ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ንወራሲ ዙፋን ልኡል ስዑዲ ዓረብ ከሲሳ

ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ዓለምለኻዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብ2018 ዝተፈጸመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ዓለምለኻዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ'ዩ

ሕጽይቲ ናይ'ቲ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ‘ነቲ ቅትለት ክፍጸም ኣዚዙ እዩ’ ኣብ ልዕሊ ዝበለቶ ልኡል ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክሲ መስሪታ።

ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ዝነብርን ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብዙሕ ጊዜ ንዋሺንግተን ፖሰት ይጽሕፍ ነይሩ።

ሕጽይቲ ናይ'ቲ ግዳይ ዝኾነት ሃቲች ቼንጊዝ፡ ከምኡ’ውን ካሾጊ ቅድሚ ምሟቱ ዘቖሞ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንልኡል እታ ሃገር ሞሓመድ ቢን ሰልማንን ካልኦት 20 ሰበ ስልጣን ናይ'ታ ሃገርን ከሲሶም።

እቲ ወራሲ ዓራት ግን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ስሙይ ጋዜጠኛ ናይ ቅትለት ትእዛዝ ኣየመሓላለፍኩን እዩ ዝብል።

ካሾጊ ኣብ 2018፡ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ከፈጽም ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ከም ዝተቐትለ ዝዝከር እዩ።

እቲ ክሲ እንታይ እዩ ዝብል?

እቲ ብሃቲች ቼንጊዝ ትማሊ ሰሉስ ዝተኸፍተ ክሲ ነቲ ዘጋጠመ ሰብኣዊን ገንዘባዊን ጉድኣት ካሕሳ ዝሓትትን፡ ገበነኛታት ናይ ኢዶም ክረኽቡ ዝጠልብን እዩ።

‘ዲሞክራሲ ፎር ዘ ኣረብ ዎርልድ ናው’ ብዝብል ዝፍለጥ፡ ካሾጊ ብህይወት እንተሎ ዘቖሞ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስርሑ ጠጠው ኢሉ ኣሎ ኢላ።

እቲ ክሲ፡ እቲ ቅትለት ብልኡል ስዑዲ ዓረብ ላዕለዋይ ትእዛዝ ከምዝተፈጸመ እዩ ዝገልጽ።

“ናይቲ ቅትለት ዕላማ ግልጺ እዩ ነይሩ። ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ኾይኑ ኣብ ዓረብ ዓለም ዲሞክራሲ ክዓስል ዝገብሮ ዝነበረ ቃልሲ ንምዕንቃፍ እዩ” ይብል እቲ ክሲ።

ዋሺንግተን ፖስት ከም ዝጸብጸቦ፡ ጠበቓታት ናይ'ታ ሕጽይቱን እቲ ትካል ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይዚ ክሲ ትኹረት፡ እቲ ልኡል ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ቀሪቡ ክሕተትን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዘረድኡ ዝተሰወሩ ሰነዳትን ክርከቡን ዘኽእል እዩ።

ሃቲች ቼንጊዝ “ጀማል ካሾጊ ኣብ ኣመሪካ ዘይከኣል ነገር የለን ኢሉ ይኣምን ነይሩ። ኣነ ድማ ኣብ ናይ ኣመሪካ ስርዓት ፍትሒ ሙሉእ እምነት ኣለኒ” ኢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ።

ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ሃቲች ቼንጊዝ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ሃቲች ቼንጊዝ

ጀማል ኮሺጊ መን'ዩ ነይሩ?

እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ንልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝነቅፍ ዝነበረን ካሾጊ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ንጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ዝነበረ’ዩ።

ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን፡ ንዓመታት ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰበ ስልጣናት ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ።

ጸኒሑ ግን፡ ብዙሓት የዕሩኽቱ ከም ዝተኣስሩን፡ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይጽሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ’ዩ።