ሓይልታት ዩክረይን ኢዶም እንተዘይሂቦም ድብዳብ ኣየቋርጽን- ፑቲን

ፑቲን ሰራዊት ዩክረይን ኢዶም እንተሂቦም ጥራይ ነታ ኣብ ክባ ዘላ ከተማ ማርዩፖል ምድብዳብ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ፡፡

ንሱ ብሰሉስ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ ሰዓት ናይ ስልኪ ዘተ እዩ ነዚ መርገጺኡ ተዛሪቡ፡፡

ሰብመዚ ፈረንሳ ግና መራሒ ሩስያ ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ብዛዕባ ዝወጽእሉ ትልሚታት ኣብ ግምት ንምእታው ከምዝተሰማመዐ እዮም ዝገልጹ፡፡

እታ ከተማ ብደብዳብ ሩስያ ዝበጽሓ ዕንወት ዘርእዩ ምስሊታት ወጺኦም ኣለዉ፡፡

ማክሳር ዝተባህለ ኩነታት መሬት ዝስንድ ትካል ኣብ ዘውጸኦም ምስልታት፡ መንበሪ ኣባይቲ ናብ ፍረስራስ ተቐዪሮምን ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዝርከቡ መዳፍዕ ሩስያ ኣፈሙዝ ናብታ ከተማ ገይሮምን የርእዩ፡፡

ሰበስልጣን ፈረንሳ ካብ ቤተ መንግስቲ ኤሊሴ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ‘‘መዓት’’ ክብሉ ብምግላጽ ‘‘ሲቪላውያን ሓለዋ ክግበረሎምን እንተደልዮም ድማ ካብታ ከተማ ክወጽኡን’’ ከምኡ ድማ ቀረብ ሓገዛት ምግቢ፣ ማይን መድሃኒትን ክረኽቡን ጸዊዖም፡፡

‘‘እቲ ከፊኡ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ምስቲ ሓይልታት ሩስያ ኣብታ ከተማ ዘንበርዎ ዕግታ’’ ዝተተሓሓዝ እዩ’’ ይብል እቲ መግለጺ፡፡

ፈረንሳ ምስ ቱርኪ፣ ግሪኽን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ብምዃን ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ንምውጻእ ዘኽእል ትልሚ ንፕረዚደንት ቫላድሚር ፑቲን ኣቕሪቦምሉ እዮም፡፡

ፑቲን ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ትልሚ ‘‘ክሓስበሉ እየ’’ ዝብል መልሲ ከምዝሃበ ሰብመዚ ፈረንሳ ኣፍሊጦም፡፡

እንተኾነ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ንዝርርብ እቶም መራሕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ፑቲን ነቲ ትልሚ መረጋገጺ ከምዘይሃበሉ ኣፍሊጡ፡፡

ፑቲን ንመራሒ ፈረንሳ ‘‘ኣብታ ከተማ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ንምፍታሕ ሚልሻታት ዩክረይን ምክልኻል ደው ከብሉን ዕጥቆም ክፈትሑን ኣለዎም’’ ኢሉ ከምዝተዛረቦ ሰብመዚ ሩስያ ይገልጹ፡፡

ሩስያ ብኣሻሓት ንዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ማርዩፖል ናብ ዝተቖጻጸረቶ ከባቢታት ክኸዱ ተገድዶም ከምዘላ ዩክረይን ትኸስስ፡፡

ከንቲባ እታ ከተማ ብሰንኪ ደብዳብ ሩስያ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ እዩ ዝገልጽ፡፡

ካብታ ከተማ ዝሃደመ ቫዲይም ቡይቸንኮ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ፡ ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ምድብዳብ ካብ ዝጅምር ኣስታት 210 ህጻናት ዝከቡዎም ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ገሊጹ፡፡

ብኻልእ ዜና ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ዲሜትሪ ፒስኮቭ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ትማሊ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ቱርኪ ዘካየደኦ ዘተ ዝረብሕ ተስፋ ከምዘይተረኸቦ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ ዘተ ሩስያ ኣብ ከተማታት ኪቭን ቸርንሂቭን እተካይዶ መጥቃዕቲ ከምእትቕንሶን ፡ ዩክረይን ድማ ‘‘ዛይሻራዊ’’ ናይ ምዃን ኩነታት ከምእትሓስበሉን ገሊጸን ነይረን፡፡

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግና እቲ ኣብ ኢስታንቡል ዝተገበረ ዝርርብ ንቕድሚት ዝሰጎመ ክብል ገሊጽዎ፡፡

ንሱ ሩስያውያን ንፈለማ እዋን ካብ ግዘ ገደብን ቀይሕ መሰመርን ወጺኦም ንጠለባት ዩክረይን ከምዘዳመጹ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ሩስያ ዋላኳ ኣብ ኪቭን ቸርንሂቭን መጥቃዕቲ ክትቅንስ ቃል እንተኣወት ዛጊድ ወታሃደራታ ኣይሰሓበትን ኢሉ፡፡

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከተማ ቸርኒሂቭን ደብዳባት ቀጺሎም ከምዘለዉ ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ ሃገሩ በታ ኣብ 2014 ካብ ዩክረይን ብሓይሊ ዝመንዘዐታ ግዝኣት ክሬምያ ከምዘይትደራደር ኣፍሊጡ፡፡

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ዩክረይናውያን ነታ ሃገር ገዲፎም ከምዝተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ፡፡