ውግእ ዩክረይን: ኔቶ ሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ንክፍንዉ ይዳለው ምህላዎም ገሊጹ

ትቃጸል ዘላ ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Ukrainian Armed Forces

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ፡ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ኣብ ዩክረይን ዘለዉ ሓይልታት ሩስያ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ብዕጽፊ ንምዝያድ ምትእኽኻብ ይገብሩ ከምዘለው ሓቢሩ።

እዚ መግለጺ'ዚ፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪየቭን ቸርኒቭን እተኻየደ ወተሃደራዊ ንጥፈታት "ብርትዓዊ መገዲ" ከም ዝንኪ ምግላጻ እዩ ተሰሚዑ።

እቲ ምጉዳል ሰራዊት ሩስያ ከምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣይኮነን ኢሉ።

ሞስኮ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ነታ ብደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከብ ዞባ ዶንባስ "ሓራ ንምውጻእ" ትጽዕር ከም ዘላ እያ ትገልጽ።ሚስተር ስቶልተንበርግ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ " ሩስያ ንመብዛሕቶም ካብቶም ወተሃደራታ ነቲ ኣብ ዞባ ዶንባስ ክገብሩዎ ዝደልዩ ምንቅስቓስ ንምሕያል እያ ትሰርሕ ዘላ። ምኽንያቱ ከተማታት ብቐጻሊ ክድብደባ ኢና ንርኢ ዘለና፣ ።

"ኣብ ርእሲኡ ሩስያ ኣብ ኪየቭን ኣብ ካልኦት ከተማታትን ጸቕጢ ትገብር ብምህላዋ ተወሳኺ መጥቃዕትን ስቓይን ክስዕብ ይኽእል እዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ሩስያ ብወተሃደራዊ ስርሒት ዕላምኣ ንምርግጋጽ ከም ዘይተቐየረ ገሊጹ።

ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ሚስተር ስቶልተንበርግ ዝሃቦ ሓሳብ ብምጕላሕ፡ ሩስያ እቲ ዝገበረቶ ሜላታት "ምንስሓብ ዘይኰነ" ከምዘይኮነ ሓቢሩ ።

ብመሰረት ሓደ ናይ ኣመሪካ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል፡ ኣብ ከባቢ ኪየቭ ካብ ዝርከቡ ወተሃደራት ሩስያ፡ እቶም 20% ናይ ምውድዳብ መስርሕ ጀሚሮም ኣለዉ ።

እቲ በዓል ስልጣን ብምውሳኽ፡ ሩስያውያን ብቐንዱ ነቲ ካብ ኪየቭ ወጻኢ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሆስቶሜልን ካብቲ ኑክሌሳዊ ትካል ቸርኖቢል ይግዕዙ ከምዘለው ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ኣጋር ወተሃደራት ኣብ ዝተፈለላየ ቦታታት ይዝርግሑ እኳ እንተለው ሓይሊ ኣየር ሩስያ ግን ኣብ ሰሜን ዝርከባ ከተማታት ኪየቭን ቸርኒሂቭን ብቐጻሊ ናይ ኣየር ደብዳብ ይጥቀዓ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ወተሃደር

ኣብ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን እውን ቦምባታት ይወድቕ ከምዘሎ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ጸብጻብ ናይ ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብ መጀመርታ እቲ ወራር ኣትሒዞም ኣብ ምብራቕ ብዙሕ ዕቤት ኣይገበሩን፤ ስለዝኾነ ከኣ እያ ሩስያ ሕጂ ሩስያ ንሓርነት እቲ ዞባ ከተተኵር ምዃና ገሊጻ ኣላ ።

እዚ ዞባ እዚ፡ እተን ንገዛእ ርእሶም ናጽነት ዝኣወጁን ንሩስያ ዝድግፉን ሪፓብሊካት ሉሃንስክን ዶነትስክን ዝበሃሉ ክፋል ዩክረይን ዝጥርንፍ ኰይኑ፡ ሩስያ ቅድሚ ምውራራ ሰለስተ መዓልቲ ናጻ ምዃና ኣፍልጦ ሂባትሉ ኣላ።

እንተኾነ ሰራዊት ዩክረይን፡ ነቲ ሩስያ ኣብቲ ዞባ እትገብሮ ዘላ ገስጋስ "ብጽንዓት ኣፍሪስዎ" እዩ ክብል ናይ ኣመሪካ ናይ ምክልኻል ሓላፊ ገሊጹ ።

እቲ ኣብ ሰራዊት ዝግበር ዳግመ ምውዳብ ለውጢ ከምጽእ ድዩ ዝብል ገና ብሕጂ ክረአ እዩ። እዚ ማለት ግን እቲ ግጭት ንነዊሕ ክጸንሕን ዝያዳ ክሳራ ከስዕብን ይኽእል እዩ!!