"ዝኾነ ሰብ ይቕረታ ናይ ምባል መሰል የብሉን"፡ ሕጽይቲ ጀማል ካሾጊ

ስእሊ ጀማል ጋሾጊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፍልይቲ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መቕተልቲ ካሾጊ "ኾነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ" እዩ ትብል

ሕጽይቲ ብዘስካሕክሕ መገዲ ዝተቐትለ ስዑድ ዓረባዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ዝኾነ ሰብ ንቐተልቱ ይቕረ ናይ ምባል መሰል የብሉን ክትብል፡ ወዱ ንዝሃቦ ርኢይቶ ተቓዊማ።

ወዱ፡ ንቐተልቲ ኣቡኡ ይቅረታ ከም ዝገበረ ተዛሪቡ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ፍሉጥ ነቓፊ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ እስታንቡል ናብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ-ዓረብ ክኣቱ ንመጠረሻ ግዜ ተራእዩ። ብድሕሪኡ ግን ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ከም ዘይተራእየን ብኡ ኣቢሉ ሃለዋቱ ከም ዝጠፍአን ይግለጽ።

መንግስቲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ግን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ከም ዝገልጽን፡ ብዘይ ኣፍልጦ እቲ መንግስቲ ብካልኦት ኣካላት ስተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ንሳቶም ዘቕርቡዎ መርትዖ ግን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ስለላን ካልኦትን ተኣማንነት ኣይረኸበን።

ካሾጊ፡ ቅድሚ ምሟቱ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ንዋሽንግተን ፖስት ይጽሕፍ ነይሩ።

ንኩነታት ኣማውትኡ ዝምልከት ዝዋቓዕ ሓበሬታታት ይወጽእ'ኳ እንተነበረ፡ ጸኒሖም ግን ሰበ ስልጣን ስዑዲ፡ ሒዞም ናብ ሃገሩ ከምጽእዎ ብዝተልኣኸ ጉጅለ እዩ ተቐቲሉ ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም።

ኣብ ሪያድ ድሕሪ ዝተኻየደ ሕቡእ ምጽራይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ፡ ኣብዚ ተሳቲፎም ዝተበሎም ሓሙሽተ ሽሞም ዘይተጠቕሰ ጥርጡራት ብታሕሳስ 2019 ብሞት ፈሪዱ።

ፍልይቲ ራፖርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣግነስ ኮላማርድ፡ ነዚ ኣብ ስዑዲ ዝተኻየደ ፍርዲ "ተጻራሪ ፍርዲ" ክትብሎ እንከላ፡ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ትጠልብ።

ሕጹይቱ እንታይ ኢላ?

ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ሃቲስ ሴንጊዝ፤ "ጀማል ካሾጊ ካብ ኩላትና ንላዕሊ ዝነኣድን ዝፍቶን ኣርማ ዓለም እዩ ነይሩ" ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።

ሴንጊዝ ወሲኻ፡ "ጀማል ስነ ስርዓት መርዓና ንምፍጻም ዘድልዩ መረዳእታታት ከምጽእ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ናይ ሃገሩ ቖንስላ እዩ ተቐቲሉ። ቐተልቱ'ውን ንዕኡ ንምጥፋእን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ንምሕባእን እኹል ምድላው ገይሮም ካብ ስዑዲ ዝመጽኡ'ዮም" ኢላ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ነዚ ዘስካሕግሕ መቕተልቲ ዝፈጸሙ ሰባት ዝኾነ ሰብ ይቕረ ክገብረሎም መሰል የብሉን ኢላ።

ፍትሒ ክሳብ ዝርከብ፡ ንሳን ካልኦትን ትም ከም ዘይብሉ ገሊጻ።

ስድራ ካሾጊ እንታይ ኢሎም ነይሮም?

እቲ መግለጺ ወዱ ንጀማል ካሾጊ ሳላሕ ኣብ ትዊተር ዝጠቅዖ ኾይኑ፡ ንሱ'ውን ጋዜጠኛ እዩ።

"ኣብዚ ቅዱስ ወርሒ፡ ሓደ ሰብ ይቕረ ኢሉ ዕርቂ እንተኣውሪዱ ዓስቡ ካብ ኣላህ ይረክብ እዩ ዝብል። ስለ ዝኾነ ድማ ደቁ ንሰማእት ጀማል ሃሾጊ፡ ኣቦና ንዝቐተሉዎ ኩሎም ይቕረ ኢልናዮም ኣለና። ጻማና ድማ ካብ ፈጣሪ ንጽበ" ኢሉ።

ሳላሕ፡ ኣብ ጅዳ እዩ ዝነብር።

ሳላሕ ካሾጊ [ብጸጋም] ምስ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ቕትለት ጀማል ካሾጊ

ምንጪ ስእሊ, Handout/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሳላሕ ካሾጊ [ብጸጋም] ምስ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ቕትለት ጀማል ካሾጊ

ብመሰረት ሕጊ እስላም፡ ሓደ ስድራ ይቕረ እንተይሉ ተፈሪዱ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ክቕየር ይኽእል እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ጉዳይ ቐተልቲ ጀማል ካሾጊ ክትግበር ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን።

ሳላሕ ቅድም ኢሉ'ውን መንግስቲ እታ ሃገር ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ ከም ዝድግፍ ብምግላጽ፡ ሞት ኣቡኡ ስዒቡ "ጸላእትን ተቓወምትን" ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑ ሞት ኣቡኡ ምኽንያት ገይሮም መሪሕነት እታ ሃገር ከግድዑ ፈቲኖም ንዝበሎም ነቒፉ ነይሩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ደቁ ንጀማል ካሾጊ ካሕሳ ሞት ኣቡኦም መንበሪ ገዛውትን ወርሓዊ ድጎማ ገንዘብን ረኺቦም ክብል ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ።

መግለጺ ቪድዮ, መሓዙት ካሾጊ ፍትሒ ይደልዩ ኣለዉ

ጀማል ጋሾጊ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዝነብር ነይሩ።

ብኽልተ ጥቅምቲ 2018 ግን ንመርዓ ዘድልዩዎ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ከይዱ ።

ሕጽይቱ ኣብ ደገ ኮይና እናተጸበየቶ እንከላ፡ ወዲ 59 ዓመት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ተቐቲሉ፡ ኣካላቱ ተቖራሪጹ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ኣካላቱ ኣይተረኸበን።