እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሎሞን በርሀ፡ ሬሳ ወዶም ዘይረኸቡ ወይ መርሸንቱ'ውን ብዕሊ ዘይተነግሮም- እንዳ ኣቮካቶ በርሀ
ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ኣብ ማእክለ ከተማ ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ኰይኖም'ውን፡ ብዅሉ መዳያት ንሃገሮም ተቓሊሶም እዮም።
ኣብ ሰብዓታት፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ - ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ፡ ሰራሕተኛታት - ወነንቲ ጋራጅ፣ መካኒክ፣ ኣውቲስታታት፣ ሰብ ታክሲ፣ ወነንቲ ኣብያተ መግብን መስተን ምስጢራዊ ውዳበታት ፈጢሮም ኣብ ዝተፈላለየ ሰውራዊ ዕማማት ከም ዝተሳተፉ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።
ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክሊ ማእከላት ሞያውያን፡ ተማሃሮን መማህራንን ዩኒቨርስቲ ብምስላዅ፡ ብዙሓት ሰባት ይሃድኑን የሳቕዩን ነይሮም።
ኣባላት ጸጥታ ደርግ፡ ብሰባት ንዝተጠቈሙን ዝተጠርጠሩን እናለቐሙ፡ ይኣስሩን የሕቅቑን ከምዝነበሩ፡ ንባዕሉ ኣባል ምስጢራዊ ምንቅስቓስ ዝነበረ፡ ዳሕራይ ንሜዳ ወሪዱ ዝተጋደለ ተኪኤ በየነ፡ ኣብታ "ካብ ሪቕ - ሕፍንቲ" ዘርእስታ መጽሓፉ ዘርዚሩዎ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ደርግ ዝወደቐ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ሰውራ ኤርትራ ብምስጢር ተወዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰሎሞን በርሀ እዩ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ በዓል ሞያ ስነ-ቝጠባ መታዓብይቱ ሚኪኤል ያዕቈብ፡ ሓደ ካብቶም ንሰሎሞን ብቐረባ ዝፈልጥዎ እዩ።
ሰሎሞን ኣብ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ክመሃር እንከሎ፡ ሚኪኤል ድማ ኣብ ካምቦኒ ይመሃር ነይሩ። ይዅን'ምበር ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ ስለዝኾኑ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይራኸቡ ነይሮም። መባእታዊ ትምህርቶም ምስ ወድኡ ኸኣ ክልቲኦም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ትምህርቶም ቀጺሎም።
ሚኪኤል፡ "ሰሎሞን ብትምህርቲ ዓቢ ተውህቦ ነይርዎ። ኣብ ሻሙናይ ክፍሊ፡ ንኻልኣይ ደረጃ ኣብ ዘእቱ ፈተና 99.9% ነጥቢ ብምምጻእ'ዩ ሓሊፉ፡" ብምባል ንመንፍዓቱ ይገልጾ።
ሰሎሞን፡ ኣብ ሕግን ርጡብ ምኽንያትን ተመርኵሱ ቅኑዕ ፍርዲ ንምሃብ ዝምጕት ሰብ እዩ ነይሩ፡ ይብል መዘናኡን ቀረባኡን ሚኪኤል።
ሓያል ልቦና፡ ምስትውዓል፡ ትዅረት፡ ትዕግስቲ፡ ጸገም ናይ ምፍታሕ ብልሒን ክእለትን ዝነበሮ፡ ሃገር ክመርሕ ዘኽእል እኹል ብቕዓት ዝነበሮ ርእሰ-ማል እዩ ነይሩ ክብል ከኣ ይምስክረሉ።
ሚኪኤል ንሰሎሞን ኣውራ ብናይ ምንባብ ዓቕሙ'ዩ ዝዝክሮ። ሰሙናዊ ጋዜጣታት ታይምስ ኰነ ኒውስዊክ (Times and Newsweek) ካብኡ ኣይፍለያን ከም ዝነበራ፣ ካብ ቤተመጻሕፍቲ ተለቂሑ ዘንብቦም ዝነበረ መጻሕፍቲ፡ ብቐጻሊ ንቢቢሲ ብምስማዕ፡ ንጂኦፖለቲካዊ ፍልጠቱ የስፍሕን የዕሙቕን ከም ዝነበረ ይገልጽ። ብተወሳኺ ኣዝዩ ልዑል ፍልጠት ቋንቋ እንግሊዘኛ ከም ዝነበሮ ድማ ይዝክር።
ሚኪኤልን ሰሎሞንን ካልኣይ ደረጃ ምስ ወድኡ ንዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ስለ ዘምጽኡ፡ ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዙ፤ ሚኪኤል ብስነ-ቍጠባ ሰሎሞን ኸኣ ብሕጊ፡ ብ1973 ተመረቑ።
መጀመርታ 1970ታት
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ፡ ተሓኤን ህዝባዊ ሓይልታትን ዉግእ ሓድሕድ ተወሊዑ ነበረ።
ብዓቢኡ ከኣ እቲ ንመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ዝበደሀ ብ'ጕጅለ መንካዕ፡ ዝተገልጸ ከም በዓል ሙሴ ተስፋሚኪኤልን ተወልደ እዮብን ዝኣመሰሉ ዝመራሕቱ ናይ ምሁራት ምንቅስቓስ ብዓመጽ ተዶቕሰ። ዳሕራይ ከኣ ኣባላቱ ከምእተኣስሩን እተቐትሉን ሰነዳት ታሪኽ ይነግሩ።
ብ1974 ስርዓት ደርግ ንመንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ገልቢጡ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ፡ ጀነራል ኣማን ዓንዶም (ኣቦ መንበር ደርጊ ዝነበረ ኤርትራዊ ጀነራል) ዝተቐትለሉ ዓመት ነበረ።
እቶም ኣብ ዉሽጢ ሜዳ ዝተኣታተዉ ለውጥታትን ኣብ ሓድሕድካ ምጭኽኻንን፡ ነቶም ናይ ግዳም ተጋደልቲ ብሩህ ኣይነበረን።
ከም በዓል ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ኣብ ዘመን ምንቅስቓስ 'መንካዕ' ዝተቐንጸሉ ምሁራት ተጋደልቲ፡ ምስቶም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ናይ ከተማ ተጋደልቲ ምትእስሳር ከም ዝነበሮም እውን ይግለጽ እዩ።
ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት- ብዙሓት ናይ ከተማ ተጋደልቲ (ኣባላት ምስጢራውያን ዋህዮታት) ዝተቓልዕሉን ዝተኣስሩሉን ዝተቐንጸልሉን ዘመን ስለ ዝነበረ፡ 'ከመይ'ሉ ከምኡ ክኸውን ከኣለ?' ኢሎም ነቲ ሽዑ ብሃንደበት ዝተፈጥረ ኵነታት ምልክት ሕቶ ዘንብርሉ ሰባት እውን ኣለዉ።
ተጋዳሊት ኣምባሳደር ሕብረት በርሀ ብዛዕባ ሰሎሞን ሓዋ እንታይ ትብል?
"ሰሎሞን ፍሉይ ሰብ'ዩ ነይሩ። ኣብ ገዛና ትሽዓተ ኢና ነርና። ካብ ኵላህና እቲ ኣዝዩ ዕጉስ ሰሎሞን'ዩ ነይሩ። ዕጉስ፣ ቍምነገረኛ፣ መስተውዓሊ፣ ኵሉ ግዜ ምስ መጻሕፍቲ ክቃለስ'ዩ ዝዝከረኒ፡" ትብል ሕብረት።
ሰሎሞን ብትምህርቲ ሕጊ ብ1973 ምስ ተመረቐ፡ ስዑ ንሽዑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ተቘጺሩ ስርሑ ጀመረ።
ኣዕሩኽቱ ከም ዝብሉዎ፡ ሰሎሞን ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ምስተቐጽረ፡ ቀልጢፉ ኣብ መሳልል መዓርግ ብምድያብ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ሓውሲ ምኽትል ኣኽባር ሕጊ ኰይኑ ይሰርሕ ነበረ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ዀይኖም ንሰውራኦም ይሕግዙ ስለዝነበሩ፡ ሰሎሞን ከኣ ምስኦም ተወዲቡ ይሰርሕ ነበረ።
ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ እናተወዓወዐ ከደ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሜዳ ኤርትራ ኢዶም ሂቦም ናብ ስርዓት ደርግ ዝተመልሱ ሰባት ንብዙሓት ሰባት የእስሩ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ 1977 ሓደ ሰብ ንሰሎሞን ጠቊሙ ኣእስሮ።
ሕብረት ከም ዝበለቶ፡ ኣደኣ ኣደይ ለተሃይማኖት ፈሊቸ፡ ሰሎሞን ተኣሲሩ ምስ ሰምዓ ተብ-ተብ ኢለን ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዛ። ብኣጋጣሚ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንከለዋ ሰሎሞን ተፈትሐ፣ እቲ ዘእሰሮ ሰብ ብቑዕ ጭብጢ ከቕርብ ስለ ዘይከኣለ እዩ ተፈቲሑ። ሽዑ ቀሲነን ልበን ረጊኡለን ንኣስመራ ተመልሳ።
ኣደይ ለተሃይማኖት ንኣስመራ ምስ ተመልሳ ገሊኦም ደቀን ንኽጋደሉ ንሜዳ ወሪዶም ጸንሑወን።
ሕብረት ጓለን ነቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ንእሽቶ ወዳ (ካብራል) ሒዛ ንሜድ ንኽትጋደል ወረደት። ኣደኣ ንካብራል ንኽመልሳ ላዕልን-ታሕትን በላ፣ ግን ኣይከኣላን።
"መኣዛ ሓብተይ ከይዳ፡ ይሀዪስ ሓወይ ከይዱ ... ገዛና ዳርጋ ጥርሑ ተሪፉ ... ሽዱሽተ ካብ ገዛና ንሜዳ ከድና፡ እንኮላይ ካብራል ወደይ፡" ትብል ሕብረት።
እታ ዓባይ ስድራቤት፡ ሓደ-ብሓደ ደቃ ጠፊኦምዋ ክልተ ንኣሽቱ ጥራሕ ሒዛ ተረፈት። ብ1973 ተኪኤ፡ ዓቢ ገዛ፡ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ንኸይእሰር ብሃንደበት ካብ ኣዲስ ኣበባ ንሜዳ ክወርድ እንከሎ ሞይቱ። ጸኒሖም ከኣ እቶም ዝተረፉ ሓደ ብሓደ ንሜዳ ከዱ። ኣደይ ለተሃይማኖትን ኣቮካቶ በርሀን ብውሽጦም ቈሲሎም ጐሃዩ።
ሰሎሞን ተኣሲሩ'ኳ እንተ ተፈትሐ እንደገና ተኣስረ። ሓደ ምስኦም ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ፡ ንሜዳ ክጋደል ወሪዱ ከብቅዕ ካብ ሜዳ ሃዲሙ ስለዝተመልሰ እዩ፡ ሰሎሞንን ብዙሓት ካልኦትን ብጥቆማ ተኣሲሮም።
ኣቮካቶ በርሀ ደሃይ ወዶም ክገብሩ ንኣዲስ ኣበባ ተጓዒዞም ንሓደ ሓደ ሰበስልጣን ደርግ ክውከሱ'ውን እንተፈተኑ፡ ዘዕግብ ሓበሬታ ከይረኸቡ፡ እኳ ደኣ ወዶም ከም ዝተረሸነ ተረዲእዎም ንኣስመራ ከም ዝተመልሱ ሕብረት ትዛረብ። እቲ ግዜ መወዳእታ 1978 እዩ ነይሩ።
ኣቮካቶ በርሀ፡ ጓሂ ተሰኪሞም ንኣስመራ ተመልሱ። እቲ ዘጓነፈ ሽግር ግን ንበዓልቲ ቤቶም ከየካፈሉ ሰተርዎ።
ኤዶም፡ ንእሽቶ ገዛ፡ ኣብ ተዘክሮታታ ተመርኲሳ ስድራኣ በይኖም ብምትራፎም ዝተሰምዖም ጓሂ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ሰሎሞን ሓዋ ዳግማይ ብምእሳሩ ኣብቲ ዓቢ ገዛ ዝሰፈነ ሓዘን ሓያል ምንባሩ ትዝክር።
ኣደይ ለተሃይማኖት ሃገራዊት'የን ነይረን። ብዙሓት ደቀን ናብ ሜዳ ስለ ዝኸድወን፡ ኵነታት ሜዳ ንኽፈልጣ ከይተሓለላ ይጽዕራ ነበራ። ደሃይ እቲ ደቀን ዝተሰለፉሉ ሰውራ ንኽፈልጣ ከኣ፡ ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ተሓቢአን ድምጺ-ሓፋሽ ይሰምዓ ከም ዝነበራ ኤዶም ጓለን ተዘንቱ።
ሓደ መዓልቲ ከምቲ ልሙድ ብሕቡእ ናይ ምሸት መደብ ድምጺ ሓፋሽ ንምስማዕ ኣብ መደቀሲ-ቈልዑ ኰይነን ማዕጾ ዓጽየን ራድዮ ወልዓ። ኣብቲ መደብ ከኣ፡ ሓደ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 'ማእከላዊ' ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ፡ ንቃለ-መሐትት ቀሪቡ ምስክርነቱ ክህብ ጀመረ።
እቲ ሰብ ብዛዕባ ኵነታት ቤት ማእሰርቲ 'ማእከላዊ' ክዛረብ ምስ ጀመረ ንኣቓልቦአን ሰሓቦ።
"ሓደ ምሸት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ" ይብል እቲ ኣብቲ መደብ ዝቐረበ ሰብ፡ "ሰሎሞን በርሀ ዝበሃል ውዱብ ምስ ትሽዓተ ርእሱ ተጸዊዖም ካብ ካሜራኦም ተወስዱ ... ሽዑ ተዅሲ ምስ ሰማዕና ከም ዝተቐትሉ ተረድኣና። ድሕሪ እታ ምሸት ከኣ ንትሽዓቲኦም ኣይረኣናዮምን፡" ክብል ኣደይ ለተሃይማኖት ሰምዓኦ።
"ኣደይ፡ ወትሩ፡ ወረ ድምጺ ሓፋሽ ምስ ሰምዐት፡ ጸሎታ ኣዕሪጋ እያ ካብታ ክፍሊ ትወጽእ ነይራ። እታ ምሸት'ቲኣ ግን ምስ ደንጐየት ንኽጽውዓ ኣብቲ መደቀሲ-ቈልዑ እንተኣተኹ ኣብኡ ኣይነበረትን። ማዕጾ ናይ ሽቃቕ ዓጽያ ክትበኪ ምስ ሰማዕክዋ ካሕኲሐያ፡" ትብል ኤዶም።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኤዶም፡ መብዛሕትኦም ኣሕዋታ ንሜዳ ከይዶም እቲ ዓቢ ገዛኦም ጥርሑ ተሪፉ ብሪውሪው ይብል ከም ዝነበረ ትዝክር።
ናይ ሰሎሞን ምርሻን ምስ ተሰምዐ ኸኣ ኣብቲ ገዛ ፍጹም ሓዘንን ሸገርገርን ኣተወ።
ኣቦኣ፡ ኣቮካቶ በርሀ፡ ንገዛ ምስ መጹ ኣደይ ለተሃይማኖት ንምንታይ ባዕልኻ ዘይነገርካኒ ኢለን ምስ በዓል ቤተን ኣንጸርጺረን ክዛረባን ክበኽያን ትዝክር ኤዶም።
ሰሎሞን ተረሺኑ ምስ ተሰምዐ ወለዱ፡ ብሰንኪ ጸጥታ፡ ክዛረብሉ ዘይክእልሉ ኵነታት ተፈጢሩ ገዛ ከፊቶም ከም ሓዘንተኛታት ምስ ሰቦም ኰይኖም ክሓዝኑን ከልቅሱን ኣይከኣሉን።
ሬሳታት ናይቶም ብደርጊ ዝተቐትሉ ሰባት ንስድራ ቤቶም ኣይወሃብን ነበረ፣ እንዳ ኣቮካቶ በርሀ ኣይኰነንዶ ሬሳ ወዶም ክረኽቡ ምርሻኑ'ውን ብዕሊ ኣይተነግሮምን።
ወለዲ ዘሕለፍዎ መከራ
በዓል ሰሎሞን በርሀ፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍትን ከቢድ ሓላፍነት ምንቅስቓሳት-ከተማ ተሰኪሞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰባት፡ ምስ ተኣስሩ፡ ምስጢራዊ መስመራት ከም ዝተሰናኸለ ተኪኤ በየነ ኣብ መጽሓፉ ብደቂቕ ኣስፊርዎ ኣሎ።
እቶም ኣብ ግዳም ኰይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዝተሓላለኸ ዓንኬላት ሕብረተሰብ ብምእታው፡ ብሓሰውትን ኣባላት ጸጥታን ተኸቢቦም፡ ብሓላፍነት ስድራቤቶምን ስርሖምን ኣብ ዝተሓጽረ ዓለም ብምእታው፡ ኣብ ጽዑቕን ሓደገኛ ዓለም ይነብሩ ነበሩ። እቶም ብኽንደይ ጥበብን ጥንቃቐን ዝሃነጽዎም ዋህዮታት ምስ ዝብርጀኑ ድማ፡ ዳግም ንኽሃንጽዎም ቀሊል ኣይነበረን።
ስርሓት ናይቶም ብስቱር ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ከተማ ተጋደልቲ ን ማእሰርትን ሞትን ተቓሊዖም ጥራይ ዘይኰነስ ድልድል ሜዳን ከተማን ኰይኖም ውልቃዊ ናብራኦም ኣወጊኖም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ወጥሪ ይሰርሑ ነበሩ።
ኣብቶም ተጋደልቲ-ከተማ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ወለዶም ዝወደቐ ኣደራዕ ቀሊል ኣይነበረን፣ እቲ ኣድካምን ኣሰልካዪን ኣደራዕ ድማ፡ ከም 'ግቡእ' ተጠቒሱ'ዩ ዝሕለፍ።
"ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ጥራይ ኣይኰነን ተዋዲዱ፣ እቲ ቃልሲ፡ ከም በዓል ሰሎሞን ሓወይ ዝኣመሰሉ ካልኦት ብጅዋት ነይሮምዎ'ዮም። ታሪኾም ከኣ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ፡" ትብል ሕብረት ነቲ ዝሓለፈ ህያው ጸበባ ብምዝካር።
"ብሓሳብን ተዘክሮታትን ሰሎሞን ተዋሒጠ ዝብሎ ዝጠፍኣኒ እዋን ኣሎ። ነዚ ዘሎናዮ ኵነታት ኣብ ግምት ኣእትየ፡ ነቲ ፍሉጥ መቓብር ዘይብሉ ሓወይ ዘኪረ ምስ ዝሓስብ፡ 'እንቋዕ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ኣይረኣየ፡' ዝብለሉ እዋን ከም ዘሎ ክናዘዝ እፈቱ፡" ብምባል ዕላላ ትድምድም።