መጽሄት ታይም፡ ጀማል ካሾጊ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ጋዜጠኛ ኢሉ ሰይሙ

ኣብ ቅድሚት ገፁ፡ ጀማል ካሾጊን ሰራሕተኛታት ካፒታል ጋዜጣን ሒዙ ዝወፀ ታይም መፅሄት

ምንጪ ስእሊ, Time

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቅድሚት ገፁ፡ ጀማል ካሾጊን ሰራሕተኛታት ካፒታል ጋዜጣን ሒዙ ዝወፀ ታይም መፅሄት

መፅሄት ታይም፡ ዝተኣሰሩን ዝተቐተሉን ጋዜጠኛታት ናይዚ ዓመት ብሉፃት ሰባት ገይሩ ሓርዩ።

እቲ መፅሄት፡ ኣብ አርባዕተ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድሚት ገፃት ሒዙዎም ዝወፀ እንትኸውን፡ ኣብዚ ዓመት ብሞይኦም መጥቃዕቲ ንዝተፈፀሞም ጋዜጠኛታት ሓርዩ ኣፍልጦ ሂቡ።

ካብ መንጎኦም ሓደ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ቱርኪ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ብመስካሕኽሒ ኩነታት ዝተቐተለ ጀማል ካሾጊ ይርከቦም።

ካሊእ ድማ ድማ ሰራሕተኛታት 'ካፒታል ጋዜት'፡ ማለት ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉዎ ናይ አመሪካ ጋዜጣ፡ ካብቶም ዝተሓረዩ መንጎ እዮም። ከምኡ ድማ እቲ ኣፍልጦ ፡ ፍልጲናዊት ማርያ ረሳን ክልተ ሚያንማራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ይርከበኦም።

መፅሄት ታይም ነዞም ጋዜጠኛታት ናይዚ ዓመት ብሉፃቱ ገይሩ ዝሓረየሉ ምኽንያት፡ ንሓቅን ርትዕን ዓው ኢሎም ዝተዛረቡን፡ ብሰንኩ ድማ ህይወቶም ንሓደጋ ዘሳጥሑን እዮም ኢሉዎም።

ጀማል ካሾጊ

ምንጪ ስእሊ, Middle East Monitor

መግለጺ ስእሊ, ጀማል ካሾጊ

ጀማል ካሾጊ ኣብ ስዑዲ ዓረብያ፡ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ዝነበረ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቱርኪ ኢስታምቡል እዩ ሃለዋቱ ጠፊኡ። ኣብ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ብትእዛዝ ሓለፍቲ ስለያ ፤ ከምዝተቐተለ መንግስቲ እታ ሃገር ኣሚኑ እዩ።

ይኹን ምበር ብዙሓት ብልኡል ስዑዲ ዓረብ፡ ሞሓመድ ቢን ሳልማን፡ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተቐተለ'ዮም ዝዛረቡ።

ካሾጊ፡ ኣብ አመሪካ ዕቑባ ሓቲቱ ዝነብር ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብኡ ኾይኑ ናብ ዋሺንግተን ፖስት ብዝፅሕፎ እዩ ብዝበለፀ ዝፍለጥ።

እቲ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ዓለም ለኸ ውግዘት'ኳ እንተስዐበ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ነቲ ጉዳይ ዕሽሽ ኢሎምዎ ተባሂሎም ይንቀፉ።