ካብ ዓለም ብዝሒ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እትውንን ሩስያ ክትጥቀመሉ’ዶ ትኸውን?

እታ ቅድሚ ሰሙን ንዩክረይን ወሪራ ዝሓዘት ሩስያ ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምእትውንን መረዳእታታት ይሕብሩ። እንተኾነ ግን ተጠቒማትሉ ኣይትፈልጥን። ሕጂ ግን ፕረዚደንት ፑቲን እቲ ቀዛፊ ኣጽዋር ድሉው ክኸውን ኣዚዙ'ሎ።