ኲናት ዩክረይን፡ ፑቲን ብሰንኪ ፈራሓት ኣማኸርቱ ኣብ ጌጋ ወዲቑ-ኣሜሪካ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ብሰንኪ'ቶም ኲናት ዩክረይን ማዕረ ክንደይ ሓደገኛ እናዀነ ይኸይድ ምህላው ክነግርዎ ዘይክእሉ ፈራሓት ኣማኸርቱ፡ ኣብ ጌጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ኣሜሪካ ትገልጽ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ትካል ጸጥታ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ሞራሎም ወዲቝ፡ ሕጽረት መሳርሒ ገጢምዎምን፡ ትእዛዛ ምቕባል ይሕንግዱን ከምዘለው ይገልጽ።

ፕረዚደንት ፑቲን ድማ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተነብረ ማዕቀብ ኣብ ቁጠባ ሩስያ ዘኸትሎ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋ ብግቡእ ከም ዘይንገሮ፡ ኣሜሪካ ኣገንዚባ።

ብዛዕባ'ዚ ገምጋም ኣሜሪካ ግን፡ ብወገን ሩስያ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊት የለን።

ፑቲን፡ 'ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ጌጋ ቅማረ ወዲቐ፣ [ተደርቢሸ]" ዝብል ስምዒት ከም ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ 'ቲ ፕረዚደንትን ኣዘዝትን ቀጻሊ ምትፍናን የስዕብ ምህላውን፡ ኣሜሪካ ርጕጽ ሓበሬታ ከም ዘለዋ፡ ኣፈኛ ቤተ-መንግስቲ [ዋይትሃውስ] ኬት በዲንፊልድ ተዛሪባ።

"እዚ ውግእ፡ ስትራተጅያዊ ጌጋ እዩ፡ ኣብ ነዊሕ ድማ ንሩስያ ከዳኽማን ካብ ኣህጕራዊ መድረኽ ክንጽላን እዩ፡" ትብል።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ - ፔንታጐን፡ ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ እዚ ግምገማ "ዘየቕስን" እዩ ክብል ይገልጽ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ እቲ ሓቅታት ብዙሕ ዘይንገሮ ዘሎ ፑቲን፡ ነዚ ግጭት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክገብሮ ዝኽእል ጻዕሪ ከጕድል ስለዝኽእል እዩ።

"እቲ ዝኸፍአ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መራሒ፡ ሕማቕ ዜና ክመጽኦ እንከሎ ዝወስዶ ግብረመልሲ እንታይ ምዃኑ ክፍለጥ ስለዘይከኣል እዩ፡" ይብል።

እዚ ከምዚ'ሊ እንከሎ፡ ሓይልታት ዩክረይን፡ ገለ ቦታታት ካብ ሰራዊት ሩስያ ንምምላስ ዝዓለመ ጸረ-መጥቃዕቲ ጀሚሮም ኣለው። በዚ መሰረት፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ኪቭ ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ቸርኒቭን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሩስያ መጥቃዕቲ ፈንዮም።

ሓላፊ ትካል ድሕነት-ሳይበር ብሪጣንያ፡ ጀረሚ ፍለሚን፡ እዚ ብዩክሬናውያን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ መርኣያ 'ቲ ሩስያ 'እዚ ኵነታት ዝንቡዕ ቀሚራቶ' ከምኡ'ውን 'ደጊማ ዕቱብ ክትሓስብ' ኣገዲድዋ፡ ዝብል ትነታና ምዃኑ ይምጕት።

ፍለሚንግ፡ ኣብቲ ብሓሙስ ኣብ ኣውስትራልያ ዘስምዖ ዘረባ፡ እቶም ተስፋ ዝቘረጹ ወተሃደራት ሩስያ፡ ኣብ ንብረቶም ርእሰ-ዕንወት ይፍጽሙ ከም ዘለው፣ ነፋሪት ኲናት ሩስያ'ውን ባዕላቶም ሃሪሞም ከም ዘውደቝን ገሊጹ።

ንሱ ኣተሓሒዙ፡ ንቻይና የጠንቅቕ፤ ቻይና ኣብዚ ጕዳይ ምስ ሩስያ እትምስርቶ ኪዳን ኣብ ነዊሕ ንረብሓኣ ክጻረር ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ቻይና ምስ ሩስያ ኣመና ጥቡቕ ኪዳን ክትኣቱ ከም ዘየድልያ ኣጠንቂቝ።

ሰበስልጣን ዩክረይንን ኣሜሪካን፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ከባቢ ኪቭ ምቅይያር ቦታታት ይገብር ከም ዘሎ ይገልጹ ኣለው። እዚ ኸኣ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዩክረይን ጥራይ ንምድሃብ [ሩስያ] ክትገብሮ እትኽእል ጻዕሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምግሙ።

ካልእ ምዕባለታት፥

  • ፕረዚደንት ቮለድሚር ዘለንስኪ፡ እቲ ብሩስያ ዝጽዋዕ ዘሎ 'ኵነታት ዘይምዕራግ'፡ ንኻልእ፡ ኣብ ምብራቕ ዞባ ዶንባስ ንዝኽፈት "ሓድሽ መጥቃዕቲ" ንምድላው ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣረኡ ይገልጽ። "ንዋላ ሓደ ኣይንኣምንን ኢና፣ ንዋላ ሓንቲ ጽብቕቲ ቓል'ውን፡" ኢሉ።
  • ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኣብታ ተኸቢባ ዘላ ማሪያፖል ህዝቢ ምእንቲ ክወጽእ፡ ንሓሙስ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ኣሚሙ። እዚ እማመ፡ ድሕሪ'ቲ ፑቲን፡ ደብዳብ ምእንቲ ደው ክብል፡ ማርያፖል ኢዳ ክትህብ ኣለዋ፡ ክብል ዝሃቦ መግለጺ እዩ።
  • ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ከም ዝበሎ፡ ወተሃደራት ሩስያ፡ ነቲ ኣብ 1986 ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሓደጋ ኑክሌር ኰይኑ ዝነበረ፡ ትካል ኑክሌር ዘለዎ ከባቢ ቸርኖቢል ለቒቘም ናብ ቤላሩስ ገጾም ይኸዱ ኣለው። "ይወጽኡ ኣለው ኢልና ኢና እንሓስብ፣ ዝገርም እዩ፡ ኵሎም ከይዶም እዮም፡" ይብል እቲ በዓል ስልጣን።
  • ኣርባዕተ ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብታ ሃገር ወጺኦም፣ ሓደ ርብዒ [ሚልዮን] ድማ ተመዛቢሎም ኣለው።

ዩክሬናዊ ተዛታዪ ንሰላም፡ ደቪድ ኣርኻምያ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክረይንን ባሕቲ ሚያዝያ እንደገና ክቕጽል እዩ።

ሮይተርስ፡ ንኣርኻምያ ጠቒሱ ኣብ ዝዝርግሖ ሓበሬታ፡ ዩክረይን ክልቲኦም መራሕቲ፣ ሩስያን ዩክረይንን ገጽ-ንገጽ ክራኸቡ ዝብል እማመ ከተቕርብ እንከላ፣ ብወገን ሩስያ ግን፡ ኣብቲ ንድፈ-ስምምዕ ገና ብዙሕ ዝተረፈ ነገራት ኣሎ ብዝብል ምኽንያት፡ [እቲ እማመ] ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ተዛተይቲ ሩስያን ዩክረይንን፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ኢስታንቡል -ቱርኪ፡ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ይዝከር።

ዩክረይን፡ ኣምሳያ ናይቲ ዝወሃባ ዘተኣማምን ውሕስነት፡ ዘይሻራዊት ሃገር ክትከውን ፍቓደኛ ምዃና ዝገልጽ እማመ ከም ዘቕረበት ገሊጻ እያ።