እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ምስ መራሒ ቱርኪ ዝተዘራረበ ፑቲን ኲናት ደው ንምባል ጠለባት ኣቐሚጡ
ቱርኪ ንሃገራት ሩስያን ዩክረይንን መንጎኛ ዝኾነን ጥንቃቐ ዝተመለኦን ቅዋም ሒዛ እያ ጸኒሓ፤ እዚ ድማ ፍረ ዘፍረየ ይመስል፡፡
ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ናብ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣሂር ኤርዶጋን ቴሌፎን ዝደወለ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ምስ ዩክረይን ውዕል ሰላም ንምግባር እትጠልቦም ነጥቢታት ገሊጽሉ ኣሎ፡፡
ኣብቲ 30 ደቒቓ ጥራሕ ዝወሰደ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ሩስያ ዘቕረበቶም ጠለባት ኣብ ክልተ ከምዝኽፈሉ ቀንዲ ኣማኻርን ወሃቢ ቃልን ፕረዚደንት ቱርኪ ኢብራሂም ካሊን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ጠለባት፡ ዩክረይን ክተማለአን ከበድቲ ከምዘይኮና እዩ ካሊን ዝዛረብ፡፡
ካብዚኦም እቲ ቀንዲ ዩክረይን ማእከላይ ቦታ ክትሕዝን ኣባል ኔቶ ከይትኸውንን ዝጠልብ እዩ፡፡ ነዚ ጠለብ ድሮ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተቐቢልዎ እዩ፡፡
ኣብዚ መደብ ካልኦት ክብሪ ሩስያ ንምሕላው ዝተቐመጡ ዝመስሉ ጠለባት እውን ኣለዉ፡፡
ዩክረይን ንሩስያ ስግኣት ዘይምዃና ንምርግጋጽ ዕጥቃ ክትፈትሕ ኣለዋ፡፡ ቋንቋ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ውሕስና ክረክብ ትጠልብ፤ ‘ዲናዚፊኬሽን’ (ካብ ናዚ ነጻ ምዃን) ዝብልዎ እውን ኣሎ፡፡
እዚ ግን ነቲ መበቆሉ ኣይሁድ ዝኾነን ኣዝማዱ በቲ ‘ሆሎኮስት’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብናዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ዝተቐተሉዎን ዘለንስኪ ጸርፊ እዩ፡፡
ብወገን ቱርኪ ግን እቲ መራሒ ነዚ ክቕበል ኣይክኸብዶን ይብሉ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ናዚያዊ ኣሓሳስባ ንዝድግፉ ከምዝቃወም ዝገልጽ መግለጺ ካብ ምውጻእ ዝሓልፍ መስዋእቲ ኣይኽፍሎን ኢሎም ስለዝኣምኑ እዩ፡፡
እቲ ካልኣይ ምድብ ጠለባት እቲ ዝኸበደ ዝብልዎ እዩ፡፡ ፑቲን ከምዝበሎ ድማ ኣብዘን ጠለባት ቅድሚ ምስምመዖም ምስ ዘለንስኪ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ክዘራረቡ እዩ ዝደሊ፡፡
ዘለንስኪ ምስ ፑቲን ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ንምዝታይ ፍቓደኛ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ፡፡
ብዛዕባ እዞም ጠለባት ዝርዝር መብርሂ ዘይሃበ ኢብራሂም ካሊን፡ ብሓርፋፍ ጉዳይ ግዝኣታት ዶንባስን ዩክረይንን ከምዝኾኑ ተዛሪቡ፡፡
እቲ ጠለብ ዩክረይን ምብራቓዊ ክፋላ ክትገድፍ ዝሓትት ይመስል፤ እዚ ከኣ ዘሳኒ ሓሳብ ኣይመስልን፡፡
እቲ ካልእ፡ ዩክረይን ነታ ኣብ 2014 ሩስያ ብሓይሊ ዝመንዘዐታ ግዝኣት ክረምያ ብወግዒ ናይ ሩስያ ምዃና ክትቅበል ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ድማ ዩክረይን ክትቅበሎ ካብ ሓሞት ዝመርራ እዩ፡፡
ፕረዚደንት ሩስያ ዘቕረቦም ጠለባት ከምዝተፈርሕዎ ከብድቲ ዝበሃሉ ከምዘይኮኑ ዝኣምኑ ኣለዉ፤ ናብ ደም ምፍሳስ ዘብጽሕ ኣይነበረን እውን ይብሉ፡፡
ኮይኑ ግና ንዩክረይን ኣዝዩ ዘጨንቕ እዩ፡፡ እቶም ስምምዓት ብጠንቃቐ እንድሕር ዘይተራእዮም ፑቲን ይኹን ስዒቦም ዝመጹ መራሕቲ ሩስያ ነቲ ስምምዕ ከም ምኽንያት ወሲዶም ካልኣይ ክወሩዋ ይኽእሉ እዮም፡፡
ዋላኳ ተኹሲ ደው ምባል ምፍሳስ ደም ጠጠው ዘብል እንተኾነ ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ግን ነዊሕ ግዘ ክወስድ ይኽእል እዩ፡፡
ቭላድሚር ፑቲን ከምዝሓመመ ወይ እውን ኣእምሮኡ ጥዑይ ከምዘየለ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ፡፡
ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ብዛዕባ ጥዕና ፑቲን ዘስተብሀልካዮ ነገር ኣሎዶ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ኢብራሂም ካሊን፡ ዝኾነ ጸገም ከምዘየስተብሃለን ፑቲን ኣብ ሓሳባቱ ግልጽን መስመር ዝሓለወን ከምዝነበረን ተዛሪቡ፡፡