ሰባት ይሕስዉ'ዶ ሓቂ ይዛረቡ ምህላዎም ዘለሊ ሓድሽ ቴክኖሎጂ

ምንጪ ስእሊ, NATALIE LISBONA
ፕሮፌደር ያኤል ሃኒየን ኣብ ጸጋማይ ክፋል ናይ ሰባት ገጽ ነኣሽቱ ‘ኤለክትሮዳት’ [ኤለክትሪካዊ ርክብ ዝፈጥሩ ኣካላት] ብምጥቃዕ’ያ ነቲ ፈተነ እተካይዶ።
ነቲ ፈተነ ኣብ እተካይደሉ እዋን ድማ “ዓይንኻ ኣንቀሳቕስ፤ ቋሕ ሰም ኣብል፤ ፍሽኽ በል፤ ሕዚ ንብስኻ ፍትሕ ኣብሎ” እናበለት ትስማዕ።
ኣስዕብ ኣቢላ ከኣ “ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ሓሳዊ ምዃንካ ክንፈልጥ ኢና” ክትብል ነቶም በቲ ቴክኖሎጂ ዝፍተኑ ሰባት ትዛረቦም።
ፕሮፌሰር ሃኒየን ምስ መሳርሕታ ፕሮፌሰር ዲኖ ልቪ ብምዃን እትመርሖ ኣብ ዩኒቨርሰቲ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ጉጅለ እዩ ነዚ ሓሶት ዝፈሊ ሜላ ኣማዕቢሉ ዘሎ።
እቲ ሜላ ክልተ ዓይነት ሓሰውቲ ፈልዩ ከምዝፈልጥ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። እቲ ሓደ ነቶም ሓሶት ክዛረቡ ከለዉ ከይፈተዉ ሽፋሽፍቲ ዓይኖም ከንቀሳቕሱ ዝግደዱ ዘቃልዕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቶም ንምንቅስቓስ ከንፈሮም ክቆጻጸሩ ዘይክእሉ ይፈሊ።
ዝመሃዝዎ ሓድሽ መተግበሪ [‘ሶፍትዌር’]ን ዝኽተሎ መስርሕን ሓሶት ኣብ ምፍላይ 73 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነን ልዕሊኡ ንክኸውን ይጽዕሩ ምህላዎምን ይዛረቡ።
“ሓሶት ክትዛረብ ክትፍትን ከለኻ እቲ ብቐዳምነት ካብ እትገብሮ ነገራት እቲ ሓደ ንግብረ-መልሲ ሰብነትካ ክትሓብእ ምፍታን’ዩ” ትብል እታ ፕሮፌሰር።
“ግን ከኣ ኣብ ቅድሚ እዚ ቴክኖሎጂ ኮይንካ ክትሕስው ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ክትብል ንውጽኢታዊነት ምህዞኦም ተረድእ።
ሓሶት ናይ ምፍላይ ስልቲ
ሰባት ሓሶት ይዛረቡ ምህላዎም ንምፍላይ ዝግበሩ ፈተነታት ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይዝረብ። ሓደ ካብ ሞንጎ’ቶም ዝተሰነዱ ኣብነታት ከኣ እቲ ብ1000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ቻይና ዝነበረ ይጥቀስ።
ኣብዚ ጥንታዊ ባህላዊ ሜላ፡ እቶም ዝምርመሩ ሰባት ናብ ኣፎም ሩዝ ክምላእ ይግበርሞ ንዝተወሰነ ጊዜ ከጽንሕዎ ይእዘዙ። ጸኒሖም ምስኣውጽእዎ እቲ ሩዝ ራሕሲ ይብሉ (ደረቕ) እንተኾይኑ “ሓሲዮም ኣለዉ” ብዝብል ገበነኛታት ይባሃሉ።
ሰባት ይሕስዉ ወይ ኣብ ፍርሒ እንተሃልዮም ኣፎም ስለዝደርቕ (ስለዝነቅጽ) እቲ ሩዝ ከይረሓሰ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝኸኣለሉ ምኽንያት’ውን ስለዝሓሰዉ ከምዝኾነ ኣብ መደምደምታ ይብጻሕ።
ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ከኣ ‘ፖሊግራፍስ’ ዝበሃል ንሓሶት ዘለሊ ቴክኖሎጂ ከምዝተመሃዘ ይፍለጥ። እዚ መሳርሒ፡ ናብ ኣጻብዕቲ ተጠርጠርቲ ሰባት ዝለግቡ ነገራት ነቲ ዘሎ ስምዒታት እናንበቡ ክትንትኑን ኣብ ወረቐት ብሕንጻጻት ከስፍሩን ዝገብር’ዩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ንመጠን ኣተነፋፍሳ፣ ህርመት ልቢ፣ ድፍኢት/ጸቕጢ ደምን ምርሃጽ ኣካላትን’ዩ ዝከታተል።
እዚ ቴክኖሎጂ ግን ዘተኣማመን ከምዘይኮነ ስለዝግለጽ፡ ብዝያዳ ዝማዕበለን ዘተኣማምንን ንክኸውን ይስርሓሉ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብ ሮተርዳም-ኔዘርላንድስ ዩኒቨርሲቲ ኤራስመስ ዝመራመር ዶክተር ሰባስትያን ስፒር፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ኤም ኣር ኣይ [MRI (magnetic resonance imaging)] ክኣትዉ ከለዉ ይሕስዉ ወይ የጭበርብሩ ምህላዎም ኣጸቢቑ ክፈልጦም ከምዝኽእል ይዛረብ።
“ሰባት ከጭበርብሩ ወይ ተኣመንቲ ክኾኑ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዝያዳ ንጡፋት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሓንጎል ንርእይ ኢና” ይብል ዶክተር ስፒር።
እቲ ካልእ፡ ሰባት ይሕስዉ ወይ ሓቂ ይዛረቡ ምህላዎም ንምፍላጥ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኡታ ዝርከብ ኮንቨርሰስ ዝተበሃላ ትካል ዘማዕበሎ ንዓይኒ ዘንብብ ኮይኑ፡ ሰባት ከይፈተዉ ኣዒንቶም ከንቀሳቕሱ ኣብ ዝግደዱሉ እዋን ይሕስዉ ምህላዎም ይሕብር።
ተመርመርቲ ሰባት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቡሎም “ሓቂ/ሓሶት” ወይ “እወ/ኣይኮነን” ዝብሉ መልስታት ጥራሕ ክህቡ ይግበር። ሽዑ እቲ ንንጥፈታት ኣዒንቶም ዝከታተል ሶፍትዌር ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቓ ውጽኢት የፍልጥ። ካብ 86 ክሳብ 88 ሚኢታዊት ዕውት ከምዝኾነ ድማ ይዝረበሉ።
እዚ ንዓይኒ ዘንብብ ቴክኖሎጂ ኣብዚ እዋን ኣብ 50 ሃገራት ልዕሊ 600 ተጠቀምቲ ኣለውዎ። ካብ ሞንጎ እቶም ተገልገልቲ ድማ ልዕሊ 65 ትካል ኣፈጽምቲ ሕጊ ኣሜሪካ ይርከብዎም።
ቴክኖሎጂ ፖሊግራፍስ ኣብ ብሪጣንያ ብፍላይ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተሓሓዙ ኣብ ዝካየዱ ምጽራይ ገበናት ከገልግል ጽኒሑ’ሎ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዝርከቡ ኩባንያታት እውን ነዚ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ኣብ ሰራሕተኛታቶም ምርመራ ከካይዱ ዝፍቀደሎም ኮይኑ፡ ነዚ ክገብሩ ግን ኣብ ምርጫ ሰራሕተኛታት ዝተመስረተ ክኸውን ይግደዱ።
ኣብ ኣሜሪካ ድማ ካብ ግዝኣት ናብ ግዝኣት ዝፈላለ ሕጊ ኣጠቓቕማ ፖሊግራፍስ ኣሎ። ገሊኤን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል የፍቅዳ፤ ገሊኤን ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል ይኽልክላ።
ኣባል ትካል ምርመራ ገበናት ኣሜሪካ (ሲ ኣይ ኤ) ነበር ክርስቶፈር በርገስ፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ገበነኛ ወይ ካብ ገበን ነጻ ከምዝኾነ ንምፍራድ እቶም ንሓሶት ዘለልዩ መሳርሕታት ጥራሕ ምጥቃም ከምዘይግባእ ይምዕድ።
ነዚ ዝብለሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ቴክኖሎጂታት ምሉእ ብምሉእ ዘተኣማምኑ ስለዘይኮኑ እዩ። ንሱ’ውን ኣብ መፋርቕ 1990ታት ብዝተጋገየ ናይ ምርመራ ውጽኢት ገበነኛ ዝበሎ ሰብ ከምዝነበረ ብኣብነት ይጠቅስ።
ሓድሽ ቴክኖሎጂ ካብ ቴልኣቪቭ
እቶም ኣብ እስራኤል ዩኒቨርስቲ ቴልኣቪቭ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ነቲ ብኤለክትሮድስ [ኤለክትሪካዊ ርክብ ዝፈጥሩ ኣካላት] ዝግበር ሓሶት ናይ ምፍላይ ምርመራ፡ ብካሜራን ሓሰውቲ ብርሕቐት ከለልይ ብዝኽእል ሶፍትዌርን ከምዝትክእዎ ይገልጹ።
ምስ ኢንተርኔት ኣብ ዝህልዎ ርክብ ኣብ ጭዋዳታት ገጽ ሰባት ንዝህሉ ምንቅስቓስ ኣንቢቡ ከምዝፈልይ ድማ የረድኡ።
“ኣብ ባንኪ፣ ፖሊስ ኣብ ዘካይዶ ምርመራ ገበናት፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ብኦንላይን ኣብ ዝካየዱ ናይ ስራሕ ፈተናታትን፡ ኣብ ጭዋዳታት ገጽ ሰባት ንዝህሉ ምንቅስቓሳት ብምክትታል ንሓሶት ካብ ሓቂ ንምፍላይ ከኽእል’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ሌቪ ኣብ ቀጻሊ ንዘለዎም ተስፋ ክገልጽ ከሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







