እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኣሽሓት ፊደል ዘቑጸራ ሓፍቲ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም መምህር ኣስቴር
መምህር ኣስቴር ወልደማርያም፡ ብዘመን ጣልያን ሓንቲ ካብ'ተን ቀዳሞት መምህራን ነበራ። ኣብ ዓድ'ዉግሪን በለዛን ኣብ ናይ ሚስዮን (ሽወደን) ተማሂረን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዘይረኸባ ደቂ ኣንስትዮ ንክመሃራ መንገዲ ዝኸፈታ ዓባይ መምህር እየን።
መምህር ኣስቴር ብ1900 ኣብ ዓዲ ዛርና ተወልዳ፣ ብ2000 ካኣ ኣብ ዑቝባ ጓለን፡ ናእሚ፡ ሓደ ወርሒ ቅድም ሚእቲ ዓመት ምምልአን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዓረፋ።
ስድርአን ብሓልዮት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን (ከኒሻ) ዝተመልመሉ፡ ንሸሞንተ ደቆም ዘመናዊ ትምህርቲ ንክመሃሩ ዝከኣሎም ዝጸዓሩ ሕያዎት ሓረስቶት ስድራ ነበሩ።
ኰይኑ ድማ ወ/ሮ ኣስቴር ኣብ ዓድ'ዉግሪ፣ ጸዓዘጋን ኣስመራን፡ ጸኒሐን ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተማሃሮ ዝመልመላ መምህር ብምንባረን እየን ዝዝከራ።
ንመዘከርታ መምህር ኣስቴር ወልደማርያም፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣዴታት፡ ብክሪስተል ኣረንስ / ኤቢስ ኣሻና ዝተሰናድአ "In Memory of Them: Women Witnessing to Christ in Ethiopia (1870-2019)" ዘርእስቱ መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣሎ።
ትሕዝቶ'ቲ መጽሓፍ ኣስተዋጽኦ ፍሉጣት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን (ኢትዮጵያ) ኢዩ ዝጽብጽብ። እተን ኣሰናዳእቲ ነቶም ፍሉያት ዛንታት ኣኪበን ኣብ ዝተኸናወነ ታሪኻዊ ኵነት ብምስኳዕ ንዝሓለፉ 150 ዓመታት ዝሽፍን ዛንታ ብምቕራበን ክምስገና ይግባእ።
እቲ ዛንታ ብጉስታቫ ሉንዳል (1839 - 1872) ኢዩ ዝጅምር።
ጉስታቫ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ባጽዕ እቲ ቀዳማይ ቤት-ትምህርቲ ዝተኸለት ሚስዮናዊት (1871) ነበረት። ሕልሚ ጉስታቫ ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ኣብ ኢትዮጵያ ንምኽፋት ነበረ። ግናኸ ኣብ 33 ዕድሚኣ ብሕማም ሕርሲ ሞተት።
ስለዚ ኣብቲ መጽሓፍ ተሞኵሮታት ናይ ዝተፈላለያ ደቂ ኣንስትዮ - ኣብ ስራሓት ሚስዮን ዝተሳተፋ - ቀሪቡ ኣሎ፣ እንኮላይ ዛንታ መምህር ኣስቴር ወልደማርያም።
መምህር ኣስቴር ብዓይኒ ደቀን
"ኣደይ ኣዝያ ሕያወይቲ'ያ ነይራ። ብሓልዮት ካልኦት እትሓስብ ኣደ ነበረት። ሕምየት ዘይትፈልጥ፡ ብካልእ ሰብ ሕማቕ ዘይትሓስብ ብምንባራ ኵሉ እዋን ኣብ ቀልበይ ኣላ። 'እዝራ ወደይ' እናበለት ክትጽውዓኒ እቲ ፈቃር ኣጸዋውዓኣ ይዝከረኒ" ይብሉ ፕሮፈሰር/ፓስተር እዝራ ገብረመድህን።
ፓስተር እዝራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዱ፡ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ (ሽወደን) ዝነብሩ ስነ-ሃይማኖተኛን መራሕ ቤተ-ክርስትያንን'ዮም።
ፓስተር እዝራ ኣብ ታሪኽ (ዓለማዊ ይዅን ቤተ-ክህነታዊ) መንፈሳውነት ኣትኲሮም ብቋንቋታት እንግሊዘኛ ሽወደን ኣምሓርኛ ትግርኛ ዝጽሕፉ መምህር'ዮም።
"ኣቦይ ንወራር ጣልያን ክምክት ናብ ማይጨው ዝኸተተሉ እዋን - ብ 1935 ማለት'ዩ - ኣደይ ንዓይ ጥንስቲ'ያ ነይራ። በዓል-ቤታ ብሰላም ምእንቲ ክምለስ ምስ'ተን ካልኦት ሰብኡተን ንውግእ ዝወፈሩ ኣንስቲ ዀይና ጸሎት ክትገብር ትዝከር'ያ - "ይኣክል፡ ይኣክል በል ጐይታ" እናበለት ክትጽሊ እተን ናይ ሽዑ ኣዴታት ይዝክርኣ" እናበሉ ንኣዲኦም ይዝክርወን።
"ኣብ ዩኒቨርሲቲ-ኮለጅ ተማሃራይ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ናይ ክረምቲ ስራሕ ኣብ ወልድያ (ወሎ) ረኺበ ክነቅል ምስ ተበገስኩ፡ ካብ ሓልዮትን ፍቕርን ዝነቐለ 'ኣታ ወደይ፡ እንታይ ገደሰካ ክረምትኻ ኣብዚ ምሳና ዘይተሕልፎ' ኢላ ከተታርፈኒ ይዝከረኒ" ይብሉ ቀሺ እዝራ። "እዝራ ወደይ ኣምላኽ ሞጐሱ ሂቡካ ኣሎ" እናበለት ክሳብ ጊዜ ሞታ ትምርቐኒ ነይራ" ብምባል ንተዘክሮታት ኣዲኦም ወሰኽሉ።
ፕሮፈሰር ናይእዝጊ ድማ፡ ዓቢ ሓዎም ንቀሺ እዝራ፡ ብስነ-ህንጻን መወቕራዊ-ሳይንስን ኣብ ኣመሪካ. ልዑል ትምህርቲ ዝቐሰሙ፡ ብዛዕባ ኣዲኦም ናቶም ዛንታ ኣሎዎም።
"ኣቦይ ናብ ዉግእ ዝወፈረሉ እዋን - ኣደይ እናጸለየት ተኸናኺና'ያ ኣዕብያትና። ርግጽ'ዩ ኣብቲ ንነብረሉ ዝነበርና ማሕበርሰብ ሰባት ኣኪባ - ኣብ መካነየሱስ ኣዲስ ኣበባ ምዃኑ'ዩ - ንምእመናን ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ሓቦ ገይራ ንካልኦት ሓቦ ክገብሩ ትጽዕር ከም ዝነበረት ሰባት ይምስክሩላ" ይብሉ ፕሮፈሰር ናይዝጊ።
"እመቤት ሲግሪድ በርግረንን ኣደይን ናይ ቀረባ መሓዙትን መሳርሕትን'የን ነይረን" ኢሎም ዛንትኦም ይቕጽሉ።
ሲግሪድ በርግረን (1874 - 1967) ዓቕሚ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምዕባል፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ዀነ ትምህርቲ-ወንጌል ዝነጥፋ ምስዮናዊት ነበራ። ዝበዝሐ ስርሐን ኣብ ጸዓዘጋ (1904-1921) ኢየን ኣሕሊፈንኦ።
ብ1922 ኸኣ ኣብ በለዛ ሰርሓ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ካብ 1926 ክሳብ ጊዜ መስጐጕተን (1936) ኣገልገላ። ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ንሚስዮናውያን ይጻብኦም ስለ ዝነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ስርሐን ከም ዘቋርጻ ገበረ።
"ኣደይ ክትምርዖ ኸኣ እቶም መሳርሕታ ሽወደናውያን 'ጓልና ነመርዑ ስለ ዘለና ብክብሪ ንዕድመኩም' ብምባል ናይ ዕድመ ወረቐት ንኣባላት ማሕበረሰብና ለኣኹሎም" እናበሉ ነቲ ናይ ሽዑ ፍቕሪ ንምግላጽ ፕሮፈሰር ናይእግዚ የዘንትዉ።
ጕዕዞ ናብ ኣዲስ ኣበባ
ሓንቲ ሲግሪድ በርግረን ዝተባህላ ሽወደናዊት ኣብ ምምዕባል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልዑል ተራ ዝተጻወታ ሚስዮናዊት ኢየን ነይረን።
ገዛእቲ ጣልያን ንህላወ ሽወዳናውያን (ሚስዮናውያን) ይጻብእዎም ስለ ዝነበሩ ስርሖም ንከየሰላስሉ ብዙሕ ዕንቅፋታት ይገብሩሎም ነበሩ፣ ንሲግሪድ በርግረን ከኣ ካብ መገሽአን ንኤርትራ ንከይምለሳ ስለ ዝተኸልከላ ንኣዲስ ኣበባ ከላግሳ ተገደዳ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣዋልድ ቤት ትምህርቲ ንክተኽላ ኸኣ ተበገሳ። ነቲ ዓቢ ስራሕ ንክዓምኦ ዝተሓባበረን ሰብ ስለ ዘድለየን ንመምህር ኣስቴር ወልደማርያም መረጻ።
ምስ መምህር ኣስቴር ከኣ ኣብ ጸዓዘጋ ሓቢረን ሰርሓ። መምህር ኣስቴር ብ1925 እየን ንኣዲስ ኣበባ ተጉዒዘን።
እቲ ሓዳሪ ቤት-ትምህርቲ ኣዋልድ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረሰብ ምእመናን (መካነየሱስ) ብ1927 ተሰሪሑ ተወደአ።
እቲ ስራሕ ኣብ ፈለማ ብ22 ሓደርቲ ደቂ ኣንስትዮን 6 ተመላለስቲ ተመሃሮን ስርሑ ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ንቡር ትምህርቲ እተን ኣዋልድ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመሃራ ነይረን፣ ብተወሳኺ ኸኣ ኢደ-ጥበብ - ከም ፍትላ፣ ስፌት፣ ርክያሞ (ጥልፊ)፣ ፍዕሎ-ዘንቢል - ይመሃራ ነበራ።
ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ እቲ ቤት-ትምህርቲ ዓበየ - ን40 ሓደርቲ ተማሃሮ ከምህር ክኢሉ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ጊዜ ዉግእ (1935) እቲ ቤት-ትምህርቲ ስራሑ ከቋርጽ ተገደደ፣ እተን ሓደርቲ ተምሃሮ ኸኣ ነናብ ቤተን ተፋነዋ። እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ እመቤት በርግረንን መምህር ኣስቴርን ንዉጉኣት ብምብጻሕን ንሕብረተሰብ ምእመናን ናይ ጸሎት ደገፈን እናሃባ ኣሕለፍኦ።
ጣልያን ደፊኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምእታው ነቲ ከተማ ኣዕለቕለቕዎ።
ሽወደናውያን ነቲ ዋሕዚ ሰብ ክቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን። ጣላይን ከኣ ንሽወዳናውያን ሰላም ኣይሃብዎምን። ሽወደናውያን ንክስደዱን ትካላቶም ክዓጽዉን ኸኣ ተገደዱ።
ኣብቲ እዋን'ቲ መምህር ኣስቴር ምስ'ቶም ካብ ዉግእ ብህይወቶም ዝተመልሱ በዓል ቤተን፡ ኣቶ ገብረመድህን ሃብተዝጊ፡ ኰይነን ንምእመናን ኣኪቦም መዓልታዊ ናይ ጸሎት ኣኼባታት የካይዱ ነበሩ።
መምህር ኣስቴር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠተን ኣዝዩ ልዑል ነይሩ፣ ኰይኑ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ምእመናን ተቐባልነት ስለ ዝነበረን ናይ መሪሕ ተራ ይጻወታ ነበራ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንትአን ብጽቡቕ ኣገባብ ቀሪቡ ይርከብ።
ዘይቐሰና መምህር ኣስቴር ...
እቲ ዘይምቕሳን ኣብቲ ፓስተር እዝራ ገብረመድህን ዘዳለውዎ 'ከኒሻ' ዘርእስቱ መጽሓፍ ብከፊል ንረኽቦ።
"ንሱ ብ1905 እዩ ተወሊዱ። ትምህርቲ ኸኣ ድንጕይ ኢሉ'ዩ ጀሚሩ፣ ጊዜኡ ኣብ መጓሰ የሕልፎ ስለ ዝነበረ። ዝዀነ ኰይኑ ትምህርቲ ምስ ጀመረ ብቕልጡፍ ከጽንዕ ጀመረ። ኣይጸንሐን፡ ትምህርቲ ስለ ዝነፍዐ ኣብቲ ብሚስዮናውያን ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ በለዛ ካብ 1927-1930 ተማሂሩ መምህር ንክኸውን በቕዐ። ክሳብ 1932 ከኣ ከም መምህር ኰይኑ ኣብ ኣስመራ ኣገልገለ። ብድሕሪኡ፡ ክሳብ 1935፡ ናብ ኣውሳ፡ ምድሪ ኩናማ ንከምህር ተላእከ።
"ኣብ ምድሪ ኩናማ ብሕማም ዓሶ ስለ ዝተጠቕዐ ኣሰር ሞይቱ ነይሩ። ሽዑ ብዛዕባ ተሞኵርኡ ኣብ ምድሪ ኩናማ ብምጽሓፍ፡ ጽንኩር ናብራ ከም ዝነበሮም፡ ናብቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ይልእኽ ነበረ" ይብሉ ፓስተር እዝራ።
"ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ መንገዱ ለዊጡ ንኤርትራ መጻኢኣ ንኽጽብቐላ ኣብ ሓድሽ ህይወት ኣተወ፡ እቲ ሓድሽ ህይወት'ቲ ግን ኣሰር ኣጥፊኡዎ ነበረ" ኢሎም ይገልጹ።
እቶም ፓስተር እዝራ ዝዛረብሎም ዘሎዉ ሰብ ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ኢዮም።
ኣቦይ ወልድኣብ፡ እቶም ዝለዓለ መዓርግ ኣቦነት ዘሎዎም ዜጋ፡ ንእሽቶ ሓወን ንመምህር ኣስቴር ወልደማርያም እዮም። መምህር ኣስቴር ንኣቦይ ወልድኣብ፡ ጓሳ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኮፍ ኣቢለን ፊደል ከቝጽርኦም ዝኸኣላ መምህር'የን። ኣቦይ ወልድኣብ ኣይሓመቑን፡ ፊደል ቈጺሮም፡ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኣትዮም መምህር ክኾኑ ዝበቕዑ ኣቦ'ዮም።
ኣብ ምድሪ ኩናማ ይምህሩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ምስ ሓንቲ ሲግነ በርግ ዝበሃላ ሽወደናዊት ዓላሚቶም ኰይኖም ዕላማኦም ንክዕወት ጸዓሩ። ብቋንቋ ጣልያን ብተርጓሚ ተሰንዮም ይምህሩ ከም ዝነበሩ ይንገር። ኣብኡ ከሎዉ ቋንቋ ሽወደን ተማህሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብግቡእ ኣጽንዑ። ካብ ኣውሳ ተመሊሶም ከኣ ኣብ ወንጌላዊት ቤት-ትምህርቲ ከም ሓለቓ ኰይኖም ኣገልገሉ።
ኣብ ዓውደ ምምህርና ከለዉ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ኣተወ። እንግሊዝ ነቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝዳሎ ሰሙናዊ ጋዜጣ ዘሰናዱ ሰብ ስለ ዝደለዩ ንኣቦይ ወልድኣብ መረጹ። እዚ እዋኑ ብ1941 ነበረ። ብእኡ ኣቢሎም ከኣ ኣብ ፖለቲካ ኣተዉ። እቲ ናይ ሽዑ ፖለቲካ ሓጸልጸል ዘብል ፖለቲካ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምቕንጻል ህይወት ሰባት'ውን በጺሑ ነይሩ።
ኣቦይ ወልድኣብ በቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝመርገጺኦም ዕላማ ኣብ ህይወቶም ናይ ሸውዓተ ጊዜ ፈተነ ቅትለት ተኻየደ። ብተደጋጋሚ ተወጊኦም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡን ወጽኡን።
እዚ ኹሉ ፈተነ ንምሉእ ስድራ-ቤት የሳቕዮም ነበረ። ፓስተር እዝራ ከም ዝበሉዎ ኣዲኦም፡ መምህር ኣስቴር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይነን ክሳቐያ ይዝከሮም።
ብዕለት 13 ጥሪ 1953 ኣቦይ ወልድኣብ ብጥይት ተሃሪሞም ምስ ወደቑ ይድሕኑ ዚብል ሰብ ኣይነበረን። ጥይት ብሞንኩቦም ኣትያ ብክሳዶም ወጸት። እቶም ዝተኰሱሎም ክልተ ሰባት ሕጅስ ቀቲልናዮ ኢሎም ክብገሱ ኣቦይ ወልድኣብ ደርገፍገፍ እናበሉ ተንስኡ፣ እቶም ቀተልቲ ተመሊሶም ክልተ ጊዜ ተኲሶም ሰሓትዎም፣ ሰብ ክእከብ ምስ ጀመረ ሃደሙ።
እቲ ወረ ቀልጢፉ ይዝርጋሕ ስለ ዝነበረ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራ ዓባይ ሓብቶም ከይሰምዐኦ ተባሂሉ ተሓብአ። ይዅን'ምበር ጽንጽንታ ሰሚዐን ንበዓል ቤተን እቲ ሓቁ ክነግረን ለመንኦ፣ ሓቂ ምንባሩ ኸኣ ነገሩወን።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ኣደይ በቲ ቀውሲ'ቲ ምስ እምነታ ኣፍጢጣ ገጠመት" ይብሉ ቀሺ እዝራ። "ኡይ ኢላ በኸየት ... ንምንታይ ክሳብ ክንድዚ ተሳቕየኒ ... ደጊም ዓብየን ደኺመን'የ ... እንታይ ክገብር ኢኻ ትደልየኒ" እናበለት ኣምሪራ ክትበኪ ይዝከረኒ" ይብሉ ቀሺ እዝራ።
ኣቦይ ወልድኣብ ኣብ ሆስፒታል ብምዕቋብ ንሻብዓይ ጊዜ ደሓኑ። ኣይጸንሑን ንስደት ከምርሑ ተገደዱ። ኣብኡ ዀይኖም ከኣ ቃልሶም ቀጸሉ።
መምህር ኣስቴር ንኣሽሓት ተመሃሮ ብግቡእ ዝመልመላ፡ ንደቀን ብኽንክን ኣዕብየን፡ ኣምሂረን ዓቢ ዓወት ዘጓናጸፋ ኣደ እየን። ኣብቲ ዝሰዓበ ክፋል ህይወተን ካብ መንፈሳዊ ክንክን ማሕበረሰብ መካነየሱስ ከቶ ከየዕረፋ ንሓደስቲ ምእመናን ብምቕባል፣ ንዝደኸሙ ብምትብባዕ፣ ንዝሓዘኑ ብምጽንናዕ፣ ንዝሓመሙ ብምብጻሕን ንዝተባእሱ ብምዕራቕን ኵሎም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ኣብ ኣገልግሎት እምነቶም ንክውዕሉ ጸለያን ጐስጐሳን።
መምህር ኣስቴር ወልደማርያም ዕድመ ጸጊበን ኣብ 100 ዕድሚኤን ከኣ ካብዛ ዓለም ተሰናበታ።