ፍረድ ሆለውስ፡ ንዝጸልመቶም ብርሃን ዝዓደለ ስሙይ ሓኪም-ዓይኒ መሓዛ ኤርትራ

ፍረድ ሆሎውስ፡ ኣብ ሃገሩን ወጻእን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድኻታት ካብ ዑረት ዘድሓነ ጎብለል ብምዃኑ ኣብ ዓለምና ዓቢ ስም ዘትረፈ ውስትራልያዊ ሓኪም-ዓይኒ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ 1990 እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ኣውስትራልያዊ ዜጋ ተባሂሉ ብወግዒ ተጸንበለ።

እዚ "ቀንዲ ተልእኾና ኣብዛ ዓለም ንሓድሕድና ንክንተሓጋገዝ'ዩ" ብምባል ደገፉ ንዓለም ዝወፈየ ዓቢ ሓኪም-ዓይኒ፡ ብሕማም መንሽሮ ኣብ ዘይግዜኡ ካብዛ ዓለም ኣብ መበል 64 ዕድሚኡ ብምፍላዩ ንብዙሓት ዘሕዘነ'ዩ ነይሩ።

"ፍረድ ሆሎውስ ንዓሰርተ ዓመታት ብህይወቱ ጸኒሑ እንተ ዝነብር ነይሩ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ለውጥታት ከተኣታቱ ምኸኣለ" ብምባል ዓርኩ ቶም ከኒሊ ይምስክረሉ።

ሎሚ ንልግስን ለውሃትን ዉርሻታትን ፍረድ ሆሎውስ እንዝክረሉ መዓልቲ'ዩ፣ ልክዕ ከምዛ ሎሚ፡ ብ10 ለካቲት 1993 ስለዝተፈልየና።

እቲ ዘገርም፡ ፍረድ ሆሎውስ ድሕሪ ምስንባቱ'ውን ካብ ስርሑ ኣየዕረፈን፡ እቲ ንሱ ዝተኸሎ ትካል (Fred Hollows Foundation) ጌና ብትግሃትን ብውጽኢታዊ ኣገባብን ይሰርሕ ስለዘሎ። እንኮላይ ኣብ ኤርትራ።

እቲ ብስሙ ዝቖመ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰባት ብዛዕባ ሆሎውስ ዘለዎም ዝኽርታት ኣብ ትዊተር ከካፍሉ ሓቲቱ ነይሩ። ብኡ መሰረት ሓንቲ ቶኒ ዝተባህለት ዝኽራ ክትገልጽ እንከላ፡ "ዓመታት ይገብር፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሓንቲ ኤርትራዊ ዝዝውራ ታክሲ እንከለና፡ እቲ ኤርትራዊ ካብ ኣውስትራልያ ምዃንና ምስ ፈለጠ፡ ብዛዕባ ፍረድ ዘለዎ ኣደናቖት ገሊጹልና። ፍረድ ሞይቱ እንድዩ ምስ በልክዎ፡ ድምጹ እናንቀጠቀጠ 'ፍረድ ሆሎውስ ኣይመውትን'ዩ ኢሉና። ነቢዕና" ክትብል ጽሒፋ።

ፍረድ፡"ዓይኒ ዓይኒ'ዩ፣ መጥባሕቲ ዓይኒ ኣገዳስነቱ ብማዕረ'ዩ ዝርአ - ኣዒንቲ መራሕ-መንግስቲ ይዅን ንጉስ!" ይብል ስለ ዝነበረ ብዙሓት ሰባት በቲ ተጠቃስን ደራኽን ቃላቱ ይዝክርዎ።

ፕሮፌሰር ሆሎውስ ብዘረብኡ ጥራይ ዘይኰነስ ብግብራዊ ጐስጓሱ'ዩ ዝዝከር። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብርሃን ዓይኖም ስኢኖም፡ ሰኣን ንእሽቶ መጥባሕቲ-ዓይኒ ብሰብ ተመሪሖም ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት፡ ብነብሶም ክሓድሩ ገይሩ'ዩ።

ቆላሕታ ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ድኻታት ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ፈላጢኡ፡ ኣውስትራልያዊ ጸሓፋይ ቶም ከኒሊ፡ ይምስክረሉ። ኩሉ ሰብ ብዝተመጣጠነ ዋጋ ክንክን-ዓይኒ ንክረክብ መሰል ኣሎዎ ይብል ከም ዝነበረ ከኒሊ ይዛረብ።

ዜጋታት ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት እኹል ክንክን-ዓይኒ እናረኸቡ ኣህዛብ ናይ'ተን ኣብ ጐደና ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ግን እቲ ክንክን ከም ዝተሓረመን ዓው ኢሉ ዝምጕተሉ ሓቂ ነበረ።

ብህይወቱ ኣብ ዝነበረሉን ድሕሪ ሞቱን ናቱ ትካላት ኣብ ካምቦድያ፡ ኢንዶነዝያ፡ ላኦስ፡ ቲሞር (ምብራቕ)፡ ፊሊፒንስ፡ ቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሚያንማር፡ ቬትናም፡ ኣፍጋኒስታን፡ ነፓል፡ ፍልስጢኤም፡ ባንግለደሽ፡ ፓኪስታን (ምብራቕ) ተተኺሉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኸኣ ኣብ ቡሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ኤርትራ። ብዓቢኡ ኸኣ ኣቦሪጂናውያን ዝነብርሉ ዞባ ናይ ኣውስትራልያ።

ጕዳይ ፕሮፈሰር ሆሎውስን ኤርትራን ፍልይ ዝበለ ዛንታ ስለ ዘሎዎ ንሕጂ ቆላሕታና ኣብኡ ክንገብር ኢና። ብቀዳምነት ግን ምስክርነት ቶም ኪኒለ እነሆ፦

ምስክርነት ቶም ከኒ

ቶም ኪኒለ ምስ ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ፖለቲካዊ ኣኼባታት ኢዮም ብሰማንያታት ተራኺቦም። ኣብቲ እዋን'ቲ ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ኣውስትራልያ ዓቢ ስም ከጥርየሉ ዝጀመረሉ እዋን ከምዝነበረን ንጥዕናዊ መሰል ኣቦሪጂናውያን (ቀንዲ ደቀባት ኣውስትራልያ) ክጣበቐሎም ዝጀመረሉ እዋን'ን ነይሩ።

ኣቦሪጂናውያን ብቑዕ ክንክን ዝጐደሎም፡ መሰላቶም ብግቡእ ዘይተሓለወሎም፡ ቍጽሮም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኰይኑ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣውስትራልያ ተዘሪኦም ዳርጋ ኣብ መዓስከራት ተሓጺሮም ዝነብሩ ህዝቢ'ዮም ነይሮም። ሕጂ'ውን እንተዀነ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዝሓሸ ኣተኣላልያ ክገብረሎም ጐስጓሳት ይካየድ'ዩ። ሓደ ካብ'ቶም ናይ ሽዑ ሓያላት ጐስጐስቲ ፍረድ ሆሎውስ ከም ዝነበረ ቶም ከኒሊ ንዓርኩ ይምስክረሉ።

"ፍረድ ሓያልን ተሰማዕነት ዝነበሮን ዜጋ'ዩ ነይሩ። ብቐሊሉ ሰዓብቲ ኣብ ምጥራይን ምኽታት ዓቕሚን ዝነበሮ ሰብ ብምንባሩ፡ ክንክን ኣቦሪጂናውያን ሓዲግ ምንባሩ ምስ ኣስተውዓለ ጽዑቕ ጐስጓስ ጀመረ፣ ምናዳ ብሕማም ዓይኒ ዘርኢ ጕዳይ" ይብል ቶም።

ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ሞንጎ ኣቦሪጂናውያን ዝነበረ ሕማም ዓይኒ ምስ ኣስተውዓለ ዓገብ ክብል ጀመረ፣ ብዙሕ ሰብ ከኣ ሰዓቦ። እቲ ጕዳይ ከም ዓቢ ጕድ መንግስቲ ክርአ ጀመረ፣ ኣይጸንሐን ድማ እቶም ዘድልዩ ክንክናትን ሓገዛትን ቀስ-ብቐስ ክውሕዙ ጀመሩ። ምስኡ ኸኣ ንቕሓት ኣውስትራልያውን ክብ ክብል ከም ዝገበረ ቶም ከኒሊ ይምስክር።

ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ርክብ ግን ፍልይ ዝበለ ከም ዝነበረ፡ እቲ ፈለማ ርክብ ከኣ ብፍስሃየ ኣብርሃም ዝበሃል ኤርትራዊ ከም ዝጀመረ ኪነሊ የዘንቱ።

ጕዕዞ ናብ ኤርትራ

ኣብ ሓደ 'ምርኣይ ምእማን'ዩ' ("Seeing is Believing") ዝብል መጽሓፍ ሰፊሩ ከም ዝርከብ፡ ብ1978 ሓደ ፍስሃየ ኣብርሃም ዝበሃል ኤርትራዊ ናብ ኣውስትራልያ ተሰደደ።

ፍስሃየ ብሕማም ዓይኒ (ትራኮማ) ይሽገር ስለ ዝነበረ ሓደ መዓልቲ ናብቲ ፍረድ ሆሎውስ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሆስፒታል ንክሕከም ይኸይድ። እዚ ኣብ 1980 ገጹ ምዃኑ'ዩ።

ዶ/ር ሆሎውስ ንፍስሃየ ኣበይ'ዩ ዓድኻ ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ኤርትራ ክብል መለሰሉ። መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ምናዳ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኤርትራ ኣይኰነንዶ ኣበይ ከም እትርከብ ህላዌኣ ዝፈልጡ ሰባት ሒደት'ዮም ነይሮም። ዶ/ር ሆሎውስ ብዛዕባ ኤርትራ ሓበሬታ ስለ ዝነበሮ ፍስሃየ ገረሞ። ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ዕላሎም ጀመሩ።

ፍስሃየ ተገሪሙ ዕላሉ ቀጸለ፣ ብዛዕባ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ንፍረድ ሆሎውስ ከዘንትወሉ ጀመረ። እቲ ዝሰፍሐ መሬት ኤርትራ ሓራ ወጺኡ፡ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ኣሕጺሩ ክገልጸሉ ጀመረ።

"እሞ ሓካይም ኤርትራ ነቶም ዉጉኣት ክሕክሙ ስራሕ ይበዝሖም ይኸውን" ክብል ፍረድ ዘለዎ ግምት ይገልጽ።

ፍስሃየ ኸኣ ትቕብል ኣቢሉ "እወ 21 ሓካይም ኣለዉና፡ ስራሕ ይበዝሖም'ዩ" በለ።

"ካብ'ዞም ሓካይም ክንደይ ዝኣኽሉ ሓካይም-ዓይኒ ኣለዉ?" ክብል ደጊሙ ሓተተ።

"ሓደ ሓኪም-ዓይኒ ኣሎ፣ ንሱ'ውን ወግዓዊ ሓኪም-ዓይኒ ዘይኰነስ ብናቱ ተሞኵሮ ዓቕሙ ኣማዕቢሉ" ክብል ፍስሃየ መለሰ።

ፍረድ ሆሎውስ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ቬትናም ዝበጽሓሉ እዋን 600 ሓካይም-ዓይኒ ከም ዝነበሮም ተዘከሮ ይብል እቲ መጽሓፍ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ፍስሃየ ስሩዕ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ኣብ 1978 ኣብ ሲድኒ (ኣውስትራልያ) ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ) ዝበሃል ትካል የማሓድር ነበረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ሸውዓተ ኤርትራውያን ጥራይ ኣብ ኣውስትራልያ ይርከቡ ነበሩ። ዝኾነ ኰይኑ፡ ፍስሃየ ተሓኪሙ ብዛዕባ ኤራትራ ዝገልጽ ወረቐት ከኣ ንዶ/ር ሆሎውስ ገዲፉሉ ከደ።

ኣብ ዓመቱ ፍስሃየ ምስ ፍረድ ሆሎውስ ምስ ተራኸበ ሓደ 'ገድልና' ዘርእሱቱ ቪድዮ-ካሰት ኣርኣዮ። ብዛዕባ ኵነታትን ተወፋይነትን ከምኡ'ውን ሽግራትን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ገለጸሉ። በዚ ርክቦም ክጸንዕ ጀመረ።

ብኣጋጣሚ ፍስሃየ ኣብ ከባቢ ዶ/ር ሆሎውስ ዝነብረሉ ዝነበረ ምስ ገዓዘ ጎረባብቲ ኮይኖም ደጋጊሞም ክራኸቡ ጀመሩ። ፍረድ ሆሎውስ ተገዲሱ ብቃልሲ ኤርትራ ከጽንዕን ክደናገጽን ጀመረ።

ኣብ በረኻታት ኤርትራ ክንክን ጥዕና እኹል ከም ዘይነበረ፡ ህዝቢ ድማ ብሕማም ዓይኒ ይጥቃዕ ከም ዝነበረ ተገንዘበ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ1982 ምዃኑ'ዩ፡ ፍረድ ሆሎውስ ብሮማ (ዓዲ ጣልያን) ብስራሕ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፡ ፍስሃየ ንቤት ጽሕፈት ኤራ ኣብ ሮማ ክበጽሕ ተማሕጸኖ። ብድሕሪኡ ከኣ ፍረድ ብዛዕባ ገድሊ ኤርትራ ክጕስጕስ ጀመረ። ሓደ ካብ'ቲ ቀዳማይ ፕሮጀክቱ ካብ መንግስቲ $20 ሺሕ ገንዘብ ኣዋጺኡ ነቲ እንኮ ሓኪም ዓይኒ ካብ ሜዳ ንወጻኢ መጺኡ መጥባሕታዊ ትምህርቲ ንክቐስም ነበረ።

እቲ ኤርትራዊ ሓኪም ተጋዳላይ ደስበለ ገብረጊዮርጊስ ዝበሃል ነበረ። ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ጽንኩራት ዉግኣት ይካየዱ ስለ ዝነበሩ ደስበለ ካብ ሜዳ ዉጉኣት ገዲፉ ክወጽኣ ኣይከኣለን። ብተወሳኺ ደስበለ መንቀሳቐሲ ፓስፖርት ኣይነበሮን። ስለዚ እቲ ጕዳይ ንሰለስተ ዓመታት ተመጠጠ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ደስበለ ተዓወተ።

ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ግብጺ ንኣኼባ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብሱዳን ኣቢሉ ንሜዳ ኤርትራ ወረደ። ብክንደይ ጸበባ ድማ ኣብ ኦሮታ፡ መደበር ሕክምና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ በጽሐ። ኦሮታ ንፍረድ ሆሎውስ ዓይኒ ከም ዝኸፍት ገበረት - በቲ ዝተዓዘቦ ሽግርን ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርን ተመሰጠ።

ንኣውስትራልያ ምስ ተመልሰ ብዛዕባ ተመክሮኡ ብኣድናቖት ክዛረብ ጀመረ። ተጋደልቲ ካብቲ ዘይነበሮም ትሕዝቶ ሕክምና፡ እንኮላይ ናይ ዓይኒ፡ ከካይዱ ብምዕዛቡ ትዕዝብቱ ንኹሉ ከካፍል ጀመረ። ምስ ኤራ ተጸንቢሩ ድማ ተጋደልቲ ርእዮሞ ዘይፈልጡ እቲ ዝዓበየ ጐስጓስ ከካይድ ጀመረ።

ፍረድ ሆሎውስ፡ ንደስበለ ብግቡእ ኣሰልጢኑ ብሓደ ሓኪም ኣሰንዩ፡ ናውቲ ሕክምና ኣሰኪሙ ንሜዳ ኤርትራ ኣፋነዎ። ሕክምና-ዓይኒ ኸኣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክስስን ጀመረ። እቶም ሓካይም ተጋደልቲ ግን መሳርሒ ይጕድሎም ስለ ዝነበረ ፍረድ ሆሎውስ ብዝከኣሎ መዳይ ነቲ ሽግር ከቃልል ጸዓረ።

እቲ ዝተረፈ ታሪኽ'ዩ። ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እቲ ዝዛየደ ሓገዝ ናውትን ገንዘብን ካብ ኣውስትራልያ ክትረክብ ከኣለት።

ኣብ1994፡ ትካል ዓይኒ ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ኤርትራ ተተኽለ፣ ኤርትራ ብሕክምና ዓይኒ ሰደረት፡ ብሳላ ፍረድ ሆሎውስ። ከምኡ'ውን ብሳላ ፍስሃየ ኣብርሃም - ድሕሪ ናጽነት ቀዳማይ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ኰይኑ ዝተመዘዘ ጻዕረኛ ሰብ።

ናይ ዓይኒ ለንስ ካብ ወጻኢ ክትጠልብ ክቡር'ዩ፣ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ምስ ዝስራሕ ግን ዋግኡ ኣዝዩ ለጠቕ ስለ ዝብል (ብሓደ ዕሽሪት ስለ ዝጐድል) ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ትካል ከም ዝህነጽ ተገብረ። ኤርትራ ከም ሞዴል ተቘጺራ ድማ ኣብ ኵለን እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ትካላት-ረዲኤት ክቘማ ከኣላ።

እታ ኣብ 1991 ሓርነታ ዝተጎናጸፈት ኤርትራ ብወገና፡ ውዕለታ ንምምላስ ኣብ ፈለማ ዓመታት ንዶ/ር ፍረድ ሆለውስ ናይ ክብሪ ኤርትራዊ ዜግነት ብምሃብ ንቀንዲ መሓዛኣ ምስጋናኣ ገሊጻ።

'ንኤርትራ ክምለስ እንተ ዝኽእል ነይሩ ...'

ቶም ከኒሊ ከም ዝበሎ፡ ፍረድ ሆሎውስ ድምብርጽ ዘይብሎ፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ፡ ኣዝዩ ጻዕረኛን ሓያልን ሰብ ነበረ። ኰይኑ ድማ ዝገበረ ገይሩ፡ ምስ ብዙሓት ገጢሙ፡ ገንዘብ ኣዋጺኡ፡ ንሓካይም ኣኽቲቱ፡ መንግስቲ ኣውይስትራልያ ንኤርትራ ክልግስ ብምግባሩ፡ ሓካይም ከሰልጥን ብምኽኣሉ እቲ ዝዓበየ ንድኻታት ሃገራት ኣበርክቶ ዝገበረ ወጻእተኛ ሰብ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

"ፍረድ ንኤርትራ ክምለስ እንተ ዝኽእል ነይሩ" ይብል ቶም ከኒሊ፡ "እቲ ናይ ዓይኒ ትካል ጌና ይሰርሕ ብምህላዉ፡ ኤርትራውያን ከኣ የካይድዎ ከም ዘሎዉ እንተ ዝርኢ ደስ ምበሎ።

"ፍረድ፡ ከም ሚስዮናውያን ኴንና ምስራሕ ደው ከነብሎ ኣሎና፣ ነቶም እንሕግዞም ሰባት ባዕላቶም ነቲ ስራሕ ከመሓድርዎን ከካይድዎን ይግባእ .. እቲ ኣምር'ቲ ኣብ ኤርትራ ሰሪሑ'ዩ።

ብተወሳኺ ኪኒሊ ከም ዝበሎ፡ "ፍረድ ብቐጥታ ክዛረብ ስለ ዝመርጽ በቲ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ግጉይ መገዲ ነቶም መራሕቲ ዓው ኢሉ ሓሳቡ ምገለጸሎም ነይሩ ዚብል እምነት ኣሎኒ።

"ፍረድ ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ ከም ዝዝከር ኣይጠፍኣንን'ዩ" ይብል ቶም ከኒሊ። "ግናኸ፡ ጌና በቲ ዕግንግን ዝብል ዘሎ፡ መዕለቢ ዝደሊ ዘሎ ህዝቢ ክዝከር ኣይምደለየን ኰይኑ ይስምዓኒ" ክብል ብዛዕባ ሓፈሻዊ ህሉዊ ኩነታት ይትንክፍ።

ፍረድ ሆሎውስ ብመንሽሮ እናተሳቐየ ኸሎ ንራብዓይ ጊዜ ናብ ኤርትራ ከይዱ መጥባሕትታት ኣካየደ፣ እኳድኣ ንዘይፈልጦምን ብኣካል ረኺቡዎም ንዘይፈልጥ ሰባት።

ንኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ማእከል መጥባሕቲ-ዓይኒ ንኽትከውን ብዙሕ ጽዒሩ" ብምባል ቶም ኪኒሊ ብኣስተንትኖ ይዝክር።

ፍረድ ሆሎውስ ኣብ ምድረበዳ ኣውስትራልያ - ኣቦሪጂናውያን ዝነብሩሉ - ካብቲ ንሱ ዝተኸሎ ትካል-ረዲኤት ክልተ ኪሎሜትር ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ተቐብረ። "ስሙ ክዝከር ኢሉ ሰሪሑ ኣይፈልጥን" ይብል ቶም ኪኒሊ። ኣንጻር ክፍወስ ዝከኣል ዑረት ምሉእ ህይወቱ ጽዒሩሉ - ኣብ ኢስያ ይኹን ኣፍሪቃ።

"ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑልና ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣብ ዓለምና ዓቢ ለውጢ ከተኣታቱ ምኸኣለ ነይሩ ኢለ እኣምን" ክብል ቶም ኪኒሊ ዘረባኡ ይድምድም።