እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብክቱር ሃገራዊ ፍቕሪ ዝልለ፡ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ቀባኣይ ፍቕረ ገብረየሱስ መን እዩ?
ብዙሓት ስነጥበባውያን፡ ንመጻኢ ዝዛረቡሎም ሓድግን ፍርያትን ገዲፎም ስለዝሓልፉ ብስርሖም ወትሩ ይዝከሩን ይኽበሩን።
ሓደ ካብቶም ነባሪ ቅርሲ ቅብኣታት ሓዲጉ ናይ ዝሓለፈ ስሙይ ስነ ጥበባዊ ፍቕረ ገብረየሱስ፡ ካብ መስከረም ክሳብ 16 ታሕሳስ 2018፡ ኣብ 'ቤተ መዘክር ኣፍሪቃውያን ድያስፖራ' ሳንፍራንሲስኮ፡ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ብኹሉ በጻሒ ክረአ ሓግዩ።
ገብረየሱስ ፍቕረ ብስርሑ ዝዝከር፡ ብዙሕ ክንገር ዝግበኦ ታሪኽ ዘለዋ ኤርትራ፡ ካብ እትኾርዓሎም ዜጋታታ ሓደ እዩ።
ኣርቲስት ፍቕረ ኣብ ኣስመራ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ክሳብ ካብ ዘፍቅራ ሃገሩ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ንስደት ዘምርሕ ከኣ ብሓልዮት ወለዱ ማሚቚ ብፍቕሪ ኣሕዋቱ ሓንቂቑ ድማ ዓብዩ።
ኣብ መወዳእታ 70ታት ካብ ሃገሩ ብጸቕጢ መግዛእቲ ተደፊኡ ዝወጽአ ፍቕረ፡ መጀመርታ ንሱዳን ካብኡ ንጥልያን ብድሕሪኡ ንጀርመን ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተሰዲዱ።
ካብ ካርቱም ንሮማ ኣብ ዝኣተወሉ ገና 20 ከይመልአ ዝረኸቦ ኤልያስ ሃብተስላሰ፡ ፍቕረ መስተውዓሊ ሕውሱን ትኩርን መንእሰይ ምንባሩ፡ ብፍላይ ንኣሜሪካ ምስ ኣተወ ከኣ ኣብ ማሕበር መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ተወዲቡ፡ ንሃገራዊ ዕማም ብኹለ ዓቕሙ የበርክት ምንባሩ ይዝክር።
ብክቱር ንባብን ሃገራዊ ፍቕርን ዝልለ ፍቕረ፡ ኣብ ርእሲ ኣብ ስደቱ ክገብሮ ዝጸንሐ ኣበርክቶ ኣብ 1985-1986 ንሜዳ ኤርትራ ብምኻድ ነቶም ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተዓቚቦም ዝመሃሩ ዝነበሩ መንእሰያት ን13 ኣዋርሕ ምሂሩ ነይሩ።
ኣብ ሳሕል ኣብ ዝጸንሓሉ እዋናት ከኣ፡ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ንናብራን ህይወትን ተጋደልትን ተማሃሮኡን ብስእሊ፡ ቅብኣን ድምጽን ንታሪኽ ዝኸውን ሰነዳት ኣትሪፉ።
ፍቕረ፡ ሓደ ዓመት ኣቐዲሙ ምስ ዝተላለያ፡ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሰቲ የል፡ ኤልዛቤት ኣለክሳንደር፡ ኣብ 1997 ቃል ኪዳን ብምእሳር፡ ሰሎሞንን ሳይሞንን ዝተባህሉ ክልተ ቖልዑ ኣፍርዩ።
ሕጂ ደቁ ኣብታ ኣቦኦም ዝተማህረላን ወላዲቶም እትምህረላን ዩኒቨርስቲ የል ተማሃሮ ሳልሳይን ቀዳማይን ዓመት ኣለው።
እዞም ብተግባራት ወላዲኦም ዝሕበኑ ቖልዑ ወትሩ ኣሰር ኣቦኦም ክኽተሉን ባህሪ ወላዲኦም ክወርሱን እዮም ዝምነዩ።
ፍቕረ ብሰደት ንኣሜሪካ ድሕሪ ምምርሑ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ትምህርቱ እናተኸታተለ፡ ኣብ ጉዳይ ነጻነት ኤርትራን፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ንሰብኣዊ መሰላት ይጣበቕ ነይሩ። ኣብ ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን እናሰርሐ፡ ቅብኣን ሕትመትን ኣጽኒዑ።
ዳሕራይ ኣብ 2002 ካብ የል ዩኒቨርስቲ ክምረቕ እንከሎ ብቕብኣ ብሉጽ ሽልማት 'ካሮል ስክሎስበርግ' ተዋሂቡ።
ኣብ ኒዉ ሃቨን ኣሜሪካ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኤልዛቤት ኣሌክሳንደር፡ ደቆም ሰለሞንን ስምኦንን ንሰላሳ ዓመት ተቐሚጡ።
ካብ 1992 - 2008 ኣብታ ምስ ኣሕዋቱ ዝውንና፡ ኣዝያ ህብብቲ፡ ካፈ ኣዱሊስ ዋና ከሻኒ ኮይኑ ሰሪሑ። እታ ካፈ፡ ባህላዊ መግብታት ኤርትራ፡ ንነበርቲ ኒው ሃቨንን ኒው ዮርክን ዘላለየት ፍትውቲ ካፈ እያ።
ፍቕረ ክሳብ ዕለተ ሞቱ (2012)፡ ምሉእ ግዚኡ ንስነጥበብ ወፍዩ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብ 2000 ዓመተ ምሕረት ናብታ ዝተማህረላ ዩኒቨርስቲ የል ኣብ ዘቕረቦ ቅጥዒ እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ዝሓቖፈ ጽሒፉ ነይሩ።
"ንቅብኣ ቅድሚ 10 ዓመት'ኳ እንተጀመርኩዎ ስእሊ ግን ምሉእ ህይወተይ እየ ዝስእል ነይረ።
መብዛሕትኦም ዝስእሎም ዝነበርኩ ስእልታት፡ ምስቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጸነት ኤርትራ (1961-1991) ዝሓለፍክዎ ስቅያት፡ ስደትን ነዚ ዝሰዓበ ክገጥሞ ዝተገደድኩ ስነልቦናዊ መዋጥርን ዝተኣሳሰሩ ኢዮም። ብቅብኣ ኣቢለ ቃንዛይ ከውጽእ ክኢለ ኢየ።
"ኣብ ሕብረተሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣፋዊ ዛንታ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ጸኒሑ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ መናድቕ ኣብያት ክርስትያን ኣርቶዶክስ፡ ብስእልን ምስልን መልእኽቶም የመሓላልፉ ነይሮም።
ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከተማ ኣስመራ ዝተሳእለ ስእልታት ማርክስ፡ ኤንግልስ፡ ለኒንን መንግስቱ ሃይለማርያምን እናርኣኹ ኢየ ዓብየ።
"ኣስመራ ኣስታት 2,400 ሜትሮ ብራኸ ዘለዋ ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ዝተደኮነት ምጭውቲ ከተማ ኢያ።
ኣብታ ከተማ ሓጸልጸል ዝብላ ታንክታትን ኣብ ሰማይ ዝዝምብያ ነፍርቲ ኲናትን ዝዓጠቑ ወትሃደራትን ነይሮም። እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ድላዮም ክገብሩ ስልጣን ነይሩዎም። እቲ ፍርሒ ክሳብ ሎሚ ዝለቐቐኒ ኣይመስለንን።
"ኣብ ዕዳጋታት እታ ከተማ ካብ ወለዶታት ክሰጋገር ዝጸንሐ፡ ፍርያት ኢደ-ጥበብ ትርኢ። ወላዲተይ'ውን ብቅብኣታት ቅድመ ታሪኽ ዝወቀበ በዓትታት ካብ ዝርከቦ ከባቢ እያ በቚላ።
"ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት መግበይ ብምኽሻን ህይወተይ ይመርሕ ኣለኹ። ክበጽሖ ዝደሊ ንጹር ሕልምታት ግን ኣሎኒ።
ንሕልምታትካ ክውን ክትገብር ርእስኻ እንተ ዘይወፈኻን ናብ ካልኦት እንተ ዘይኣሰጋጊርካዮን እንታይ ይዓብስ? ስለዚ፡ ሓደ ብሉጽ ቀባኢ ክኸውን'የ ዝደሊ። እዚ ድማ ግዜን ጻዕርን ሓዊሰ ከም ዝገብሮን ዝበጽሖን ርግጸኛ'የ።
"ብተወሳኺ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ብምኽፋት ናይ ገንዘብ ሕጽረት ንዘለዎም ኤርትራውያን ቆልዑ ክሕግዝ እደሊ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዕድል ዘይረኸቡ ብሉጻት ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ስነጥበባውያን ንዓለም ከላሊ ኢዩ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ፈውስን ሰላምን ብሉጽ ዘርኢ ከም ዝርከብ እኣምን።
"ስለዚ፡ ሕጂ ርእሰይ ንቅብኣ ዝውፍየሉ ዘለኹ ቀንዲ ምኽንያት ተውህቦይ ብምብርባር ፍልጠት ምውህላልን ፍልጠተይ ናብ ካልኦት ንምስግጋር ንክሕግዘንን እዩ" ይብል።
በዓልቲ ቤቱ ኤሊዛቤት ኣሌክሳንደር ብዛዕባ ፍቕረ እነታይ ትብል?
በዓልቲ ቤቱ ፕሮፌሰር ኤልዛቤት፡ ብዛዕባ እቲ ኣዚያ እተፍቅሮ በዓል ቤታ "ዘ ላይት ኦፍ ዘ ዎርልድ!" እትብል መጽሓፍ ጽሒፋ ኣላ።
መጽሓፋ ከኣ "FOR SOLOMON AND SIMON, WHO WALK THEIR FATHER'S WALK" ብምባል ኣሰር ወላዲኦም ንዝጓዓዙ ዘለው ደቃ ወፍያታ ኣላ።
እዛ ሽዱሽተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ጽምብል መሓዝኣ፡ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ "መዝሙር ምስጋና እዛ መዓልቲ" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ስነጥበባዊ ስራሕ ዘቕረበት፡ ገጣሚት፡ ጸሓፊት፡ ደራሲትን ኣመሪካዊት መምህርን፡ ኤልዛቤት ኣለክሳንደር፡ ብዛዕባ ኤርትራዊ በዓል ቤታ ፍቕረ ገብረየሱስ እንታይ እያ ትብል?
"ኣብ 1996 ምስ ፍቕረ ክንራኸብ እንከሎና ፈለማ፡ ስእልታቱ ኢዩ ኣርእዩኒ። ኣብቲ ምስ ኣሕዋቱ ዝውንኖ ካፈ ኣዱሊስ ክኽሽን ኣምስዩ ስራሕ ድሕሪ ምዕጻው፡ ክሳብ ወጋሕታ ክስእል ይሓድር ነይሩ።
"ኣብቲ ዝነበረሉ ዝነበረ ገዛ፡ ዝርአ ስእልታቱ ናይታ ዘፍቅሮ ምድሪ [ኤርትራ] ተዘክሮታት ኲናት ዘንጸባርቕ ኢዩ። ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ፍቕረ ቅድሚ ምውላዱ፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት'ዩ ተጀሚሩ።
"ኣብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ረይበርን፡ ባይቶ ኣሜሪካ ንምርኢት ዘዳለዎ፡ ብዝሕ ዝበለ ፎቶግራፍ'ውን ነይርዎ። እቲ ፎቶግራፋት፡ ንዛንታ ኤርትራን ህዝባን ዘንጸባርቕ እዩ።
"ኣብ ሚያዝያ 1998፡ በዂሪ ወድና ምስ ወለድና፡ ናብ ጎደና 45 ሊቪንግተን ግዒዝና፤ ኣብኡ ፍቕረ፡ ስቱድይኡ ኣብ ጋራጅ ብምግባር ምስኣል ቀጸለ። ሽዑ ድማ ናብ ኣብስትራክት [ዓይነት ቅብኣ] ብምድሃብ ከም ህዋ፡ ቅርጻ ምድሪ ዝኣመሰሉ ነገራት ክስእል ዝጀመረ።
"ፍቕረ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ዘሕለፎ ግዜ ዝተሓዋወሰ እዩ። ሕሉፍ ድልየት ናይ ትምህርቲ ዝነበሮ፡ ግን ከኣ ብቐሊሉ ዘይጽሎ በጽሒ እዩ ነይሩ።
"ፍቕረ፡ ፍርያቱ ሰባት ክርእይዎ ዘሕጉሶ'ኳ እንተኾነ፡ ስራሓቱ ምሻጥ ግን ኣይፈቱን ነበረ። ኣብ ስነጥበብ ዝነጥፉን ዘይነጥፉን ኣዝዮም ብዙሓት መሓዙቱ፡ ንስራሓቱ ከርእዩ ይመጽኡ እሞ፡ ካብ ፍርያቱ ክዕድግሉ ይልምንዎ ነይሮም።
ንሱ ግን ጨሪሱ፡ ድልው ኣይነበረን። 'ኣይወዳእክዎን'፡ ወይ 'ገና የዐርዮ ኣለኹ' ዝብል ምላሽ ይህቦም ነይሩ። ኣነ ግን ይቕበሎ ስለዘይነበርኩ 'ፍቕረይ፡ ኣነ ምስ ሓለፍኩ ሰባት ክርእይዎ ኢዮም' ይብለኒ ነይሩ።
"ወላ'ኳ ሕጂ ኣብ ጎድነይ እንተ ዘየሎ፡ ግዚኡ ነዚ ስራሓት ክሰርሕ ብምጥፍኡ ኣዝዩ የሕጉሰኒ።
"ፍቕረ፡ ብንእሽቲኡ 'ማንጅያ ሊብሮ' ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ክቱር ናይ ምንባብ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብ እዩ። ከም ሓደስቲ ፍቑራት፡ ምሉእ ለይቲ ብዘንበብናዮም መጻሕፍቲ ከነዕልል ንሓድር ነይርና። ብዕምቆት ናይ ፍልጠቱ ኣዝየ'የ ዝድነቕ።
"ኣብ ርእሲ እቲ ንመጽሓፍቲ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ህንጡይነትን፡ ኣብ ቋንቋ እውን ፍሉይ ፍቕሪ'ዩ ነይሩዎ። ደቅና ኣብ ቤት ትምህርቲ ላቲን ክመሃሩ ምስ ጀመሩ፡ ምሳታቶም ከጽንዕ ጀመረ።
"ሸውዓተ ቋንቋታት- ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ጥልያን፡ እንግሊዝኛ፡ ዓረብኛ፡ ጀርመንን ስጳኛን ይመልኽ ነይሩ። ብዘይካ'ዚ ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት 'ሰላም' ከምኡ'ውን 'የቐንየለይ' ክብል ይኽእል ነበረ። ብዙሓት ከም ዘስተውዓልዎ ዝበዝሕ ግዜ ስእልታቱ ብዛዕባ ቋንቋን ዝርርብን ኢዮም።
"ሙዚቃ'ውን ንናይ ቅብኣ ህይወቱ ኣገዳሲ ኢዩ። ጃዝን ብሉስን ዝበሃል ዓይነት ሙዚቃ የዘውትር፤ ክራርን ከበሮን ድማ ይጻወት ነይሩ።
"ቅድሚ ምማቱ ዝነበራ ክልተ ዓመታት፡ ብኣድማዕነት እዩ ተጠቒሙለን። መዓልታዊ ኣብ ስቱድይኡ ይሰርሕ ነይሩ።
"ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቱ፡ ኣብ ስቱድዮኡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንደቁ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣውጺኡ፡ ናብ ሓኪም ስኒ ንከብጽሖም፡ ኣቐዲሙ እዩ እስትድዩኡ ዓጽዩ። ግን ሃንደበት ኣብ ቅድሚ ሰለስቴና ኣብ ገዛና ዓሪፉ።
"ገለ መዓልትታት ድሕሪ ሞቱ ናብ ስቱድይኡ ምስ ኣተኹ፡ ኣብኡ ከም ዘሎ ኾይኑ ተሰምሚዑኒ። ነቲ ስቱድዮ ኣጻፊፉን ኣጽርዩን እዩ ገዲፍዎ። ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ነገራት ከለዓዕል ምስ ጀመርኩ፡ ኣማኢት ቅብኣታት ረኺበ። እቲ ፎቶግራፋት እሞ ቁጽሪ የብሉን። ናይ ምሉእ ህይወቱ ስራሓት'ዩ ሓዲጉልና ከይዱ።
"ነፍሲ ወከፍ ንጉሆን ምሸትን፡ ንናይ ፍቕረ ቅብኣታት ይርኢ። ነቲ ናይ ፈለማ ርክብና ድማ የዘኻኽረኒ። ኣብ ሓደ ካብ ቅብኣታቱ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ህያብ ይለዋወጡ። እታ ሰበይቲ፡ ንወላድነታ ዝውክል፡ ደሚቕ ቀይሕ ኮሚደረ ከም ህያብ ትህቦ፡ እቲ ጕሁይ ሰብኣይ ድማ ኣብ ሸሓኒ ገይሩ ዓይኑ ይህባ።
"ፍቕረ ንኹላትና ዝሃበና እዚ'ዩ። ኣብ ውሽጡ ኮይንና፡ ከምቲ ንሱ ንዓልም ዝርእያ ዝነበረ ጌርና ክንርእያ ክኢልና።
"እቲ ዓይኒ፡ ምልክት'ውን ኢዩ፡ ንመጻኢ ህይወትን ውሕስነት ስድርኡን ዝልግሶ ህያብ ኢዩ።
"እቶም መጻመድቲ ንፈለማ እዋን ዝራኸቡ እኳ እንተ ነበሩ በቶም ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዝህልውዎም ውሉድ፡ ብምስሊ መላእኽቲ ተኸቢቦም ኣለው።
ኣብ ስራሓት ፍቕረ፡ መላእኽቲ ኣብ ፈቐድኡ ኢኻ ትርኢ" ብምባል ስምዒታ ትገልጽ።
ንሳ ኣብ ኩሉ ዕላላ ብዛዕባ ፍቐረ አዕሊላ ኣይትጸግብን እያ። ብድሕሪኡ ከኣ ድሮ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝርከቡ ደቆም ብምሕብሓብ ትጸናናዕ።
ሓደ ካብ ቀረባ ፈለጥቱ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ገበር ካርድ-መርድእ ፍቕረ "ፈታው ሓዳሩን ደቁን፡ መኽበሪ ህዝቡን አዕርኽቱን ፍቕረ፡ ብባህርያትካን ስራሕካን ኣብ ዝኽርና ወትሩ ህያው ኢኻ።
ፍርያትካ ከኣ ሓደ መዓልቲ ብመፍቀርቲ ስነ-ጥበብ መላእ ዓለም ክረአ እዩ" ክብል ጽሒፉሉ ነይሩ።
እቲ ዝተመነዮ ክውን ኮይኑ 'ቤተ መዘክር ኣፍሪቃውያን ድያስፖራ' ንቅብኣታት ፍቕረ መሰቕረቦ፡ ምስ ኣጋይሽ ኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ኮይኑ፡ ብስርሑን ጥበቡን ዘልኣለም ንዝነብር ንኡስ ዓርኩ፡ ብሕልንኡ እናዘከረን እናነኣደን ዳግማይ ንስርሓት ፍቕረ ኣስተማቒሩዎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ፡ ትማሊ ሰንበት ዝተዓጽወ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝጸንሐ ዓውደ ምርኢት ሰርሓት ፍቕረ፡ ኣሽሓት ሰባት እዮም ተዓዚቦሙዎ። ብዙሓት ፈለጥቱን ቤተሰቡን መቕርቡን እውን ኣብቲ ቦታ ዳግማይ ምስ ፍቕረ ብመንፈስ ተራኺቦም።
"ሞት ናይ ብዙሓት እስታቲክ እዩ፡ ሞት ናይ ሓደ ግን ትራጄዲ'ዩ!" ብዝብል ብሂል ብሞት ንኡስ ሓዋ ኣዝያ እትቑንዞ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ብስራሕን ተግባራትን ሓዋ አዕሊላ ኣይትጸግብን እያ።
ምሕረት በቲ ሓያሎ ፈለጥቱን ናይ ቀረባ በዓልቲ ቤቱን ዝምስክርሉ፡ ክቱር ንባብ መጻሕፍትን ሰናይ ባህርን ልውሃትን ሓዋ ኣዚያ ትድነቕ።
ንባዕላ'ውን ሓንቲ ካብቶም ኣንበብቲ እያ'ሞ ንነብሳ ዕስሪት ናይ ፍቕረ ኣይትህባን እያ።
ፍቕረ ኣብ ኣመሪካ ንዝነብሩ ዝፈልጦም ኤርትራውያን ኮም፡ "ደቅና ተቖኒኖም ተሶቚሮም ተመሺጦም ኢልኩም ኣይትጨቓጨቑዎም ጥራሕ ንክመሃሩ ኣተባብዑዎም" ብምባል፡ ሰብ እንተተማሂሩ መጻኢኡ ንምቅላስ ከምዘይጽግሞ ይሕብርን ይምህርን ምንባሩ ፈለጥቱ ይዛረብሉ።
"ከም ፍቕረ ንትምህርቲ ዘፍቅርን ብትምህርቲ ዝግደስን ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን" ብምባል ከኣ ተድንቖ ብሃንደበታዊ ሞቱ ክሳብ ሕጂ እትነብዕን እትናፍቖን ሓብቱ።
ፍቕረ ካብ መጻሕፍቲ ብዙሕ ዓይነት ፍልጠት ስለዝደለበ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ከዕልልን ክዛረብን ጸገም ኣይነበሮን። ሕሉፍ ኣንባቢ እዩ ነይሩ - የንብብ የንብብ።
ብብቑልን ዘራእትን ብዕጸዋትን ዕምበባን ብሓመድን ማይን ብኣዕዋፍን ለመምትን ብዓሳታትን ብስነ ጥበብን፡ ብግጥምን ስነ-ጽሑፍን ብቅብኣን ፎቶግራፍን ብዝኾነ ዓውዲ፡ ኣዚዩ ዓሚቚ ፍልጠትን ክእለትን ስለ ዝነበሮ ምስ ዝኾነ ሞያዊ ብዕምቆት ከዕልል ይኽእል ነይሩ።
ፈለጥቲ ፍቕረ፡ ቅኑዕን ሓቀኛን ልዕሊ ኩሉ ፈታዊ ስራሕን ተሓጋጋዝን ምንባሩ ይዛረቡ።
ወላዲኡ ኣቶ ገብረየሱስ "ሓሶት፡ ስርቅን ቅትለትን ኩለን ሓንቲ እየን። ፍልልይ የብለንን።
ዓቢ ነገር ስረቕ ንእሽቶ፡ ዓዲ ዘናቑት ከቢድ ነገር ሓሱ፡ ንእሽቶ ነገር፡ ኩሉ ካብ ቅትለት ኣይሰንፍን እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወትኩም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ክትጥንቀቑ ኣለኩም።
"ሓቂ ብምዝራብኩም ብደሆታትን ዕንቅፋታትን ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ብዝወሓደ ግን ንጹህ አእምሮን ሕልናን ስለዝህልወኩም ቀሲንኩም ከማን ትሓድሩ" ብምባል ይመኽሩዎም ምንባሮም ትዝክር ዓባይ ሓፍቱ ምሕረት።
ፍቕረ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ እዩ፡ ሃገራዊ ፍቕሪ ኣሕዲሩ።
እቲ እዋን'ቲ ኤርትራ መግዛእትን ናጽነትን ብዝብሉ ቃላት ትናዓብ ብምንባራ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ብዛዕባ ንሓርነታዊ ቓልሲ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ናጽነትን፡ መግዛእቲ ከርግኡ ዝዓጠቑ ሓይልታት ሃይለስላሰን ደርግን ይዕለል ስለዝነበረ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣኣብ ዕደመኡ ብሃገራዊ ስምዒት ናብ ቃልሲ ዝጽንበረሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ።
ኣብ እንዳ ፍቕረ ግን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ኣርብዓታት ኣትሒዙ እዩ ነይሩ።
ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ስድራ "ኤርትራ ንኤርትራውያን!" ኣብ ዝበሃለሉ ዝንበረ እዋን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ስለ ዝነበሮ፡ ኣቡኡን ኣዲኡን በብዓቕሞም ዝፈልጡዎ ዘበለ ታሪኽ እናምሃሩን እናሰሓሉን ስለዘዕበዩዎም ዓቢ መንቋሕቋሕታ ነይሩዎ ፍቕረ።
ኣብ 1979 ዝተሰውአ ዓቢ ሓዎም ከበደ ገብረየሱስ ናብ ቃልሲ ተሰሊፉ ብምንባሩ ከኣ ናቱ ጽልዋ እውን ነይሩዎ ፍቕረ።
ፊደል ቆጺረን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከንብባ ዓቕሚ ዝነበረን ወላዲቱ ንዕለታዊ ዓንቀጻት ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም እናንበባ እቲ ዝኸውን ዝነበረ ነገር፡ ንደቀን ከም ታሪኽ የዘንትዋሎም ብምንባረን ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብኣግኡ እዩ ፍልጠት ነይሩዎም።
ኣቦይ ወልደኣብ ብዘጋጠሞም ተጻብኦ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ናይ ቅትለት ፈተነ፡ ካብ ሃገር ተገዲዶም ምስ ወጽኡ፡ ኣዲኦም፡ "ናይ ትምህርትን ጽሕፈትን ዕድል ኤርትራውያን ምስ ምውጻእ ወልደኣብ ክዳኸም እዩ" ከምዝበላ ትዝክር ምሕረት።
ስለዚ እዩ እምበኣር ፍቕሪ ካብ ንእስነቱ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ልዑል ተገዳስነት ብምሕዳር ክሳብ ንሜዳ ወሪዱ ንቓልሲ ውፉያት ተጋደልቲ ክስንድን ክምዝግብን ዝኸኣለ።