ መደበር ተሌቪዥን ከምዝበሎ፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃዲሙ ዝነበረ ምናንጋግዋ ጽባሕ ዓርቢ 24 ጥቅምቲ ሓድሽ ፕሬዚደንት ዚምባብዌ ክኸውን ኢዩ።

ካብ ሓላፍነት ምስጓጉ ድማ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑን ሰራዊትን ጣልቃ ክኣትዉን ናይ ሙጋበ ናይ 37 ዓመት ናይ ስልጣን ዘመን መውዳእታ ኪገብርሉን ኣገዲዱ።

ንደገፍቱ መደረ ኣብዝገበረሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ብርክት ዝበላ ናይ ቅትለት ፈተነታት ከምዝተኻየደሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ሰራዊት ብሰላማዊ መንገዲ ንሙጋበ ካብ ስልጣኑ ንምልጋስ ዘካየዶ "መስርሕ" ኣመስጊኑ።

እቲ ወዲ 71 ዓመት ምናንጋግዋ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ናይ ሙጋበ ናይ ስልጣን ግዜ፡ ማለት ስጋብ መስከረም 2018 ምርጫ ዝካየድ ከም ፕሬዚደንት ኮይኑ ከገልግል ምዃኑ ኣፈኛ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ገሊጹ።

እቲ ብፖለቲካዊ ጉርሑ "ሓርገጽ" ዝብል ሳጓ ዝተዋህቦ ምናንጋግዋ ቅድሚ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ምስ ፕሬዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ተራኺቡ። ገለ ሰባት ግና ናይ ምናንጋግዋ ናብ ስልጣን ምምጽእ ብሓቂ'ዶ ኣብታ ሃገር ሓቀኛ ለውጢ ከምጽእ ኢዩ ይብሉ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1980ታት፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ዝተጋህደ ግጭት ኣሽሓት ተቐቲሎም፡ ንሱ ግና ካብቲ ደም ንጹህ ኢየ ብምባል ነቲ ውንጀላ ይነጽጎ።

ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፕሬዚደንት ጊኒን ኣልፋ ኮንዴ በቲ ዜና "ብሓቂ ሕጉስ" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ በቲ ናይ ሙጋበ ናይ ስልጣን ዘመን ዘብቅዓሉ መንገዲ ግና ሕጉስ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

"ብኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣን ምግላፉን ብሕጓ ካብ ስልጣን ምውጽኡን ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ" ኢሉ ፕሬዚደንት ኣልፋ ኮንዴ።

ኣየናይ ርእሲ ተመን'ዩ ተጨፍሊቑ?

ኣባል ቢቢሲ ሺንጋይ ኝዮካ ካብ ሃራሬ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ 20 ደቓይቕ ዝወሰደ መደርኡ፡ ሓንሳብ ጥራይ ንሙጋበ ኣብ ክንዲ ፕሬዚደንት-ነበር ዝብሎ ፕሬዚደንት ብምባሉ ንነብሱ ኣሪሙ። ብሓፈሻ መደርኡ ኣተዓራቒ ኢዩ ነይሩ።

በቲ ኣገራሚ ናብ ስልጣን ምምላሱን ሙጋበ ድማ ብዓወት ካብ ስልጣኑ ምልጋሱን ድማ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ መደርኡ እቲ ብዓልቲ ቤት ሙጋበ ግሬስ ንዓኡ ኣመልኪታ " ነቲ ተመን ርእሱ ክንጭፍልቖ ኣሎና" ዝበለቶ ጠቒሱ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ እዛ ናይ ግሬስ ዘረባ ኢዩ ድማ ካብ ስልጣኑ ዝተስጎገ።

"እቲ ዘገርም ግና ኣየናይ ርእሲ ተመን'ዪ ተጨፍሊቑ?" ኢልዎም ነቶም ሓጎሶም ዝገልጹ ዝነበሩ ዝተአከቡ ህዝቢ።