እሱራት ኤርትራ ኣብ ዘበነ ኮሮናቫይረስ

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዝርከብ ብኮቪድ-19 ዝፍለጥ ተላጋቢ-ሕማም ኣብ ኤርትራ ምእታውን ዛጊት 35 ሰባት ከምዝተለኽፉን ብማዕከናት ዜናኡ ሓቢሩ ኣሎ።

02 ሚያዝያ፡ እታ ንኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንኽትዕዘብ ዝተመዘዘት ፍልይቲ ሪፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዳኒኤላ ክራቨዝ፡ እዚ ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ መሰረት ብምግባር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እሱራቱ ኣድህቦ ክገብር ናይ ምሕጽንታ መልእኽቲ ልኢኻ ነይራ'ያ። ምሕጽንተኣ ግን ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

እቶም ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ዝተኣስሩዎም ኮኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሕማቕ ናይ ኮሮናቫይረስ እዋን ኣብ እሱራቱ ሰብኣዊ ርህራሀ ከርእን እቲ ዝወሃብ ዘሎ ምሕጽንታ ብኽፉት ልቢ ክርእዮ ምስ ቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ለንደን እትነብር ብስራት ፍስሓጴን፡ ን 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲራ ሃለዋታ ዝተሰወረ ሓብቲ ኣላታ።

መንግስቲ ኤርትራ ንእስርቲ ሓብታ ክትርእን ክትበጽሕን ኮን ብዛዕባ ሃለዋታን ኩነታታን ስለዘይሕብር ዘይሓዊ ቝስሊ ኮይኑዋ ብቐጻሊ ከምእትሳቐ ብምግላጽ ግን ጌና ብሕልንኣ ተስፋ ከም ዘይቈረጸት "ሓደ መዓልቲ ክንራኸብ ኢና" ትብል።

"እታ ተስዓ ዓመት ዝመልአት ኣደይ'ውን ምስ ጓላ ንክትራኸብ ትጽበ ኣላ፣ ተስፋ ኣይቈረጸትን ብቐጻሊ ንኣስቴር ትጽልየላ'ያ" ብምባል ንብዓት ቁጽርጽር እናበላ ዘረብኣ ትገትእ።

ጸኒሓ ነብሳ ኣህዲኣ ዘረብኣ ብምቕጻል፣ "ህልው ኵነታት ኤርትራ ኣይጠፍኣንን'ዩ፣ ኣይኰነንዶ እቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ'ውን ኣይጠፍኦን'ዩ። ኣብታ ሃገር ቅሳነትን ርግኣትን እንተዝነብር፡ ኤርትራ ዓባይ ቤት-ማእሰርቲ'ያ ዝብል ቅጽል ስም ኣይምተዋህባን፣ ሰብ ካብ ሃገሩ ኣይምወጽአን፣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ድማ ንሃገሩ ምተመልሰ፣ ኤርትራ ኸኣ ምሓለፈላ" ትብል፡ ብሩህ መጻኢ ኤርትራን ንኽትርኢ እናተተስፈወት።

ብኵነታት ሓብታ ክትሓስብ እንከላ ዓለም ከምዝጽልምታ እትዛረብ ብስራት " ኵነታታ ወግሐ-ጸብሐ ካብ ቀልበይ ኣልጊሱ ኣይፈልጥን። ንእስነታን ህይወታን ብዝሃበትሉ ቃልሲ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ተኣሲራ ክትስወር ዘሕዝን እዩ" ኢላ ብምስትንታን፡ "ኣብ ርእሲ ኣላታ ከምዝበሃል፡ ሕጂ ኸኣ ኮሮናቫይረስ ተወሲኽዎ ... ኣይኰነን'ዶ እቲ ኣብ ዉሽጢ ቤት-ማእሰርቲ ዘሎ እቲ ዘይተኣስረ'ውን ከይተረፈ ከብዱ ሓቚፉ ኣሎ" ብምባል፡ ኵነታት ክንክን ጥዕና መባእታዊ ብምዃኑ፡ ብሓፍታን ህዝባን ትሻቐል። እተን ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበሩ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምዕጻወን ከኣ ተወሳኺ ኣደራዕ ከምዝኸውን ትዛረብ።

ኣስቴር ፍስሓጽዮን ናይ ሰብዓታት ተጋዳሊት ኰይና ብማእሰርታ ቆላሕታ ዓለም ዝረኸበት፡ ብኣህጕራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት ብዙሕ ዝተዘርበላ ሰብ'ያ።

ብስራት ኣስቴር ሓፍታ "ብ2001 ምስ ብጾታ ነባራት ተጋደልቲ፡ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ቅኑዕን ቅሉዕን ገምጋም ዝሓለፈ ጉዕዞ ክግበርን፡ ናብ ህዝቢ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክካየድን ኣብ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ፌርማኣ ስለዘንበረት ጥራይ ን19 ዓመት ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ምእሳራ ገበን እዩ" ትብል።

ኣስቴር ካብ 2001 ክሳብ ሕጂ ሃለዋታ ዘይተረኽበ፡ ብኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል ናይ 'ሕልና እስርቲ' መጸውዖ ዝተዋህባ ሰብ'ያ።

ጸዳል ዮውሃንስ

ጸዳል ዮውሃንስ እውን ሓብቲ ኣስቴር ዮውሃንስ'ያ። ኣስቴር ሓፍታ ብ 11 ታህሳስ 2003 እያ ተኣሲራ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸኣ ብዘይ ወግዓዊ ክሲ፡ ብዘይ ቅሉዕ ፍርዳዊ መስርሕ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከርተት ትብል ኣላ።

ኣስቴር ዝፈጸመቶ ብዕሊ ዝተገልጸ ገበን የብላን - ንደቃ ክትእክብ ኢላ ካብቲ ሽዑ ትማሃረሉ ዝነበረት ሃገር (ሕ.መ.ኣ.) ንኣስመራ ምስ ኣተወት ኣባላት ጸጥታ ካብ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣስመራ ጨውዮም ወሶዶሙዋ።

ኣስቴር ነባር-ተጋዳሊት'ያ። በዓል-ቤታ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን ኣብ ሜዳን ናጻ ኤርትራን ብልዑል ሓላፍነት ዘገልገለ ነባር ተጋዳላይ'ዩ።

ጴጥሮስ ብ18 መስከረም 2001 ምስ ካልኦት መራሕቲ ገድልን ድሒሩ ኸኣ መራሕቲ መንግስትን ኰይኑ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ብዝጸሓፎ ክፉት ናይ ምሕጽንታ ደብዳቤ ምኽንያት ምስ ተኣስረ፡ ኣስቴር ደቃ ንትክሕብሕብ ንኣስመራ ተመልሰት። ከም ዝሓሰበቶ ኣይኰነላን፣ ንሳ ባዕላ'ውን እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣተወቶ። እንሆ ኸኣ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ መበል ዓሰርተ-ሸውዓተ ዓመታ ሒዛ ትርከብ።

ጸዳል በቲ ዳኒኤላ ክራቪዝ ዘቕረበቶ ምሕጽንታ ክትዛረብ ከላ "እታ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ጽሑፍ ፍርሀይን ስምዒተይን'ያ ኣቃሊሑ'ዩ። ብፈጠራ ኣይኰነን ተጻሒፉ። ኣስቴር ሓብተይ ተኣሲራ ኣላ፣ እዚ መንግስቲ ንማእሰርቲ ሓብተይ ከም ምስጢር ክሕዞ'ኳ እንተ ፈተነ ክሕባእ ዘይክእል ሓቂ'ዩ። ኣስቴር ጓል ሰብ'ያ፣ በዓል-ቤት ኣሎዋ፡ ቆልዑ ኣሎዋ፡ ኣደ ኣላታ፡ ኣሕዋት ኣለውዋ፡ ዓዲ ኣሎዋ ... መቓልስቲ ኸኣ ነይሮማ ... ምህዞ ኣይኰነትን፡ ናይ ሓቂ ሰብ'ያ። ዳኒኤላ ክራቨዝ ዝጸሓፈቶ ድማ ሓቂ'ዩ፣ አመስግና ኸኣ። ኣብቲ ኣስቴር ሓብተይ ተኣሲራትሉ ዘሎ ቦታ እዚ ዘይምሕር ኮቪድ-19 ሕማም ምስ ዝኣቱ መን'ዩ ብህይወቱ ክተርፍ?" ድሕሪ ምባል እቲ መንግስቲ ኤርትራ ንክራቪዝ ዝሃባ መልሲ፡ ብቑዕ መልሲ ከም ዘይኰነ ትገልጽ።

ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ክራቪዝ ከምዚ ዚስዕብ ነበረ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና እንተኣትዩ ከቢድ ሃስያ ከውርድ ስለዝኽእል መንግስቲ ክፈትሖም ወይ ድማ ንኵነታቶም መፍትሒ ክገብረሉ ዝጽውዕ እዩ።

ክራቨዝ ብተወሳኺ ከም ዘመልከተቶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ከም ዝበሎ፡ በቲ ሕማም ምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታት ኣስጋኢ ምዃኑ ንዓለም ካብ ኣቃልሐ፡ ኵነታት እሱራት ብዝያዳ ኣስጋኢ ከም ዝኸውን ኣይንስሕቶን - እቲ ሳዕቤን ናይዚ ለበዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኣዕናዊ ዉጽኢት ክህልዎ'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ድኹም ስለ ዝዀነ፡ ብስነ-ጥዕናዊ መዳይ'ውን (ጽሬት) ስለዝወሓድ መንግስቲ ፍታሕን ምሕረትን ክገብር እያ ተማሕጺና።

ጸዳል፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነጸጎ ጻውዒት ምርኩስ ብምግባር "መንግስቲ ሓቂ እንተድኣ ኣሎዎ ዀይኑ ማእሰርትን መእሰሪ ምኽንያትን ኣስቴር ሓብተይን ብጾታን ጠቒሱ'ዩ መልሲ ክህብ ዝግባእ" ብምባል ብነድሪ ትምጉት።

ጸዳል፡ ብቐጻሊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድርኽ ብምውጻእ ብማእሰርቲ ሓብታ ዓገብ እናበለት ክትጉስጉስ ጸኒሓን ኣላን።

ሰምሃር ሃብተጽዮን

ኣባል 5ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰምሃር ሃብተጽዮን እውን ንወላዲኣ ብሪጋዴር ጀነራል ሃብተጼን ሓድጉ ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ ከተማ በርሊን ምስ ረኣየቶ ብድሕሪኡ ኣይረኸበቶን። ጀነራል ሃብተጽዮን ኮማንደር ናይ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ'ዩ ነይሩ።

"ባብየ ምስ ተኣስረ ሓቂ ዀይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ፣ ንነዊሕ እዋን ድማ ሎሞ-ጽባሕ ክፍታሕ'ዩ ዝብል እምነት ነይሩኒ፣ ኣይኰነን ግን ... ለካ ጸላኢ ክኣስረካን ብጾትካ ክኣስሩኻን እንከለው ዓቢ ፍልልይ ኣሎዎ'ዩ። ባብየ ብብጾቱ ተኣሲሩ ሓቒቑ ክተርፍ ንዓይ ቃንዛ እዩ" ብምባል ብናፍቖት ትዛረብ።

ኣቦይ ትብል ሰምሃር " ሓሳቡ ክገልጽ ድሕር ዘይብል ሓቀኛ፡ ንዓይ ከኣ ብብዙሕ ሕንቃቐ ዘዕበየኒ ቀንዴለይ እዩ ... ኣብ መናድቕ-ገዛይ ስእልታቱ ጠቂዐ ንደቀይ ኣባሓጎኦም እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ እናነገርኩ አዕብዮም ኣሎኹ" እናበለት ኣምሪራ ትዛረብ።

" ነቦይ ሓንሳብ የደስክልዎ፡ ይኣስሩዎ፡ ይፈትሕዎ፡... ኣብ ስርሑ ይዕንቅፍዎ ስለዝነበሩ ሕጉስ ኣይነበረን። ብሓጺሩ ሰላም ክነብር ኣይከኣለን" ትብል። "ኣብ መጠረሽትኡ ድማ ኣሲሮም ሰዊሮምዎ!" ብማለት ምስ'ዚ ኣብ እትነብሮ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ እንተኣትዩ እንታይ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ኣዝዩ የሻቕላ።

ሰምሃር፤ ከም ኢራን፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ቱርኪ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኮቪድ-19 ኣብ ቤት ማእሰርተን እንተኣትዩ ጸገም ከኸትል ከምዝኽእል ብምስጋእ ብልቦና እሱራት እናፈትሓ መንግስቲ ኤርትራ ጻውዒትን ምሕጽንታን ዜጋታቱ ሰሚዑ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ብልቢ የሕዝና።

ዳኒኤል ወልደትንሳአ

ዳኒኤል ወልደንትሳአ ሓው ሃይለ 'ድሩዕ' ወልደንትሳአ ኢዩ። ሃይለ ድሩዕ በቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራን ናጻ ኤርትራን ዘበርከቶ ዕማም ኣብ ዉሽጥም ወጻእን ዓቢ ዝና ዘሎዎ ተጋዳላይ/በዓል መዚ ነበረ። እንሆ ኸኣ ካብ ዝእሰር 19 ዓመቱ መሊኡ ይርከብ።

ዳኒኤል ብማእሰርቱ ሓዉ ቀጻሊ ዝጕስጕስ፡ ወጽዓ ሓዉ ንዓለም ዝነግር፡ ብመሰላት ደቂ-ሰብ ዝጣበቕ ሰብ'ዩ። ዳኒኤል "ኣብ ቤተ-ሰብና ዝወረደ ግፍዒ ንማንም ሰብ ኣይምነየሉን። ንሃይለ ሓወይ ብምእሳሮም ንዓይን ንቤተ-ሰበይን መቕርብናን ብምሉኣትና ኣሲሮሙና እዮም - ብዛዕብኡን ብዛዕባ እቶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ዘለው ብዱላት ለይትን መዓልትን ስለእንሓስብ ንሕና እውን እሱራት ኢና። ርእይቶኻ ስለዝተዛረብካን ስለዝጸሓፍካን ከም ገበን ክረአ ዓገብ እዩ" ይብል።

ኤርትራውያን ፈተውቲ ሃገሮም ክነሶም ብልቦም ካብ ኤርትራ ርሒቖም ክነብሩን ተመራሪሖም ንስደት ከምርሑን ምርኣይ ዘሰምብር እዩ ዝብል ዳንኤል እቲ ግቡእን ግዴታን እምበር መሰል ዘየፍቅድ ስርዓት ብምሕጽንታ ህዝቢ እሱራት ክፈትሕን ፍታሕ ክገብርን ይኸእል'ዩ ዚብል እምነት የብለይን" ይብል።

ሃይለ ድሩዕ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ምሂሩን ኣሰልጢኑን፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ ክፍልታት ሰሪሑን ኣስሪሑን'ዩ፣ ሕጂ ግን ካብ ዝእሰር ደሃይ የብሉን።