ፕረዚደንት ዩክረይን ንዝቖሰሉ ወተሃደራት በጺሑ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኵናት ንዝቖሰሉ ወተሃደራት ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ። እቲ ኣብ ዘይተፈለጠ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ንጉድኣት ቅልጡፍ ሕውየት ተመንይሎም።