እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተራ ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብዛ ዓለም ዝተሳናበተ ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ ዝበሃል ንታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸለወ ህቡብ ተመራማሪ-ታሪኽ ነበረ።
ፕሮፈሶር ኡሉንዶርፍ ብ 6 መጋቢት 2011 ኣብ ኦክስፈርድ (ዓዲ እንግሊዝ) ኣብ 91 ዕድሚኡ ዓረፈ።
ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ኡሉንዶርፍ ዝተቐበልኦ ዉርሻ እንታይ ኰን'ዩ?
ኡሉንዶርፍ፡ ኣብ 21 ዕድሚኡ ህርኩት ተመራማሪ ነበረ፣ ብሴማዊ ቋንቋታት ጥራይ ዘይኰነ ብታሪኽ "ምድረ-ሓበሻ'' ዀነ ቋንቋ ግዕዝ ፍሉይ ተገዳስነትን ፍልጠትን ድሮ ኣብቲ ዕድመ'ቲ ኣኻዕቢቱ ነበረ። ኰይኑ ድማ ኣድላይነቱ ብወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ (ኣብ ኤርትራ) ተፈላጥነት ረኸበ።
ብሕዳር 1941፡ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወሉ እዋን ምዃኑ'ዩ፡ ኡሉንዶርፍ ብፍልጠቱ ስለ ዝተጠልበ ብኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኣብ ኣስመራ ኣተወ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ምትእስሳሩ - መጀመርታ ምስ ኤርትራ ጸኒሑ ኸኣ ምስ ኢትዮጵያ - ቀጸለ።
ኡሉንዶርፍ ኣብ ፈለማ 40'ታት
ኡሉንዶርፍ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ቋንቋታት ተገዳስነት ስለ ዝነበሮ፡ ኤውሮጳውያን ቋንቋታት፡ እንግሊዘኛን ፈረንሳን ጣልያንኛን ጀርመንን ይመልኽ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ንምርምሩ ንክጠቕምዎ ባዕሉ ዓረብኛን እብራይስጢ ተማህረ። ካብኡ ሰጊሩ ድማ ታሪኽ ግዕዝን ኣመዓባብልኡን ከጽንዕ በቕዐ።
ንኡሉንዶርፍ ኣዝዩ ዘገድሶ ዝነበረ መጽናዕቲ ምውውስሳብ ታሪኽ ዀይኑ ምስኡ ኸኣ ስነ-ሃይማኖትን ስነ-ልሳንን ነበሩ። እምበኣርከስ እዚ ዅሉ ፍልጠትን ተገዳስነትን፡ እሞ ኸኣ ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ፡ ሒዙ'ዩ ንኤርትራ ዝመጸ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ኤርትራ ብሽወደናዊት ሚስዮን ኣቢሉ ዝተኣታተወ፡ ከምኡ'ውን ብጣልያን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ሱር ሰዲዱ ነበረ።
ብተወሳኺ ኣብ ገማግምን መታሕትን ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ብትምህርቲ ቍርኣን ኣቢሉ ዝተኣታትወ ቋንቋ ዓረብኛ ምዕቡል ነበረ።
ኡሉንዶርፍ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ምስ መጀር ደይቪድ ኩስላንድ ዝተባህለ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ሓበሬታ ኤርትራ ዝነበረ መኰነን፡ ሓቢሩ ክሰርሕ ጀመረ። ብተወሳኺ፡ ኡልንዶርፍ፡ ምስ ሚኒስትሪ ሓበሬታ እናሰርሐ እቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓርዀትኰት ይብል ከም ዝነበረ ኣስተብሃለ።
እንግሊዛውያን ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ብምትእትታዎም'ዮም ዝፍለጡ። እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝኣተዉሉ እዋን ንኵነታት ትምህርቲ ንከመሓይሹ ሓደ ካብ ዕላምኦም ገበርዎ።
ንምዃኑ፡ ኣብ ጊዜ ግዝኣት ጣልያን - ንሓምሳ ዓመት ዝጸንሐ ግዝኣት - ንደቀባት ሽድሽተ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ'የን ነይረን፣ 25 ኣብያተ ትምህርቲ ኸኣ ናይ ጣልያን።
እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ጽምኢ ትምህርቲ ከም ዝነበረ ኣስተብሂሎም ኣብ ዓመቶም ብመጀር ኪነስተን-ስነል ዝበሃል መኰነን ዝምራሕ ክፍሊ-ትምህርቲ መስረቱ።
ኣይጸንሑን፡ መምህራን ምስልጣንን መጻሕፍቲ ምሕታምን ኣብያተ ትምህርቲ ምህናጽን ከኣ ጀመሩ።
ሽዑ'ዮም ኡሉንዶርፍን መጀር ኩስላንድን እቲ ባይታ - ባህልን ፖለቲካን ታሪኽን ወረ-ዓለምን ብዘርእዩ - ጥጡሕ ምንባሩ ዘስተንሃሉ፣ ብዛዕባ ኣድላይነት ጋዜጣ ከኣ ክመያየጡ ጀመሩ።
ምውላድ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ"
ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ ኣብ ኤርትራ በታ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ" እትበሃል ጋዜጣ'ዩ ዝዝከር።
እታ ጋዜጣ ንመልክዕ ፖለቲካ ኤርትራ መገዲ ዝገልሀት፡ ዘይሰመሩ ድሌታት ህዝቢ ዘነጸረት፡ ጐስጓስ ናጽነትን ኣንድነትን ዘንቀደት'ያ ክበሃል ይከኣል።
"ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ" ብቋንቋ ዓረብኛ ክትሕተመሉ ዝጀመረት ብመስከረም 1945 ኢዩ። መብዝሕትኦም ኣስላም ኤርትራ ኣብ ናጽነት ርዒሞም ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ ምጥቃስ ኣድላዪ'ዩ።
ኣብ ዛንታና ክንምለስ፡ እቲ ጋዜጣ ንምሕታም ምዕቡል ቋንቋ ትግርኛ ዝፈልጥ ሰብ ኣድለየ። ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ከም ዋና ኣሰናዳኢ ኰይኖም ንክሰርሑ ኸኣ ተመዘዙ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣቦይ ወልደኣብ ሓለቓ ቤት-ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤት ትምህርቲ ነበሩ። ንሶም'ውን ብጊዲኦም ናይ ቋንቋታት ክእለት ዝነበሮም ሰብ ነበሩ - ቋንቋታት ጣልያንን ሽወደንን ዝኽእሉ፡ ብባህልን ልምድን ኤርትራ ዝበሰሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ዓቢዪ መምህር ነበሩ።
ኣቦይ ወልድኣብ፡ ብግዝኣት ጣልያን ዝረብረቡ፡ ሓያል ሃገራዊ ስምዒት ዝነበሮም ሰብ ነበሩ። ኤርትራ ንኤርትራውያን ዜስምዕ ሓያል ስምዒት ነበሮም። ዝዝከር'ዩ፡ ብግንቦት 1941 ኣቦይ ወልድኣብ ምስ ካልኦት ብጾቶም ኰይኖም 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ዝበሃል ማሕበር መስሪቶም ከም ዝነበሩ፣ እዚ ቅድሚ ጋዜጣ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ምምስራቱ'ዩ።
ንድሕሪት ተመሊስና እንተርአና፡ እቲ ኤርትራ ዝብል ፖለቲካዊ ኣምር ብጊዜ ግዝኣት ጣልያን (1890) ኢዩ ብዕቱብ ጀሚሩ። እንግሊዝ ንኤርትራ ዝኣተዉሉ ምኽንያት ድማ ንኤርትራውያን ካብ ግዝኣት ጣልያን ንከገላግሉ ዘይኰነስ ንጣልያን ንክስዕሩ ምዃኑ ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝምስክሩ ኣድላዪ'ዩ።
እንግሊዝ ምስ ኣተወ ንኤርትራውያን ምስ ኣምር ዲሞክራስያ ንከፋለጥዎ ኢሎም ብቋንቍኦም (ብትግርኛ) እናተመያየጡ ድልየቶም ከነጽሩ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ፈጠርሉ።
ኣቦይ ወልድኣብ ድማ፡ ደላይ ናጽነትን ኣምር ዲሞክራስያ ፈትፊቶም ዝፈልጡን ብምንባሮም፡ ስምዒታት ናጽነት ክቕስቅሱ ዕድል ረኸቡ።
እምበኣርከስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ናጽነትን ኣንድነትን (ምስ ኢትዮጵያ) በቲ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ዜበገሰቶ ምንቅስቓስ'ዩ ተጀሚሩ ክበሃል ይከኣል።
ተጻባእቲ ናጽነት ኣብቲ ወልደኣብ ዘሰናድውዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ተቓውምኦም ከነጽሩ ክኢሎም'ዮም። ጸኒሖም'ዮም ኣንድነታውያን "ኢትዮጵያ" ዝበሃል ናይ ባዕሎም ጋዜጣ ከዳልዉ ዝጀመሩ (ግንቦት 1947)።
ኡሉንዶርፍ ድሌትን ስምዒትን ወልደኣብ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ - መስራቲ "ማሕበር ፍቕሪ ሃገር" ከም ዝነበሩ - እቲ ብ"ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ኣቢሉ ዝተፈጥረ ሓድሽ ተርእዮ ግን ብቐረባ ይዕዘብ ነበረ።
እቲ "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ዘናኸሰቶ ሃገራዊ ስምዒት ንበይኑ ኣይኰነን ዝሰርሕ ነይሩ፣ በብዓይነቶም ባእታታት ጽልዋ ነይሩዎም'ዩ - ብሸነኻት ኢትዮጵያ ዀነ ጣልያን፡ ብኣንድነታውያን፡ ከምኡ'ውን ኣብያተ-ክርስትና፡ ኣስላም-ኤርትራ ጸኒሑ ኸኣ ሽፍትነት - ኵሎም በብሸነኾም ክደፍኡ ዝጀመሩ እዋን ነበረ።
እቶም ን "ናይ ኤርትራ ሰሙናዊ ጋዜጣ" ሓተታታት ተኸቲሎም ዝተኣታተዉ ምንቅስቓሳት ብጽበት ቦታ ዘርዚርና ከነቕርቦም ከቶ ኣይንኽእልን።
እቲ ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ ዝጀመሮ ጋዜጣ፡ ኣቦይ ወልድኣብ ዝተኸተልዎ መርገጺ፡ ብድሕሪኡ ዝተለዓዓሉ ምንቅስቓሳት ዉጽኢቶም ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩ ኢልና ምስጋሩ ንኽእል።
ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ ኣብ መጽናዕቲ ኢትዮጵያ
ብእዋን ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት ትርከብ ነበረት።
እንግሊዝ ንጸጥታ ሃገር ክሕልዉ እኹል ዓቕሚ ኣይነበረምን፡ ንህዝቢ ኸኣ ብስራሕ ከዐንግሉ ኣይከኣሉን። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ኰይና በቲ ዘይተጸንቀቐ ቍጠባ ጣልያን'ያ ትካየድ ዝነበረት።
ኣብ ጊዜ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ንሓድሕዱ ዘባልዕ ዓቢ ሓዊ ተኣጒዱ ነበረ ምባል ቃል ኣጋንኖ ኣይኰነን። እንግሊዝ ኣብቲ ጣልያን ዝተኸሎን ዝሰርሖን ትካላት ካብ ምምሓዉ ድሕር ኣይበሉን። ቍጠባ ንታሕቲ ገጹ ከንከራሩ ኸኣ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ዝተፈጥረ ነቓዕን ንትርኽን ተጠቕምሉ።
ብ 1946 ኡሉንዶርፍ ካብ ኤርትራ ወጸ፣ እቲ ጋዜጣ ቐጸለ፣ ምስኡ ኸኣ ኣብ ኤርትራ እቲ ዕግርግር ቀጸለ።
እቶም ኣብ ኤርትራ ዘሕለፎም ሓሙሽተ ዓመታት ግን ንመጻኢ ህይወቱ ስለ ዝጸለዉዋ ኡሉንዶርፍ ኣብ መጽናዕታዊ ምርምር ተመሊሱ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኣተወ።
ኢትዮጵያ ኸኣ ቀንዲ ዓውደ መጽናዕቱ ዀነት። ብ 1948 ኣብ ሃገሩ ተወሳኺ ትምህርቲ ብምቕሳም ብቋንቋታትን ታሪኽን ኢትዮጵያ ክመራመር ጀመረ።
ኣብ ምርምሩ ኢትዮጵያ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ምትእስሳር ከም ዘሎዋ ኣመስከረ። ከምኡ'ውን ምትእስሳር ነገስታት ኢትዮጵያ ብነገደ ዩሁዳ (ዘእምነገደ ይሁዳ) ኣቢሎም ምስ ንጉስ ሰሎሞን ንግስቲ ሳባን ብኸመይ ከም ዝራኸቡ ገለጸ።
ኡሉንዶርፍ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለሉ መጻሕፍቲ ክጽሕፍ ከኣለ።
ኡሉንዶርፍ በቲ ዝሓደሮ ዕዙዝ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ምትእስሳር ፈጠረ።
ጸጸኒሑ ኸኣ ንኢትዮጵያ ይመላለስ ነበረ። ንብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን'ውን ምሂሩ'ዩ። ንኣብነት እንዳልካቸው መኰነን ተማሃሪኡ'ዩ ነይሩ። እንዳልካቸው ብጊዜ ጃንሆን እቲ ናይ መጠረስታ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ'ዩ።
ንጉስ ሃይለ ስላሴ ኣብ ልዕሊ ኤድዋርድ ኡሉንዶርፍ እምነት ስለ ዘሕደሩ እታ ብዛዕባ ህይወቶም፡ እኳድኣ ባዕሎም ዝደረስዋ፡ 'ህይወተይን ምዓባሌ ኢትዮጵያን' ዘርእስታ መጽሓፍ ኡሉንዶርፍ ባዕሉ'ዩ ብ 1974 ተርጕምዋ።
ኡሉንዶርፍ ድሕሪ ካልኣይ ዉግኣ ዓለም ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ኣብያተ ዩኒቨርሲታት ብምምሃር ኢዩ ኣሕሊፉዎ - ትምህርቲ ኢትዮጵያን ሴማዊ-ቋንቋታትን እናመሃረ።
ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ተቐትሉ ኡሉንዶርፍ ኣዝዩ ጐሃየ። ብ 1975 ኣብ ቅዱስ ግዮርጊስ ቤተክርስትያን (ኣብ ግንቢ ዊንድሰር - ዓዲ እንግሊዝ) ንዝኽረት ንጉስ ቅዳሴ ከም ዘካየድ ይንገር።