እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ኣብ ዛዕባ 'ዘይሻራውነት' ክትዘራረብ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ኣብቲ ምስ ሩስያ ዝግበር ዘተ ሰላም፡ ሃገሩ ኣብ ዛዕባ 'ዘይሻራውነት ዩክረይን' ክትዛተ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ሩስያዊ ናጻ ጋዜጠኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ዝዀነ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ኣብ ዩክረይን ድምጺ ህዝበ ውሳነ [ረፈረንደም] ክግበረሉ ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ።
ንሱ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ 'ኳ እንተነበረ፡ ብኸምዚ ዓይነት ቃና ግን ኣይነበረን።
እዚ ዜና'ዚ ዝቃላሕ ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቱርኪ ዘተ ክጅምር ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን እዩ።
"ውሕስነት ጸጥታ፡ ዘይሻራውነት፡ ሃገርና ኒኩሌር ኣልቦ ምዃን ኣብ ዝብል ጕዳይ ክንዛተ ድሉዋት ኣለና። እዚ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ" ክብል ዘለንስኪ ኣብቲ ን90 ደቃይቕ ብቪድዮ ዘካየዶ ዝርርብ።
ዘይሻራውነት ማለት፡ ሓንቲ ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ዝዀነ ወተሃደራዊ ኪዳን ዘይምግባር ማለት እዩ።
ዘለንስኪ፡ ኣብዚ ጕዳይ ክብጻሕ ንዝኽእል ስምምዕ፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ገጽ ንገጽ ምርኻብ ከም ዘድልዮ፤ ዩክረይን ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ መጥቃዕቲ ክወርዳ ከም ዘይኰነ ዘተኣማምን ውሕስነት ክትረክብ'ውን ኣድላዪ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ኣብቲ ብቛንቋ ሩስያ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እዚ ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ወራር ጠንቂ ዕንወት'ተን ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀና ከተማታት ዩክሬን ከይተረፈ ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ድሒሩ፡ ኣማስያኡ ንህዝቢ ሃገሩ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ክኣ ዩክረይን ምድንጓል ዘይብሉ ሰላም ትደሊ ከም ዘላ ኣስሚሩሉ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክሬን ካብ ኑክሌራዊ ዕጥቂ ነጻ ክትከውንን፡ ኣብ ኔቶ ንኸይትጽንበርን ውሕስነት ከም ዝደሊ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክከራኸር ጸኒሑ እዩ።
ዩክረይን ኣብ 1991፡ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ ቀስ ብቐስ ናብ ምዕራብ ማለት ናብ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ገጻ ከተቋምት እያ ጸኒሓ።
ፑቲን፡ ምብትታን ሕብረት ሶቭየት፡ ከም ውድቀት 'ታሪኻዊት ሩስያ' እዩ ዝርእዮ፤ ነዚ ንምቕልባስ ከኣ ካብ ነዊሕ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ዕላማኡ ኰይ፡፣ ንሱ ንጥንታዊ ታሪኽ ዩክሬን ብምንጻግ፡ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን ሓደ ህዝቢ እዮም ኢሉ ይምጕት።
እዚ ዘለንስኪ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ሩስያ ንኸይዝርጋሕ፡ ተቘጻጻሪ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ዝዀነ ሮስኮምናድዞር ዝሓለፈ ሰንበት መምርሒ ሂቡ።
ንሱ፡ "ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ፡ ምስቶም ቃለመጠይቕ ዘካየዱ ዝተኣሳሰር፡ መን ሓላፍነት ይወስድን፣ እንታይ ግብረመልሲ ክወሃብ ይኽእልን ንምውሳን" ምጽራይ ይግበር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ሮስኮማንድዞር፡ "ነቲ ቃለ መጠይቕ ዘካየዳ ገለ ማዕከናት ዜና 'ልኡኻት ወጻኢ' ኣብ ሩስያ እየን" ክብል ገሊጹወን ኣሎ።
ሩስያ፡ ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገር ንኲናት ዩክረይን ኣብ ዝምልከት ንዝሰርሓኦ ዜና ዝድረት ሓድሽ ሕግታት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣውጺኣ እያ።
እዚ ቃለመጠይቕ [ዘለንኪ]፡ ካብ ሩስያ ወጻኢ ኰይና ብእትዓዪ ማዕከን ዝተፈነወ እዩ።
ሓለቓ ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን፡ ሩስያ ንመላእ ዩክሬን ኣብ ምቍጽጻር ድሕሪ ምፍሻላ፡ ልክዕ ከም ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ኣብ ክልተ ንምስንጣቕ ብምሕላን ይኸስስ።
እንተዀነ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዘለንስኪ፡ ኣሌክሳንደር ሮድንያንስኪ፡ ዩክረይን ዝዀነ ካብ ግዝኣታ ንሩስያ ከምዘይትገድፍ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ዝዀነ ካብ ግዝኣትና ክንገድፍ ወይ ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገርና ኣብ ዝምልከት ክንዘራረብ ፈጺምና ኣይንፈቅድን" ክብል፡ ሮድርያንስኪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ የረጋግጽ።
"ኣብዚ ቦታ ዝነብር ህዝቢ እንተሓቲትኩምዎ፡ ምስ ሩስያ ክኸውን ኣይደልን እዩ፤ ስለዚ፡ ብምሉኣ ዛ ሃገር ክትቍረስስ ይትረፍ ነዚ ህዝቢ ኸ ከመይ ኢልና ክንሓድጐ ንኽእል?"
ተኽእሎ ዘይሻራውነት ዩክረይን ሓድሽ ዛዕባ ኣይኰነን። ብውሕዱ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንቲ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ሩስያን ዩክሬንን ዝርርብ ክካየደሉ ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ሕጂ ብፕረዚደንት ዘለንስኪ ዝተነግረ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝነጸረ መግለጺ እዩ።
ብንጹር፡ ኣባልነት ዩክረይን ኣብ ኔቶ ኣብ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ቦታ ዘለዎ ኣይመስልን።
እቲ ኣብ 2019 ኣብ ቅዋም 'ታ ሃገር ዝሰፈረ፡ ህንጡይነት ዩክሬን ኣልጊስካ ብረፈረንደም ምትካእ የድሊ።
ንኣባልነት ኔቶ ምድጋፍ ማለት ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ንዩክሬናውያን ክወሓጥ ዘይከኣል ዕረ ክኾኖም እዩ።
እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኪዳን ምጽንባር ዘይኰነስ፡ ውሕስነት ጸጥታ ምርግጋጽ ጥራይ እዩ።
ሰበ ስልጣን ዩክሬን፡ ሃገሮም ኣምሳያ ናይቲ ኑክሊየር-ኣልቦ እትዀኖ ዝወሃባ ውሕስነት፡ ካብቲ ናይ 1994 'ሜሞራነም ቡዳፐስት' ዝያዳ ንጹር ተጨባጥን ክኸውን ኣጥቢቘም ይከራኸሩ።
ዩክረይን ኣብ ዝዀነ ብሩስያ ክመጽኣ ንዝክእል ተጻብኦ ንምምካት ምስኣ ደው ዝብላላ ሃገራት ብንጹር ክትፈልጥ ክትደሊ እያ።
ዝተፈላለየ መልክዕ ገለልተኛነት እዩ ዘሎ። እንተዀነ ነዘን ክልተ ሃገራት ከሰማምዕ ዝክእል 'ገለልተኛነት' ብቐሊል ዝርከብ ኣይመስልን።
ዶባት ዩክረይን ኣብ መጻኢ እንታይ ክመስል እዩ? ክብል ተሓቲቱ፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ወተሃደራት ሩስያ፡ ናብቲ ቅድሚ ምሉእ ወራር ምጅማሩ ቅድሚ 24 ለካቲት ዝነበርዎ ቦታ ክምለሱ ከም ዝግባእ ኣፍሊጡ'ሎ።
ንሱ፡ ሃገሩ፡ ንዶንባስ ይዅን ክረምያ ብሓይሊ ንምምላስ ዝዀነ ፈተነ ከም ዘይትገብረ የነጽር።
እንተዀነ ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ነቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ክኣቱ ዝጸንሐ ግዝኣቶም ስቕ ኢሎም ክርእይዎ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ይፍለጥ።