እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያዊ ፖለቲከኛ ቅድሚ ቅትለቱ ክትትል ይግበረሉ ከምዝነበረ ተቓሊዑ
ቀንዲ መወዳድርቲ ፑቲን ዝነበረ ቦሪስ ኔምጾቭ ቅድሚ ቕትለቱ፡ ኣብ ትሕቲ ክትትል ጕጅለ ቕንጸላ ምንባሩ ተቓሊዑ።
ሩስያዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ቦሪስ ኔምጾቭ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ቅድሚ ምማቱ፡ ንዓመት ዝኣክል ብጕጅለ ቕንጸላ ['ኣሳሲኔሽን ቲም' ወይ 'ሂት ስኳድ'] ምክትታል ይግበረሉ ከምዝነበረ ውጽኢት ምጽራይ ገበን ኣረጋጊጹ።
ቦሪስ ቀንዲ መወዳድርቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ኰይኑ ብ2015 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] ከም ዝተቐተለ ይዝከር። እዚ፡ ፑቲን ናብ ስልጣን ካብ ዝድይብ ዘጋጠመ ዝለዓለ ቅትለት ፖለቲከኛ'ዩ።
ሰበ ስልጣን ሩስያ ግን ኣብዚ ቅትለት ኢድ ከምዘይብሎም ብምግላጽ ነጺጐምዎ'ዮም።
ሎሚ ድማ ቤሊንግካት፡ ዘ ኢንሳይደርን ቢቢሲን ዝረኸብዎ መረዳእታ፡ ኔምጾቭ ቅድሚ ቅትለቱ ኣብ 13 መገሻታቱ ዝከታተልዎ ሰባት ከም ዝነበሩ ኣመልኪቱ'ሎ።
ኣብ ብ1990ታት [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳ] ፖለቲካዊ ዝና ዘጥረየ ኔምጾቭ፡ ኣብ ትሕቲ ቦሪስ የልሲን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ኣገልጊሉ ነይሩ።
ንየልሲን ክትክእ ከም ዝኽእል'ውን ይግመት ነይሩ።
እንተዀነ ቭላድሚር ፑቲን ናብ ስልጣን ብሰንኪ ምምጽኡ፡ ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ከም ዝተደፍአ ይዝረብ።
ብድሕሪኡ ብልሽውና ዘቃልዕን፡ ነቲ ሩስያ ኣብ 2014 ኣብ ልዕሊ ምብራቕ ዩክረይን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዝዅንን ሰልፊ ተቓውሞ ዘወሃሃደን ፖለቲከኛ እዩ።
ብ27 ለካቲት 2015 ንቦሪስ ኔምጾቭን ሰዓብቱን መዓልቶም ኣይነበረትን፣ ብዝተኸፍተሉ ተዅሲ ተቐቲሉ።
ኣብ ጽባሕ እታ ዝተቐተለላ መዓልቲ ከኣ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተኸፍተ ኲናት ዝዅንን ሰልፊ ክመርሕ ትጽቢት ይግበረሉ ነይሩ።
ምስ ቅትለት እቲ ፖለቲከኛ ተኣሳሲሩ፡ ሓሙሽተ ቼቺንያውያን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። በቲ ቕትለት ተኸሲሶም ድማ ማእሰርቲ ተበይንዎም።
ነቲ ቕትለት ግን መን ኣዚዙ? ስለ ምንታይ? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ከይተረኽበሎም ጸኒሖም።
ዝተቓልዐ ምስጢር
ሸውዓተ ዓመታት ድሕሪ እቲ ቕትለት፡ ቢቢሲ ምስቶም ኣብ ምጽራይ ገበናት ኣትኲሮም ዝሰርሑ መርበባት ሓበሬታ ቤሊንግካትን ዘ ኢንሳይደርን ብምትሕብባር ዘካየዶ መርመራ ወግዓዊ ኮይኑ'ሎ።
ኔምጾቭ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝገብሮም ዝነበረ መገሻታት ብሓደ ምስ ጕጅለ ቕንጸላ 'ታ ሃገር ርክብ ዘለዎ ኣባል ጸጥታ ሩስያ ምክትታል ይግበረሉ ከም ዝነበረ እቲ መርመራ ገበን የቃልዕ።
ካብ ናይ ባቡርን ኣየርን መጓዓዝያ ዝለሓኾ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ፖለቲከኛ ብውሕዱ 13 ካብ መገሻታቱ ምክትታል ተገይሩሉ ነይሩ።
ንመወዳእታ ግዜ ምክትታል ዝተገበረሉ ድማ፡ 10 መዓልታት ቅድሚ እታ ዝተቐትለላ መዓልቲ ከም ዝኾነ እቲ ዝተኻየደ ምጽራይ የመልክት።
ስም ናይቲ ዝከታተሎ ዝነበረ ኣባል ስለያ፡ ቫለሪ ሱካሬቭ ይበሃል። ሽዑ ኣባል ናይቲ ኤፍኤስቢ [FSB] ብዝብል ዝፍለጥ ትካል ጸጥታ ሩስያ ከም ዝነበረ ድማ ብመረዳእታታት ተረጋጊጹ'ሎ።
እቲ ትካል ጸጥታ ንመንግስቲ ሩስያ ወኪሉ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ እታ ሃገር ስግኣት ንዝበሃሉ ነገራትን፣ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንዝግበር ምንቅስቓስ ሰባትን ይከታተል።
ትካል ጸጥታ ሩስያ ምስ ምንቅስቓስ ባቡርን ኣየርን ብዝተሓሓዝ ዝሰነዶም ሓበሬታታት፡ 'ማጂስትራል' ዝብል መጸውዒ ኣለዎም።
ኣባላት ጸጥታ ሩስያ፡ ምክትታል ንዝደልዮም ዝጠርተርዎም ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኸም ሱካሬቭ ዝኣመሰሉ ንባዕላቶም ንኣባላት ጸጥታ'ውን ከይተረፈ ንዅሉ ምንቅስቓሳቶምም ከም ዝከታተልዎ ተረጋጊጹ።
ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ ብምስጢር ወጺኡ ናብ ኢድ ጋዜጠኛታት ይበጽሕ።
ንቕትለት ቦሪስ ኔምጾቭ ዝምልከት ምጽራይ ንምክያድ ዘገልገለ ቀንዲ ቅዳሕ ዳታ'ውን ዌብሳይት ቤሊንካት ብመገዲ ደለልቲ ገይሩ ካብ ሩስያ ከምዝዓደጐ ተፈሊጡ።
እቶም ደለልቲ ምስቶም ኣብ ብልሽውና ዝጠሓሉ ሰበስልጣን ብምርኻብ፡ ነቲ ማጂስተራል ብዝብል ኮድ ዝፍለጥ ሰነዳት መገሻታት ከም ዘውጽእዎ ድማ ተገሊጹ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ምጽራይ፡ ብዛዕባ 'ቲ ኣባል ኤፍኤስቢ [ንመገሻታት ቦሪስ ዝከታተል] ዝነበረን ምስታ ጕጅለ ቕንጸላ ርክብ ዝነበሮን ሱካሬቭ ዝገበሮም መገሻታት ባቡርን ኣየርን ተዳህሲሱ።
ነቶም ንሱ ዝገበሮም መገሻታት ምስቲ ምንቅስቓሳትን መገሻታትን ቦሪስ ንምንጽጻር ምስ ተፈተነ ድማ ተመሳሳልነት ከምዘለዎ ተረጋጊጹ።
ሱካሬቭ ንመገሻታት ቦሪስ ኔምጾቭ ዝምልከት ሓበሬታ ኣቐዲሙ ይበጽሖ ከም ዝነበረ ክረጋገጽ ዝተኽኣለሉ ኵነታት ድማ፡ ናብታ 'ቲ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ዝገሸላ ከተማ ብደቓይቕ ወይ ሰዓታት ኣቐዲሙ ንሱ ባዕሉ ይኣቱ ምንባሩ'ዩ።
ብፍላይ ኣብ 2014 ዝገበሮ ሓደ መገሻ ኣዝዩ ተቐራራቢ ነይሩ። ኔምጾቭ ናብ ሰርቢያ ንዝገበሮ መገሻ ብኦንላይን ቲኬት ነፋሪት ምስ ዓደገ፡ ኣብ ናይ 10 ደቓይቕ ፍልልይ ደድሕሪኡ ሱካሬቭ ናብ ተመሳሳሊ ቦታ ትኬት ዓዲጉ። ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ድማ ናብታ ቦታ በጺሖም።
መራዚት ጕጅለ
ኣብ ሩስያ ንፍሉጣት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት እግሪ እግሮም ምክትታል ልሙድ ተግባር እዩ።
እቲ ሱካሬቭ ዝተባህለ ኣባል ጸጥታ፡ ምስ ካልኦት ክልተ ፈተነታት ቅትለት ዝተሓሓዝ ርክብ ከም ዘለዎ'ውን ብቤሊንግካት ዝተገበረ ምጽራይ የመልክት።
እቶም ፈተነ ቕትለት ዝተገበረሎም ክልተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ከኣ፡ ተቓወምቲ ፑቲን ምዃኖም ይፍለጥ።
እቲ ቀዳማይ ዒላማ ዝነበረ ዓርኩ ንኔምጾቭ፡ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ተቓዋሚ ቭላድሚር ካራ ሙርዝ እዩ።
ንሱ ብድሕሪ ቕትለት ቦሪስ ኔምጾቭ ንመንግስቲ ሩስያ ክኸስስ ይስማዕ ነይሩ።
ኣብ ግንቦት 2015 ካራ ሙራዝ ካዛን ናብ ዝተባሃለት ኣብ ምብራቓዊ ሩስያ እትርከብ ከተማ ክገይሽ እንከሎ፡ ሱካሬቭ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናብታ ከተማ ተጓዒዙ።
ካራ ሙራዝ ናብ ሞስኮ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ምስትንፋስ ጸጊሙዎ ወዲቝ።
ውነኡ ስሒቱ ኣብ ዕወለት ምስ ኣተወ፡ ዝበዝሕ ክፋላት ኣካላቱ ብግቡእ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ግን ድማ ሓውዩ።
ኣብ 2017 ከኣ ንኻልኣይ ግዜ ተመሪዙ፤ ሽዑ'ውን ካብ ሞት ተሪፉ። ኣብቲ እዋን ንፖለቲከኛታት ብምስማም ክስታት ዝቐረበሉ መንግስቲ ሩስያ ንዅሉ ክስታት ነጺጉዎ።
እቲ ካልኣይ ዒላማ ዝነበረ ኣሌክስ ናቫልኒ እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ፡ ብፍላይ ንብልሽውና ዘቃልዑ ቪድዮታት ናብ ሚልዮናት ሩስያውያን ብምዝርጋሕ ይፍለጥ።
ናቫልኒ ኣብ 2020 ንመትኒታት ዝሃሲ ኣብ ሩስያ ብዝማዕበለ ባእታ ከም ዝተሰመመ ተገሊጹ ነይሩ።
መርበብ ሓበሬታ ቤሊንግካት ከም ዘመልክቶ፡ ኣባላት ጕጅለ ኤፍኤስቢ ቀቅድሚ ምስማሙ ናብታ ቶምስክ ዝተባህለት ከተማ ተኸታቲሎምዎ ነይሮም።
ኣብዚ መገሻ ናቫልኒ ግን እቲ ደድሕሪ ቦሪስ ኔምጾቭ ዝገይሽ ዝነበረ ሱካሬቭ ብኣካል ኣይተረኽበን።
ካብ ስልኪ ዝተረኸቡ መረዳእታታት ግን ንሱ ምስታ ንናቫልኒ ዝተኸታተለት ጕጅለ፡ ልዕሊ 145 ግዜ ከም ዝተደዋወለን ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ከም ዝተጸሓሓፈን የመልክቱ።
ካብቶም ኣባላት እታ ጕጅለ እቶም ኣርባዕተ ምስቲ ፈተነ ቕትለት ብዝተሓሓዝ ካብ መንግስታት ኣሜሪካን እንግሊዝን ማዕቐብ ዝተነበረሎም'ዮም።
መንግስቲ ሩስያ ግን ኣብ ምስማም ናልቫኒ ዝዀነ ተሳትፎ ከም ዘይገበረ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጐ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ንቦሪስ ኔምጾቭ ብኣባላት ጕጅለ ቕንጸላ ምክትታል ይግበረሉ ከም ዝነበረ ንዝቐረበ መረዳእታ መብርሂ ክህቡ ናብ መንግስቲ ሩስያን ኣባላት ጸጥታ ኤፍ ኤስ ቢን ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ወሃቢ ቓል መንግስቲ ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ ግን፡ "እዚ ዅሉ ምስ መንግስቲ ሩስያ ዘራኽብ ነገር የብሉን። ካልእ ፍብረኻ እዩ ዝመስል" ክብል ነጺግዎ።
ትካል ጸጥታ ኤፍኤስቢ ግን ዝዀነ ምላሽ ኣይሃበን።