ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ዙርያ ርእሰከተማ ኪቭ ተጻብኦታት ከተጉድሎ ከምዝወሰነት ገሊጻ

ሩስያ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ኪቭ ን ከተማ ቸርኒሂቭን ከተካይዶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ስርሒታት "ኣዝያ ከተጉድሎ" ከምዝወሰነት ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ።

እቲ ውሳነ፡ ድሕሪ'ቲ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቱርኪ ዘካየድዎ ዝርርብ'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።

ኣለክሳንደር ፎሚን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስጉምቲ "ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ንምፍጣር ዝዓለመ" ምዃኑ ተዛሪቡ።

ልኡኻት ዩክረይን ብወገኖም፡ ሃገሮም ጸጥታዊ ውሕስነት እንተረኺባ ዘሻራዊ መርገጺ ሒዛ ክትቅጽል ከምዝተሰማምዑ ኣፍሊጦም። እዚ ማለት፡ ከም ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ዝበለ ወተሃደራዊ ምትእኽኻባት ኣባል ኣይክትከውንን'ያ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ወከልቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕባለታት" ተራእዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ቀጻሊ እዋናዊ ሓበሬታ ክህብ ዝንሐ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ካብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ኪቭ ሒዞሞ ዝጸንሑ ቦታታት ንሕሪት ስሒቦም ከምዘለዉ ጠቒሱ'ሎ።

እዚ ሓድሽ ዜና ብፍላይ ነታ ከቢድ ዕንወት ዝወረዳ ከተማ ቸርኒሂቭን ኣስታት 140 ሽሕ ዝኾኑ ነበርታን ተዛማዲ ሩፍታ ዝፈጥር'ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት'ውን ደብዳብ ከምዝነበረ ሰብመዚ እታ ከተማ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ሚኮላየቭ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ሰባት ተቐቲሎም 22 ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣፈኛ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ'ቲ ተሰሚሙ ዝተባህለ ሩስያዊ ቢልየነርን ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልስን ሮማን ኣብራሞቪች ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ዝወጸ ጸብጻብ ሓቂ ከምዘይኮነን "ናይ ሓበሬታ ኲናት" ምዃኑን ገሊጹ።

ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ ኣለክሳንደር ፎሚን ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡

"ናይ ዩክረይን ዘይሻራውነትን ካብ ኑክሌር ናጻ ምዃንን፡ ከምኡ'ውን ጸጥታዊ ውሕስነትን ብዝምልከት ዝግበር ልዝብ ኣብ ግብራዊነቱ ስለዝበጽሐን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኣኼባ ዝተበጽሐ መትከላት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈደረሽን ሩስያ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ወገናት ምትእምማን ንምፍጣርን ንዝቕጽል ልዝብ ባይታ ንምጥጣሕን፡ ነቲ ዝተባህለ ስምምዕ ንምኽታምን፡ ኣብ ከባቢታት ኪቭን ቸርኒሂቭን ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣዝዩ ከጉድሎ ወሲኑ'ሎ"።

ወናኒ ቸልሲ ኣብ ኢስታንቡል

ቢልየነር ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ንኽልተአን ሃገራት ንምሽምጋል ክገብረሉ ኣብ ዝጸንሐ እዋን ከም ዝተሰመመ (ከም ዝተመረዘ) ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብራሞቪች ኣብዚ እዋን፡ ካብ ዘጋጠሞ ጸገም ጥዕና ምምሕያሽ ኣርእዩ ናብ ጽቡቕ ኵነታት ከም ዝተመለሰን፡ ኣብቲ ኣብ ኢስታምቡል ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከም ዝተረኽበን ተፈሊጡ'ሎ።

ንሱ፡ ካብቲ ተወከልቲ ሩስያን ዩክረይንን ኮፍ ዝበሉሉ ቦታ ፍልይ ኢሉ፡ ኣብ ጐድኒ ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ ኢብራሂም ካሊን፡ ኮፍ ኢሉ ብተሌቪዥን ቱርኪ ተራእዩ።

ካሊን ኣቐዲሙ፡ እቲ ቢልየነር ምስ ተወከልቲ ዩክረይን ኣብ ሆቴላት ኢስታምቡል ንኽራኸብ ኵነታት ኣመቻቺእሉ ከም ዝነበረ ይግለጽ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ምስታፉ ከኣ፡ ኣብራሞቪች ኣብ መስርሕ ሽምግልና ክልተአን ሃገራት ተሳትፎ ከምዘለዎ ዘአንፈተ ኰይኑ'ሎ።

"ዝዀነ ነገር ከይትበልዑ ወይ ከይትሰትዩ"

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ቅድሚ እቲ ሎሚ ዝጀመረ ዘተ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ናብቲ ምስ ሩስያ ንምዝርራብ ዝተዳለወ መድረኽ ዝኸዱ ኵሎም፡ "ዝኾነ ነገር ከይበልዑ፡ ከይሰትዩን ብኢዶም ንነገራት ከይተናኽፉን" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ንሱ ነዚ መጠንቀቕታ'ዚ ዘሕለፈ፡ ምስ ዩክሬናዊት መደብር ዜና 'ይክፓያ-24' ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ'ዩ።

ከምኡ ክብል ዝደረኾ ምኽንያት ድማ፡ ሩስያዊ ቢልየነር ሮማን ኣብራሞቪችን ተወከልቲ ዩክረይንን ተሰሚሞም ዝብል ሓበሬታ ብምውጽኡ እዩ።