እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዜጋታት ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ካብ ስልጣን ምውራዱ ታሕጓሶም ይገልፁ ኣለው
እቲ ን37 ዓመታት ኣብስልጣን ዝጸንሐ ሙጋበ ኣብ ሓደ እዋን ''ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ" ካብ ስልጣን ዘውርደኒ ኢሉ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ሓደ ሓደ ሰባት ንሙጋቤ ከም ኣፍሪቃዊ ናይ ናጽነት ጅግና ክወስድዎ ከለው፡ ነቐፍቱ ግን ህዝቢ እናርዓደ ዝገዝአን ነታ ብቑጠባ ትስፍውቲ ዝነበረት ሃገር ዘዕነወ ሃጸይ ኢዮም ዝርእይዎ።
ኣፈኛ ባይቶ ድማ ነቲ ብመልክዕ ደብዳበ ዝቐረበ ናይ ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ብወለንታ ምውራድ ንባይቶ ኣንቢቡሎም።
ሙጋበ፡ እቲ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ገዛኢ ሰልፍን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝቐርበሉ ዝነበረ ጸቕጢ ክቃውም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ርጉእን ሰላማውን ናይ ስልጣን ምትሕልላፍ መታን ክህሉ ካብ ስልጣኑ ብወለንታ ከምዝወረደን ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ድማ ነቲ ባይቶ ብሰሉስ 21 ጥቅምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ንሙጋበ ናይ ምውንጃል መስርሕ ብሃንደበት ደው ኣቢልዎ።
'ኣዝየ ሕጉስ እየ'
ናይ ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ብወለንታ ምውራዱ ኣብ ባይቶ ምስተገልጸ ኣባላት ባይቶ ገዛእን ተቓውምቲ ስልፍታትን ብሓጎስ ፍንጭሕ ኢሎም። ጽርግያታት ድማ ብሃንደበት፡ ብሳዕስዒት ደርፍን፡ ባንዴራታት ብምብልባልን ጥሩምባ መካይን ብምንፋሕን ድማ ሓጎሶም ብዝገልጹ ተመሊኡ።
"ብተስፋ ድቃስ ዘይብሉ እዋናት ከንሕልፍ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ግና እቲ ኩነታት ስለተዛዘመ ኣዚና ሕጉሳት ኢና፡ "።
ንመሰል ወዲ ሰብ እትሟገት ቪምባኢሺ ሙስቫቡሪ ንቢቢሲ ኣብ እትዛረበሉ ዝነበረት እዋን ብሓጎስ ነቢዓ።
"በዚ ሰብ'ዚ ስለዝደኸምና፡ ካብ ስልጣኑ ብምውራዱ ሕጉሳት ኢና። ጨሪስና ኣይንደልዮን ኢና፡ ሎሚ ናይ ዓወት መዓልቲ ኢያ"።
ብዙሓት፡ እቲ ንምናናጋግዋ ካብ ስልጣን ምውራድ ንብዓልቲ ቤት ሙጋበ ግሬስ ናብ ስልጣን ንምምጻእን ንሙጋበ ክትክእን ከምዝተገብረ ፈተነ ክርእይዎ ከለው፡ ንወተሃደራዊ መራሕቲ ግና ኣዝዩ ስለዘቖጠዖም ጣልቃ ክኣትውን ንሙጋበ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክእትውን ደሪኽዎም።
እቲ ወዲ 93 ዓመት ሙጋበ ስጋብ እታ ካብ ስልጣኑ ዝወረደላ ስዓት ኣብ ዓለም እቲ ዝሸምገለ መራሒ ኢዩ ነይሩ።
ብመሰረት ቅዋም ሃገር፡ እቲ ሕጂ ምክትል ፕሬዚደንት ዝነበረ ፈሌክዜላ ምፎኮ፡ ደጋፊ ብዓልቲ ቤት ሙጋበ፡ ግሬስ' ኢዩ ንሙጋበ ክትክኦ ዘለዎ።
እንተኾነ፡ ጽሓፊ ሕጋዊ ጉዳያት ሰልፊ ዛኑ፡ ፓትሪክ ቺናማሳ ንሮይተር ክመዝሓበሮ፡ ምክትል-ፕሬዚደንት-ነበር ምናንጋግዋ ብሮቡዕ ወይ ድማ ብሓሙስ ከም መራሕ ሃገር ቃለ-መሓላ ክፍጽም ኢዩ ኢሉ።
ሃገር ኣብ ጽምብል
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ሃራሬ፡ ፌርጋል ኪን ከምዝበሎ፡ ኣብ ከተማ ሃራሬ ብመኪና ኣብትኸደሉ እዋን ዝርአ ዝነበረ ዕልልታን ታሕጓስን ሆይ ሆይታን ናይ መኪና ጥሩምባን ናይ ሙጋበ ናይ ስልጣን ዘመን ከምዘብቅዐ ኢዩ ዘርኢ ኢሉ።
መዘኻኸሪ ጥንቃቐ ንኺግበር
ዋላ'ኳ ኩሉ ሰብ ነቲ ዜና ብሓጎስ ይቀበሎ፡ መራሕቲ ተቓውምቲ ሰልፍታትን ናይ ሲቭል ማሕበራትን ዚምባብዌ ግና እቲ ፖለቲካዊ ባህሊ እቲ ሃገር ክቕየር ኣለዎ ብምባል ኣጠንቂቖም።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሞርጋን ሻንግራይ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ዚምባብዌ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ኣብ ዘጠቓለለ "ሓድሽ ናይ ለውጢ መስርሕ" ኢያ ዘላ ኢሉ።
ሙጋበ ድማ እተን ዝተረፍኦ ውሑዳታ መዓልታት ብሰላም ከዕርፍ ክፍቀደሉ ኣለዎ ኢሉ ሻንጋራይ።
ፍሉጥ ተቓዋሚ፡ ዴቪድ ኮልታርት ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብዝገብሮ ትዊት ድማ " ጨኳኒ መራሒ ኣሊና፡ ምልካዊ ስርዓት ግና ጌና ኣብስልጣን ኣሎ" ኢሉ።
ሮበርት ሙጋበን ጓል 52 ዓመት ብዓልቲ ቤቱ ግሬስን፡ ኣብ ሃራሬ ኣብ ሓደ ዓቢ ገዛ ከምዘለው ይፍለጥ።