ዋንጫ ዓለም ቐጠር፡ ስጳኛን ጀርመንን ኣብ ምድብ ሞት

ዋንጫ ዓለም ቐጠር፡ ስጳኛን ጀርመንን ኣብ ምድብ ሞት

ምንጪ ስእሊ, ANP

 እዚ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ንፈለማ ግዜ ኣብ ዓረባዊት ሃገር - ቐጠር ንዝካየድ መበል 22 ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ምደባ ተሳተፍቲ ሃገራት፡ ትማሊ ዓርቢ፡ 01 ሚያዝያ 2022 [23 መጋቢት 2014] ተኻይዱ።

ኣብዚ 12 ሕዳር 2015 ዓ.ም [21/11/22] ጀሚሩ ክሳብ 9 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም [18/12/22]፣ ን 28 መዓልታት ዝካየድ ውድድር፡ ኣብ ምድብ ሓደ፡ [A] ኣአንጋዲት ሃገር ቐጠር፡ ኔዘርላንድስ፡ ሰኔጋልን ኢኳዶርን ተመዲበን ኣለዋ።

ኣብ ምድብ ክልተ [B] እንግሊዝ፡ ኣሜሪካን ኢራንን ክምደባ እንከለዋ፣ ካብ ዌልስ፡ ስኮትላንድን ወይ ዩክረይን ዝሰዓረት ድማ ነዚ ምድብ ክትጽንበሮ እያ።

ብሰንኪ ወራር ሩስያ፡ ዩክረይን ምስ ስኮትላንድ ዝነበራ ጸወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከተካይድ ብዘይምኽኣላ፡ ጸወታ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ክልተ ወርሒ ተቘጺሩ'ሎ። ኣብ ምድብ ሰለስተ [C] ኣርጀንቲና፡ ሜክሲኮል ፖላንድን ስዑድ ዓረብ ተመዲበን።

ኣብ ምድብ ኣርባዕተ [D]፡ ዝሓለፈ ዓመት ዋንጫ ዝዓተረት ፈረንሳ፡ ዴንማርክ፡ ቱኒዝያ ክምደባ እንከለዋ፡ ካብ ፔሩ፡ ኣውስትራልያን ኢማራት ዓረብን ናብዚ ምድብ ንምሕላፍ ክወዳዳደራ እየን። ናይ ሞት ምድብ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ምድብ ሓሙሽተ [E]፡ ንስጳኛን ጀርመንን ከራኽበን'ሎ። ጃፓን ኣብዚ ምድብ ክትከውን እንከላ፣ ካብ ኮስታሪካን ኒውዚላንድን ዝሰዓረት ድማ ናብዚ ምድብ ክትጽንበር እያ።

 ምድብ ሽዱሽተ [F]፡ ቤልጂየም፡ እታ ዝሓለፈ ዓመት ንዋንጫ ዝተወዳደረት ክሮኤሽያ፡ ሞሮኮን ካናዳን ሓቝፉ'ሎ።

ምድብ ሸውዓተ [G]፡ ብራዚል፡ ስዊዘርላንድ፡ ሰርቢያን ካሜሩንን ተመዲባናኦ ኣለዋ።

ናይ መወዳእታ ምድብ ሸሞንተ [H] ፖርቱጋል፡ ኡራጓይ፡ ደቡብ ኮሪያን ጋናን ከራኽብ እዩ።

ፊፋ፡ ድሕሪ'ዚ መበል 22 ዋንጫ ዓለም ዝስዕብ ውድድር፡ ብዝሒ ተሳተፍቲ ሃገራት ናብ 48 ክብ ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ውድድር፡ ተዓዋቲት ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝዀነት ፈረንሳ፡ ነዚ ናይ ሎምዘበን ውድድር'ውን ክትዕወተሉ ከም እትኽእል ልዑል ግምት ተዋሂብዋ'ሎ።

ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ብራዚል ኣብ 1962 ኣከታቲላ ዋንጫ ድሕሪ ምዕታራ፡ ተመሳሳሊ ታሪኽ ስለዘይተሰርሐ፡ ፈረንሳ ኣብዚ ዓመት እንተ ተዓዊታ ነቲ ታሪኽ ክትደግሞ እያ።

ኣብዚ ውድድር፡ ብራዚልን ፈረንሳን ከካብ ምድበን ብቐሊሉ ክሓልፋ ከም ዝኽእላ ብኣጋኡ ተገሚቱ'ሎ።

ሰኔጋል ድማ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝሓሸ ብቕዓት ክትስጕም ከም እትኽእል ይግምገም።

ስጳኛን ጀርመንን፡ ዘለዋኦ ምድብ ሓሙሽተ ልዑል ምትህልላኽ ክረኣየሉ ዝኽእል ምድብ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። ቐጠር፡ ነዚ ውድድር ንምክያድ ኣዝዮም ዘመናውያን ሓደስቲ ስታድዮማት ክትሃንጽ እያ። ካብኣቶም እቶም ሸሞንተ ነዚ ውድድር ክትጥቀመሎም እያ።

እቲ ዝነኣሰ ዝበሃል ስታድዩም፡ 'ኣልዋክራ ኣጀኑብ' ዝተባህለ ኰይኑ፡ 40 ሽሕ ተዓዘብቲ ከአንግድ ይኽእል።

ኣብቲ ፈላሚ መኽፈቲ ጸወታ፡ ዋጋ መእተዊ ስታድዮም ካብ 42 - 472 ፓውንድ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ድማ መእተዊ፡ ካብ 8-168 ፓውንድ፤ ናይ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ጸወታ ድማ፡ ካብ 156- 1227 ፓውንድ ክበጽሕ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።