ባይደን “ፑቲን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን” ምባሉ የዘራርብ ኣሎ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ ዋርሶው ብዛዕባ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱን ዝተዛረቦ ዘረባ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ጆ ባይደን ብዛዕባ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝካየደቶ ወራርን ብዛዕባ ፕረዚደንት ፑቲንን ኣመልኪቱ “እዚ ሰብ እዚ ኣብ ስልጣን ክጽንሕ የብሉን” ኢሉ ተዛሪቡ።

ዘረባ ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ናይ መንግስቲ ለውጢ ክህሉ ድሌትን ዓላማን ከምዘለዋ ዘርኢ’ዩ ክብሉ ብዙሓት ይትንትንዎ ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዘረባ ጆ ባይደን፡ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ሓያላት ሃገራት ዘሎ ሓርፋፍ ርክብ መሊሱ ከሻሕክሮ’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን።

እንተኾነ ድሕሪ መደረ ጆ ባይደን ዋይት ሃውስ ብዛዕባ እቲ ዘረባ መብሪሂ ሂቡ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ “ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብዛዕባ ለውጢ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣይኮነን ተዛሪቡ” ኢሉ።

“እዚ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን፡ ዝብል ዘረባ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ስርዓት ክቅየር ድሌት ኣለዋ ተባሂሉ ክትርጎም” ከምዘይብሉ መግለጺ ዋይት ሃውስ ይሕብር።

ዋይት ሃውስ ኣብ መብሪሂኡ “ፕዚደንት ጆ ባይደን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ስልጣን ክጸንሕ የብሉን ዝበለ፡ ፑቱን ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ከይጥቀመሉ ንምሕባር ዝበሎ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ዋይት ሃውስ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ጆ ባይደንን ፑቱንን ክግበር ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ ዘረባ ጆ ባይደን ዕንቅፋት ከይፈጥር ብምስጋእ ምትዕርራይ ንምግባር ዝወጽአ ከምዝኾነ ብዙሓት ይገልጹ ኣለዉ።

ውሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፖላንድ ሉካሳዝ ጀስቲና ንዘረባ ጆ ባይደን ኣመልኪታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “መራሕቲ ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ናብ ዋርሶም [ርእሰ ከተማ ፖላንድ] መጺኦም ብዛዕባ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣመልኪቶም ተዘራሪቦም’ዮም” ኢላ።

እታ ውሃቢት ቃል ብምስዓብ “ዝኾነ ውልቀ መላኺ መራሒ ክቕየር ከምዝኽእል ባይደን ንሩስያውያን ተዛሪብዎም’ዩ፡ ስምዒትካ ዝትንክፍ ዘረባ’ዩ፡ ፑቲን ኣብ ሕብረተሰብና ተቐባልነት ክህልዎ ኣይግብኣን’ዩ፡ ክእመን’ውን ኣይግብኦን’ዩ” ኢላ።

ፖላንድ ምስ ዩክረይን ትዋሰን ሃገር እያ።

ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኸኣ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ዩክረይን ዝተሰደዱ ስደተኛታት ተቐቢላ ኣላ።

ካብቶም ናብ ፖላንድ ዝተሰደዱ፡ ኣብ ዩክረይን ዝመሃሩ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ይርከብዎም።