መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ንፕረዝደንት ባይደን ምዝራብ ተሓሲሞም

ፕረዝደንት ጆ ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋይት ሃውስ፡ ን ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብተሌፎን ንምርኻብ ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይሰመረ ዎል ስትሪት ጆርናል ፀብፂቡ።

ኣሜሪካ፡ ንምድልዳል ዓለምለኻዊ ደገፍ ንዩክረይንን፡ ዝዓርግ ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ንምግታእን ኣብ ትሰርሐሉ ዘላ ግዜ፡ ዋይትሃውስ ንሰለስቲኦም መራሕቲ ንምርኻብ ፈተነ ኣካይዳ።

ሰብመዚ ማእከላይ ምብራቕን ኣሜሪካን ነቲ ጋዜጣ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ፡ ልኡል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ልኡል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድን፡ ንፕረዚደንት ባይደን ከዛርብዎም ብኣሜሪካ ዝቐረበሎም ሕቶ ነፂጐምዎ።

ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ንጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ከምዝሓበርዎ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ኲናት ሕድሕድ የመንን ኣብ ምህናጽ ሰቪላዊ ኒዩክለራዊ ጸዓትን ዝያዳ ሓገዝ ክግበረላ፣ ከምኡ'ውን ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ኣሜሪካ ከይክሰስን ዝብሉ ጠለባት ኣለውዋ።

ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ብቕትለት እቲ ዓምደኛ ዋሽንግተን ፖስትን ነቓፋይ ስዑድ ዓረብን ዝነበረ ጀማል ካሾጊ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝተኸሰሰ ይፍለጥ።

መሓመድ ቢን ሳልማን፡ እቲ ብ2018 ዝተፈፀመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘፅደቐ ሓደ ፀብፃብ ስለያ ኣመሪካ ገሊፁ ነይሩ።

እዚ ብምምሕዳር ባይደን ዕላዊ ዝተገብረ ፀብፃብ፡ እቲ ልኡል፡ ጋዜጠኛ ካሾጊ፡ "ንክትሓዝ ወይ'ውን ንክቕተል" ዝወፅአ መደብ ኣፅዲቑ ይብል።

ኣብ እዋን ጐስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን ንስዑድ ዓረብ፡ "ፋሉል" ሃገር ብምባል ገሊጽዋ ከምዝነበረን፡ ንዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ድማ፡ "ዋጋ ክትከፍል'ያ" ክብል ቃል ምእታዉ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢማራት'ውን፡ ኣሜሪካ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሚልሻታት ሑቲ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣንፃር ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ንዝገብርዎ መጥቃዕቲ፡ ድሩት ግብረመልሲ ብምሃባ፡ ማዕረ ስዑዲ ከምዘተሓሳሰባ፡ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣፍሊጡ።