እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብስራት ፍስሓጽዮን፡ 'ሓብተይ ብምእሳራ ሕልማ ተኣሲሩ ማለት ኣይኰነን'
"ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ እስርቲ ሓብተይ ብመንፈስ ስለተታኣሳስረኒ ንዓይ ካብ ኵለን መዓልታት እታ ዝዓዘዘት መዓልቲ እያ" ትብል ብስራት ፍስሓጽዮን።
ኣስቴር ንሰብ ብጽቡቕ'ምበር ብሕማቕ ዘይተልዕል እወታዊት (positive) ሰብ እያ። ልዑል ናይ ምስማዕ ተውህቦ ስለዝነበረ ጽን ኢላ ሽግራት ሰባት ናይ ምስማዕ ዓቕሊ ከምዝነበራ ትገልጽ ብስራት።
ኣብ ኩሉ ዕላላ ብዛዕባ ብሩህ መጻሂ ሃገር፡ ብዛዕባ መሰልን ማዕርነትን ደቂ 'ንስትዮ፡ ከም ሕብረተሰብ ትዛረብ ምንባራ ትዝክር። ንኣበርክቶ ደቂ 'ንስትዮ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ከኣ ብልዑል ኣድናቖት ትምስክረሉ። ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፈሉን ክርህዎም እዩ እናበለት ሰሪሓን ደኺማን። ኣብ መወዳእታ እውን ምስ መቓልስቲ ብጾታ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትከልን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገርን ስለዝሓተት ምስ ብጾታ ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተቐይዳ። "ሕልምታታ ግን ተቖጽዩ ኣይክተርፍን እዩ" ብምባል ብዝኽሪ ሓፍታ ተስተንትን ብስራት።
"ብዛዕባ ኣስቴር ሓብተይ ክሓስብ ከሎኹ ንሃገራዊ ናጽነት ዝገበረቶ ኣበርክቶ ዘይኮነስ ኣባይ ዘሕደረቶ ጽልዋ ዓቢ ከም ዝነበረ እርድኣኒ። ብጸይተይ፡ መማኽርተይ፡ መታዓልልተይ ከምኡ'ውን የማነይቲ ኢደይ ነይራ" ክትብል ምስ ሓፍታ ዝነበረን ቅርበት ትገልጽ።
ጕዕዞ ናብ ሜዳ
ኣስቴር ብ1974 ኣንጻር ጎበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ክትቃለስ ንኽትጋደል ንሜዳ ኤርትራ ተሰሊፋ። ብሃገራዊ ስምዒት ዝተጸልው መንእሰያት ኤርተራ ኣብ ሰብዓታት ብብዝሒ ንሜዳ ይውሕዙ ነይሮም።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዘዝጎበዙ ደቆም ገገዲፎሞም ናብ ቃልሲ ናብ በረኻ ይኸዱ ስለዝነበሩ ዝበኽዩሉን ዓው ኢሎም ክዛረብሉ ዘይክእሉ ኵነታት ተፈጥረ።
"ኣስቴር ምሳይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀንያ ንኣስመራ ምስ ተመልሰት ኣይጸንሐትን፡ ኣብ ሳልስቱ ብስልኪ ምስ ተራኸብና 'ጽባሕ ንሜዳ እኸይድ ኣለኹ' ኢላ ምስ ሓበረትኒ ነታ መስምዒ ስልኪ ሒዘ ቀዘዝኩ። ናብ ሜዳ ምኻድ ኣብ ኩሉ ዝርአ ተርእዮ ስለ ዝነበረ ሓሳበይ ናብ መሳኪን ስድራና ወፈረ" እናበለት ብስራት ናይቲ ሽዑ ኵነታት ትገልጽ።
መናእሰይ ንስድርኦም ድሓን ኩን ከይበሉ ሞሊቖም ዝዕዘርሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኣስቴር ከኣ ምስ መሓዙታ ናይ ንግሆ ቅዳሴ ክንሰምዕ ን'ሳንታ ኣንቶንዮ' ክንኸይድ ኢና ኢላ ኣማኻንያ ኣንጊሃ ካብ ገዛ ክትወጽእ ሰራሕተኛ ትረኽባ'ሞ "ንምንታይ እቲ ነጸላ ናይ ማማ ሒዝኪ ትወጽኢ ኣሎኺ?" ኢላ ኣብ ወጥሪ ኣእተወታ። ኣስቴር ከኣ፡ ካብ ሓሳብ ልባ ንከይትተርፍ፡ ድፍር ኢላ "ኣብ ዉሽጢ ቤት-ክርስትያን ዘሎ ቍሪ ሓያል'ዩ" ኢላ ረጊጻታ ወጸት። ኣይኣመነታን፡ ማዕጾ ከፊታ ኸኣ ክሳብ ብኵርናዕ ገዛውቶም ተጠውያ ትኸይድ ቀው ኢላ ተኸታተለታ። ኣስቴር ከኣ ብኣ ኣቢላ ናብ ዘንቀደቶ ዕላማ ተዓዝረት።
"ድሒረ ከም ዝተሓበርኩዎ፡ ምስ ሂወትን ሰላምን ዝበሃላ መሓዙታ ተቛጺራ ስለ ዝነበረት ተታሒዘን ብኣኽርያ ገይረን ብዓዲ ንፋስ ኣቢለን ንርእሲ ዓዲ ተጓዕዛ" ትብል ብስራት ሓብታ። ንምሸቱ፡ ኣስቴር ብኣጋኡ ስለዘይተመልሰት ኣብ ገዛ ቓዝኖት ሰፈነ። ኣዲኣ ንስድራቤት መሓዙታ ምስ ተወከሳ ድማ ተመሳሳሊ ኵነታት ከም ዝነበረ ምስ ተነግረን ንሜዳ ከም ዝኸደት ተረድአን።
"ኣብዚ ዘለኹዎ ጊዜን ኵነታትን እቲ ደጋጊሙ ዝመጸኒ ሓሳብ እምበኣር ኣስቴር ንሜዳ ዝኸደትሉ እዋን'ዩ። እንፈትዋ ብርሃን ገዛና ካብ ቅድሜና ብምስዋራ ካባና ምፍላያን ሓዘን ኰነ - ሕቡእ ሓዘን።
"ኣስቴር ተመሃሪት ካልኣይ ደረጃ'ያ ነይራ። ኣነ ዘይፈልጦ፡ ብስቱር ምስ ብርክት ዝበሉ መዛኑኣ ኰይና ካብ ሜዳ ዝተላእኸ መጽሔታት እናንበባን፡ ሰባት እናወደባን፡ ገንዘብ እናዋጽእን፡ ርክባት ምስ ተጋደልቲ መስሪተን ይሰርሓ ከም ዝነበራ ድሒረ ፈለጥኩ" ብምባል ብስራት ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ትገልጾ። "ከምዚ ትማል-ትማል ዝዀነ ፍጻሜ ኰይኑ እስምዓኒ" ከብ ትብል።
"ባህርን ጠባይን ኣስቴር ፍሉይ'ዩ ነይሩ። ሰብ ትፈቱ፡ ኣዝማድ ተኽብር፡ ኩሉ ኸኣ ይፈትዋ ነይሩ። ዕላላ ጥዑም፡ እምንቲ፡ ብዉሽጣ ግን ተራርን መትከላዊትን ነበረት" እናበለት ንሓብታ ትገልጻ ።
"ንኣብነት ኣቦይ ንኣስቴር ኣዝዩ ይፈትዋ ከም ዝነበረ እዝከረኒ፣ ምኽንያቱ ካብ ኵላህና ኣሕዋት ንሳ'ያ ብዝያዳ ተዕልሎን ተስሕቖን ዝነበረት። ከይሓፈረት ከኣ ትስዕሳዓሉ ነበረት። ዘይከማና፡ ሞቕሺሽ ከይተሰከፈት ትሓቶ ከም ዝነበረት'ውን እዝከረኒ፣ ሞቕሺስ ተቐቢላ ከይኣኽላ ኸኣ 'ካብ በዓል ጣፍ በዓል ኣፍ' እናበለት ተህርረና ነበረት" ኢላ ብናፍቖት ትዝክራ።
"ኵነታት እንክልወጥ ..."
ኣስቴር ኣብ ሜዳ ብርክት ዝበሉ ሓላፍነታት ተሰኪማ ን17 ዓመታት ተጋደለት። ንኣስቴር ዘይፈልጥ ተጋዳላይ ኣይነበረን፣ ንሳ ኸኣ ፍሉይ ናይ ምዝካር ዓቕሚ ስለ ዝነበራ ዳርጋ ንዅሎም ብጾታን መጋድልታን ሓደ-ብሓደ ጸብጺባ ትዝክሮም ከም ዝነበረት ዝምስክሩ ተጋደልቲ-ነበር ብዙሓት'ዮም።
ኣስቴር ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ስለ ዝነበረት መብዛትኦም ተጋደልቲ ድማ ብናታ ክፍሊ ይሓልፉ ስለ ዝነበሩ ንኹሎም ትዝክሮም ከም ዝነበረት፡ ፎቶግራፍያዊ ዓቕሚ-ምዝካር ከም ዝነበራ ብስራት ትምስክር።
ኣብ ሜዳ ሓዳር ጌራ ሓደ ቆልዓ ወለደት። ከም ብዙሓት መጋድልታ ድማ ብ1991 ናጽነት ኤርትራ ክትርኢ በቕዐት።
"ናጽነት ግን ናቱ ክውንነት ሒዙ ብምምጽኡ" ትብል ሓብታ፡ "ንኣስቴር ከይጸገብናያ ዘይተጸበናዮ ሓደጋ ወደቓ ... 'ምምሕያሻት ይተኣታቶ፡ ህዝቢ ኸኣ ስልጣን ይረከብ' ኢላ ሓደ መጸዋዕታ ወረቐት ምስ ብጾታ ኰይና ብ2001 ስለ ዝፈረመት ኣብ ቀይዲ ኣተወት። ኣብ ቀይዲ ምእታው ጥራይ ዘይኰነስ ጨሪሳ ተሸርበት" ኢላ በቲ ንሓብታ ዜጓነፋ ፍጻሜ ብጓሂ ትገልጽ።
ብዛዕባ ሕሰም ማእሰርቲ
ኣስቴር ተኣሲራ ካብ ትሽረብ - ማለት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ብሕቱው ማእሰርቲ ካብ እትኣቱ - ድሮ 21 ዓመታ ቀሪቡ። ብህይወታ ትሃሉ ኣይትሃሉ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓለም ብዕሊ ከም እተኣስረት እተፈልጠት ሰብ እያ ክትበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኸኣ ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ኣህጕራውያን ትካላት (ናይ ሰብኣዊ መሰላት) ብቐጻሊ ንክትፍታሕን ንሳን መሰልታን ኣብ ፍርዲ ንኪቐርቡ ስለ ዝጕስጕሱላ።
"ሓደ እዋን፡ ብጊዜ ልደት፡ ብስም ኣስቴር ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተኻየደ ጐስጓስ ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ናይ ኣጆኺ ካርቶሊናታት ተቐቢለ" ትብል ብስራት።
ብዛዕባ ማእሰርታ ኣብ ብዙሓት ጋዜጣታት ዓለምን ተሌቪዥንን ተጻሒፉን ተነቢቡን። ኣብ ናይ ኤርትራውያን ሶሻል ሚድያ፡ ናይ ረድዮን ዩትዩብን ወብሳይታትን ብዛዕባ ኣስቴር (ከምኡ'ውን ኣልኦት እሱራት) ብዙሕ ተዘሪብሉ'ዩ። መጋድልታ ዝነበሩ'ውን ብመልክዕ ቃለ-መጠይቕ ብዛዕብኣ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ኣቕሪቦም'ዮም። ኢብራሂም ወዳ'ውን ኣብ ሆላንድ ኰይኑ ብዙሕ ጐስጓሳት ኣካይዱ'ዩ።
ብስራት ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣስቴር ክትዛረብ ከላ "ማእሰርቲ ሕሱም'ዩ ... ንእሱር ጥራይ ዘይኰነስ ንኹሉ ቤተሰብን መቕርብን ብሓሳብ ኰነ ሕልና ቋሪኑ ብምእሳር ነብሰ-ስጋ ዚቕንጥጥ ኵነታት ስለ ዝፈጥር" ክትብል ስምዒታ ትገልጽ።
"ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምዚ ናይ ሓብተይ ዘይፍትሓዊ ብመስርሕ ፍርድን ፍትሕን ዘይሓለፈን ማእሰርቲ፡ ንዓይ እቲ ፖለቲካ ሃገርና ጥራይ ዘይኰነስ ህይወት ብዓቢኡ ከንቱ ምዃኑ'ዩ ዘርእየኒ" ከኣ ትብል።
ኤርትራውያን ምእንቲ ነጻነቶም ንብረቶም፡ ሓዳሮም፡ ስድርኦም፡ ስርሖም፡ ትምህርቶም ጠንጢኖም፡ ንህይወቶም ቀቢጾም'ዮም ናጽነት ንከምጽኡ ንሜዳ ወሪዶም ብዙሓት ከኣ ተሰዊኦም ... ዝተዓጻጸፉ'ውን ሰንኪሎም። ብዙሓት ካብ'ቶም ተጋደልቲ ዝነበሩ ገሊኦም ተገሊሎም፡ ተሰዲዶም፡ ደስኪሎም፡ ተኣሲሮም ኣለው ከምኡ ክንርኢ ግን ትጽቢት ኣይነበረናን ከኣ ትብል ነቲ ትጽቢትን ክውንነትን ብምግንዛብ።
ማእሰርቲ ኣስቴር ኰነ ማእሰርቲ መጋድልታን ካልኦት ዜጋታትን ንታሪኽ ኤርትራ ከምዝቐየሮ፡ ሕብረተሰብና ብርእይቶ ተፈላልዩ ብሓሳብ ተገማሚዑ ንሓድሕዱ ክናቘት፡ ፍትሒ ተነፊጉዎ ከማርርን ክስደድን ክትርኢ ከምእትጉሂ ትገልጽ።
እቲ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ ኣብ ስደት ክነብር ዝጸንሐ ኤርትራዊ፡ ንዓዱ ኣይተመልሰን። "ዋላ እቶም ኣባላት ህግደፍ ኢና ዝብሉ ደገፍቲ መንግስቲ እውን ኣይጠዓሞምን ንነብሶም ኣብ ስደት እዮም ዘለው
" ከኣ ትብል ድሕሪ ነጻነት እውን ብዙሓት መንእሰያት ይስደዱን ምህላዎም ብምግንዛብ
ኣስቴር ዝነበራ ሕልሚ ናብ ዕላማ ምስ ለወጠቶ ከምእተኾልፈትን ድምጺ ማዕርነትን ፍትሕን ዲሞክራስን ምስተዓብሰ እቲ ዘጋጠመ ብዝያዳ ከምዝተረደኣ ትዛረብ።
"ይኹን እምበር ሓብተይ ብምእሳራ ሕልማ ተኣሲሩ ማለት ኣይኰነን ... እቲ ኣብ ልቢ ኣስቴር ዝዓሰለ ብርሃን ነቲ ኣብ መዓሙቝ ልበይ ዘሎ ጸልማት ከብርሆ ስለ ዝኸኣለ" ብማለት ሓሳብ ልባ ገለጸት።