ኤርትራ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም መዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክትብል ከሲሳ

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, Mary Harper

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማን ገብረመስቀል

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም መዝነቱ ብዘይ ኣግባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ክሲ ኣቕሪቡ።

"ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና፡ ንመድረኽ እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ንኤርትራ ንምጽላም ይጥቀመሉ ኣሎ።

እቲ ሚኒስተር ዜና፡ ነቲ ዳይሬክተር ዝኸሰሉ ዘሎ ዝርዝር ጉዳያት ግን ኣየነጸረን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እዚ ኰይኑ ግን፡ ዶክተር ቴድሮስ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ዝሓለፈ ሓሙስ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ትግራይ ንልዕሊ 500 መዓልታት ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከበባ ከምዘላ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ከምቲ ትፈልጥዎ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ካብ ትኣቱ ልዕሊ 500 መዓልታት ኣቝጺራ ኣላ፣ እዚ ዕጽዋ'ዚ ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም እቲ ዝነወሐ ዕጽዋ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ዓለም ካብቲ ንዩክረይን ሂባቶ ዘላ ኣቓልቦ፡ "ገለ ሚእታዊ ናብታ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላ ትግራይ" ክትህብ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ወሲኹ'ውን ናብ ትግራይ መድሃኒት ክኣቱ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ ትግራይ ክቱር ሕጽረት መድሃኒት ከምዘሎ ኣብሪሁ።

"ዝኾነ መድሃኒት የለን፣ ኣገልግሎት ባንኪ የለን፣ ኣዝማደይ ክሕግዞም ሓቲቶሙኒ፣ ባንኪ ስለዘየለ ግን ሰልዲ ክሰደሎም ኣይከኣልኩን፣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እንታይ ቃላት ተጠቂመ ከምዝገልጾ'ውን ኣይፈልጥን'የ። ማሕበረሰብ ዓለም ይፍትን ኣሎ፡ እኹል ግን ኣይኮነን።"

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ "እዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ፡ ሓደ ዓለምለኻዊ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ከንጸባርቘ ንዝግባእ ባህሪ ብቅሉዕ ዝጻረር ብምዃኑ፣ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ንኽውሰደሉ ዘኽእል እዩ፡" ኢሉ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ርእይቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ ምላሽ የሎን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ቅድም ክብል፡ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይሻራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ምህላዉ ኣብሪሁ።

እንተኾነ ግና እቲ ውድብ ንጥርዓን ኢትዮጵያ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ሕቶ ኣብ ካልእ እዋን ውሳነ ክወሃቦ'ዩ ከምዝበለ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።

ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምውልዑ ሰዒቡ፡ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ብምዃን ሰራዊታ ናብ ትግራይ ከምዝለኣኸት ዝፍለጥ እዩ።

ድሒራ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ወተሃደራታ ካብ ትግራይ ምውጻእ ከምዝጀመሩ'ኳ እንተገለጸት፡ መራሕቲ ትግራይ ግን፡ ሰራዊት ኤርትራ ገና ንብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከምዘለው እዮም ዝኸሱ።