ጀማል ካሾጊ፡ ቱርኪ ብቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ 20 ስዑዳውያን ከሲሳ

ጀማል ካሾግጂ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, POMED

መግለጺ ስእሊ, ጀማል ካሾ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነይሩ

ቱርኪ፡ ብወርሒ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ብዝተፈጸመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝጠርጠረቶም 20 ስዑዳውያን ከሲሳ።

ዓቀብቲ ሕጊ ብወገኖም ምኽትል ሓላፊ ስለላ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ኣሕመድ ኣሲሪን ነበር ሓጋዚ እቲ ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ኣል-ቃታኒን እቲ ቕትለት ክፍጸም ኣለዓዒሎም ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሎም ገሊጾም።

እቶም ካልኦት 18 ጥርጡራት ተኸሰስቲ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቖንስላ ስዑዲ "ኮነ ኢሎም ኣረመናዊ ቕትለት" ፈጺሞም ዝብል ክሲ ቐሪብሎም።

ካብዚኦም ዋርዲያ ንጉሳዊ ስድራ ስዑዲ ዝነበረ፣ በዓል ሞያ መርመራ ፎረንሲክን ሓለፊ ስለያ ስዑዲን ዝርከቡዎም ኮይኖም፡ ምስ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ሓቢሮም ተጓዒዞም ዝነበሩ እዮም።

እዚ ኽሲ ቃል መሰኻኽር፣ ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ናውታት ካሾጊ ዝተገብረ ምጽራይን መዝገብ ናብ ቱርኪ ዝኣተውን ዝወጽኡን ሰባት መሰረት ገይሩ'ዩ ተኸፊቱ።

ኤጀንስታት ስለላ ምዕራባውያን፡ ቕትለት ጀማል ካሾጊ ብትእዛዝ ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ዝተፈጸመ'ዩ ኢሎም ይኣምኑ፤ ንሱ ግን ነዚ ኣይቕበሎን።

ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ፡ "ካሾጊ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉን መቕተልቲ እዩ፤ ነዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ሓላፍነት ትወስደሉ" ትብል።

ንዋሽንግተን ፖስት ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ቤት ፍርዲ እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ምስ ቕትለት እቲ ጋዜጠኛ ብዝተሓሓዝ ሓሙሽተ ሽሞም ዘይተገልጸ ሰባት ብሞት እንክፈርድ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ፈሪዱ'ዩ።

ኣብ ጥቓ ኤምባሲ ስዑዲ ኣብ ዋሽንግተን ንኽብሪ እቲ ጋዜጠና ዝነበረ ስነ ስርዓት ምብራህ ሽምዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ብደረጃ ዓለም ዘይሻራውን ናጻን ምጽራይ ክካየድ ጸዊዓ

ጀማል ጋሾጊ ንሱ ካብ 2017 ጀሚሩ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ እዩ ዝነብር ነይሩ።

ብኽልተ ጥቅምቲ 2018 ግን ንመርዓ ዘድልዩዎ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ቆንስላ ስዑዲ ከይዱ ።

ሕጽይቱ ኣብ ደገ ኾይና እናተጸበየቶ እንከላ፡ ወዲ 59 ዓመት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ተቐቲሉ፡ ኣካላቱ ተቖራሪጹ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣካላቱ ኣይተረኸበን።

ሞት እዚ ጋዜጠኛ ዓለም ዘደንገጸ ኮይኑ፡ ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣግነስ ካላማርድ፡ ብውልቂ ልኡል መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ስዑድን ተሓተትቲ ዘግብር ርጡብ መረዳእታ ኣይተረኸበን ኢላ።

ብደረጃ ዓለም ዘይሻራውን ናጻን ምጽራይ ክካየድ እውን ጸዊዓ።

መግለጺ ቪድዮ, መሓዙት ካሾጊ ፍትሒ ይደልዩ ኣለዉ