ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምእታው ታቦት ብዝተፈጠረ ዕግርግር ሰባት ሞይቶም

በዓል መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ በዓል ጥምቀት ታቦት ወይብላ ማርያም ናብ ቤተ ክርስትያን ይኣቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ መንጎ ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያንን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሞትን ናይ ኣካል መጉዳእትን ከምዘጋጠመ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ’ውን እንተኸነ ሰባት ከምዝሞቱን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመን ሓቢሩ።

ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ካብ ዝተሳተፉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ምስ ባንዴራ ተዛሚዱ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ሓይልታት ጸጥታ ጥይትን ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተኮሱ ሓቢሮም። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጾም።

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ክስተት ዘርእዩ ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብብዝሒ ዝተርኣዩ ኮይኖም ድሕሪ ተኹሲ ብዙሓት ሰባት ክጎዩን ጫውጫው ክብሉን ተራእዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ጥምቀት ሰለማውን ድሙቕን ብዝኾነ መገዲ ከምዝሓለፈ ዝገለጸ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀርናዮን ቡራዩን ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ወይብላ ማርያም ብዝተፈጠረ ህውከት ግን እቲ በዓል ከምዝተረበሸን ሞትን መጉዳእትን ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብ መግለጺኡ ብሰንኪ እቲ ህወከት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ኣይገለጸን’ሎ። ቢቢሲ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ኣመንቲ ኣርቶዶክስ ተዋህዶን ዘጋጠመ ጎንጺ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ካብ ናይ ሆስፒታል ምንጭታት ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሰባኺ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ገዳመ እየሱስ መምህር እሱባለው “ትማሊ [ሓሙስ] ታቦታት ካብቲ ዝሓደርሉ ነናብ ቤተ ክርስትያናቶም ክምለሱ እንከለዉ ኣብ መንጎ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን በትሪ ዝሓዙ መናእሰይን ኣይትሓልፉን ኢኹም ስለዝበሉ ህውከት ኣበጊሱ” ኢሉ።

እሱባለው ኣስዒቡ “እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት ኢልና ምስሓተትና ግን ባንዴራ ጌርኩም ኣይትሓልፉን ተባሂልና” ይብል።

እቶም ኣኽበርቲ ጸጥታ ጥይትን ዘንብዕ ጋዝን ስለዝተኮሱ ኣብ ሰባት ሞትን መቑሰልትን ከምዘጋጠመ መምህር እሱባለው ተዛሪቡ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ገዳመ እየሱስ ኣገልጋሊት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝኾነትን ኣብቲ ቦታ ዝነበረትን ንግስት ጌታቸው ድሕሪ እቲ ህውከት ግዳይ ጠያይቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝኾኑ እቶም ኣብ ቅድሚት ዝነበሩ ኣመንቲ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ንግስት ብዛዕባ እቲ ዕለት 12 ጥሪ 2014 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ሓሙስ ዘጋጠመ ኩነታት ክተርድእ እንከላ ኣጋግዘ ሰዓት 11 ታቦት ናብ ቦትኡ እንዳተመለሰ እንከሎ ብልሙድ ኣጸዋውዓ የሺ ደበሌ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ “ኣይትሓልፉን ኢኹም” ኢሎሙና ኢላ።

“ዓሚ’ውን እንተኾነ ክትሓልፉ ኣይትኽእሉን ኢኹም ተባሂልና ነይርና። ናይቲ በዓል ወደብቲ እንታይ ከምዝተፈጠረ ከጻርዩ ተላኢኾም” ትብል።

ኣይትሓልፉን ኢኹም ኢሎም ዝኸልከሉ ኣኽበርቲ ጸጥታ ካህናትን መዘምራንን ንኽሓልፉ ኣፍቂዶም ባንዴራ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ፣ ቢጫን ቀይሕን ሕብርታት ዝተለኸዩ ኣልባሳት ዝተኸደኑ ግን ክሓልፉ ከምዘይፍቀደሎም ተዛሪቦም ኢላ ተብርህ።

“መብዛሕቲኦም ሓምለዋይ፣ ቢጫን ቀይሕን ሕብርታት ዘለዎም ኣልባሳት እዮም ተኸዲኖም። ንዕኣቶም ድማ መሪጽና ኢና እነሕልፎም ኢሎም። እቶም ዘተሓባብሩ ሰባት ስለዘይተሰማምዑ መንብዒ ጋዝ ክትኩሱ ጀሚሮም። ዝወደቑን ዝተረገጹን ሰባት ኣለዉ” ኢላ ብዛዕባ ኣጀማምራ እቲ ክስተት ኣረዲኣ።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ሰብ ከምዝተጎድአ ሓበሬታ የብልናን ዝበለት ንግስት ጌታቸው፡ “ቴሌፎኖም ዘይሰርሕን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣለዉ” ኢላ።

መምህር እሱባለው ብግዲኡ ምስ ባንዴራ ተዛሚዱ ኣብ ሕሉፍ ሰለስተ ዓመታት ተመሳሳሊ ክስተት የጋጥም ከምዝነበረ ሓቢሩ።

“ኣነ ዝፈልጦ ጥራይ’ኳስ እዚ ንሳልሳይ ግዜ እዩ። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ንምዝርራብ ኣብ ዝፈትናሉ ግዜ ‘ካብ ላዕሊ ኢና ተኣዚዝና’ ዝብል ምላሽ እዮም ዝህቡና” ይብል መምህር እሱባለው።

“ኣብ ገዛእ ሃገርና ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺርና፣ ‘በዚ ኣይትሓልፍን ናብዚ ኣይትኣቱን’ ክትበሃል ኣመና የሕዝን’ዩ” ድሕሪ ምባሉ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ መርሚሩ ምላሽ ንኽወሃበሉ ጸዊዑ።

ድሕሪ እቲ ሓሙስ ዘጋጠመ ኩነታት ቢቢሲ ብሰንኪ እቲ ህወከት ክንደይ ሰባት ከምዝተጎድኡ ንምፍላጥ ናብ ሆስፒታልን ፖሊስን ዝገበሮ ደወል ኣይሰመረን። ኣስከሬን ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ተቐቢሉ ናብ ዝተብሃለ ትካል ጥዕና’ኳ እንተደወልና ብተመሳሳሊ ዝረኸብናዮ ምላሽ የለን።

ኣዚዝ ፖሊስ ኦሮምያን ኮሚሽነር ፖሊስ ብራዩን ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሞት እቶም ሰባት ዓሚዩቕ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ብምግላጽ መንቀሊ ሞት ናይቶም ሰባት ንዝኾኑ ኣካላት ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ከቕርቦም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ዓርቢ

ብሰንኪ እቲ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ዘጋጠመ ዕግርግር ተመሊሱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቀራንዮ መድሃኒኣለም ሓዲሩ ዝነበረ ታቦት ቤተ ክርስትያን ወይብላ ማርያም ኣመንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ብሰላም ናብ ቦትኡ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ንግስት ጌታቸውን መምህር እሱባለውን’ውን ስነ ስርዓት ከይዲ ምምላስ ታቦት ወይብላ ማርያም ሰለማውን ድሙቕን ብዝኾነ መገዲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጾም።