ንምንታይ እዩ ብኢትዮጵያ ንዝቐርብ ቡን ስታርባክስ ዘስተማቕሮ?

ዝተቖልወ ቡን ከምኡ'ውን ኣብ ፍንጃል ዝተቐድሐ ቡን

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock

እዚ ሕቶ ነዊሕ እዋን ዘቑጸረ ሕቶ እዩ። ብርግጽ ቡን ኢትዮጵያ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝዝረበሉ ድዩ? እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርይ ‘ኮፊ-ኣረቢካ’ ኣብ ዓለም ዘለዎ ደረጃ ብትኽክል ኣብ ምንታይ እዩ? ምስ ቡን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ዝለዓሉ ብዙሓት ሕቶታት ኣለዉ።

ኣብዞም ሕቶታት እኹል መብርሂ ክህቡና ንሙሁር ስነቑጣባን ‘ፌርፋክስ ኣፍሪቃ ግሎባል’ ናይ ዝተበሃለ ትካል ኣቦመንበርን ኣይተ ዘመዴነህ ንጋቱ ኣዘራሪብናዮም። ምኽንያቱ ንሶም ብምኽንያት ስራሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ገይሾም፣ ምስ መራሕቲ ዓበይቲ ኩባንያታት ተራኺቦም፤ ብፊርማታቶም ብዙሓት ውዕሊታት ኣፈጺሞም። ካብ ብራዚል ክሳብ ኣሜሪካ፤ ካብ ኣርጀንቲና ክሳብ ስዑዲ ተቐሚጦም’ዮም።

“ቡን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዝስርዓሉ ደረጃ ኣበይ እዩ? ከምቲ ዝበሃልከ ውሩይ ቡን ድዩ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሎም። ነዚ ሕቶ መልሲ ዝሃቡና ኣይተ ዘመዴነህ ብሓሳብ ናብ ፓሪስ፣ ለንደንን ዋሺንግተንን ወሲዶምና።

ዋሺንግተን

“ቅድሚ ኣዋርሕ ክልተ ጸዓዱ መናእሰይ ሓድሽ እንዳቡን ከፊተን ስለዝዓደማኒ ከይደ” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ።

ናብ ኢትዮጵያ በጺሔን ምስተመለሳ እየን ነቲ መሸጢ ቡን ከፊተንኦ። እቲ ዝኸፈትኦ እንዳቡን ኣብ ኣሜሪካ ጥቓ ህንጻ ካፒቶል [ኣባላት ኮንግረስ ዝእከቡሉ ኣዳራሽ] ይርከብ። ካብቲ ኣዳራሽ ዝወጽኡ 435 ኣባላት ቤት ምኽሪ ከምኡ’ውን 100 ኣባላት ሰኔት መሕለፊኦም በቲ እንዳቡን’ዩ።

እቶም ተወከልቲ ህዝቢ ናብታ እንዳቡና ዝመላለሱሉ ምኽንያት ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ቡን ንምስትምቓር እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኣይተ ዘመዴነህ ከምዝብልዎ በዓል ዝና ቡን ስለዝኾነ እዩ።

ለንደን

ኣብ ለንደን እቲ ኣዝዩ ክባር ዝበሃል መኪና ‘ሮልስ ሮይስ’ ከምዝኾነ ይዝረብ። ብውሑድ 300 ሽሕ ዶላር መበገሲ ዋግኡ እዩ።

ልዕሊ 10 ሚልዮን ዶላር ዘውጽኡ ብትእዛዝ ጥራሕ ዝፈርዩ ኣውቶሞቢል-መካይን እውን ኣለውዎ።

ኩባንያ ሮልስ ሮይስ ንሃብታማት ሞዴል መካይን ክሸጠሎም ከሎ ሓደ ክቡር ህያብ የቕርበሎም’ዩ። እቲ ህያብ ኣብ ውሽጢ ጁባ እተን መኻይን ኣቐሚጡ እዩ ዝህቦም። ዝተዓሸገ ናይ ኢትዮጵያ ቡን’ዩ ዘቕርበሎም። እዚ ኩነታት ከኣ ንደረጃ ቡን ኢትዮጵያ ዝገልጽ ይኸውን።

ፓሪስ

ኣይተ ዘመዴነህ ሕዚ’ውን ተሞክሮኦም የካፍሉና ኣለዉ። ሕምብርቲ ፓሪስ ኣበይ እዩ እንተይልና እቲ መልሲ ኣደባባይ ‘ሾንዞሊዜ’ [‘Champs-Élysées‘] ዝብል ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብቲ ቦታ ናይ ኔስሌ ቡን ዋና መደብር ይርከብ።

ናብ ውሽጢ ክትኣትው ከለኻ እቲ ፍሉጥ ተዋሳኣይ ፊልሚታት ሆሊውድ ጆርጅ ክሉኒ ናይ ቡን ማሽን እናላለየ ይረኣይ። ክሉኒ ኣብ ስክሪን ብዝመሓላለፍ መወዓውዒ/መላለዪ እዩ ዝረኣይ።

ኣብ ጎኒ ጆርጅ ክሉኒ ድማ ሓደ ክቡር ዝኾነ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ቡን ኢትዮጵያ’ዩ። “ሕስብ ኣብሎ! እዚ ኣብ ፓሪስ ፍሉጥ ናይ ኔስሌ ቡን መሸጢ እዩ። እሞ ደኣ እዚ እንታይ እዩ ዝነግረካ?” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ።

ዝተቖልወ ቡን

“ብሕሳር ዋጋ ዓዲጎም፤ ንሳቶም ግን ይደምቁሉ”

ኣብ ዝርዝር ብደረጃ ዓለም ዝፍለጣ ቡን ዘፍርያን ንናይ ደገ ዕዳጋ ዘቕርባን ሃገራት ብራዚል ብቐዳምነት ትስራዕ። ቬትናምን ኮሎምቢያን ድማ ይስዕብኣ።

ኢንዶነዢያን ኢትዮጵያን ከኣ ብራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ይሕዛ። በቲ ተፈታዊ ዝኾነ ‘ኮፊ-ኣረቢካ’ ግን ካብ ብራዚል ቀጺለን ኮሎምቢያን ኢትዮጵያን ይርከባ።

ኣብ ዓለም ዝህሉ ዋጋ ቡን በቶም ዘፍርይዎ ሓረስቶት ዘይኮነስ በቶም ዓበይቲ ኩባንያታት’ዩ ዝውሰን። እተን ኣፍረይቲ ሃገራት ብፍላይ ብራዚል ንዓለም እተቕርቦ ጥረ ቡን ክንክይ ከሎ ጠለብን ቀረብን ቡን ዓለም’ዩ ዝናጋዕ።

ሽዑ ኣብተን ቀንዲ ተጠቀምቲ ቡን ዝኾና ሃገራት ዝርከቡ ማለት ከም ጀርመናውያን፣ ሆላንዳውያን፣ ጃፓናውያንን ዜጋታት ስዑዲ ዓረብን ገጾም ናብ ኢትዮጵያ ይመልሱ። እዚ ዕድል ነቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ኢትዮጵያን ቬትናምን ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ።

ዋጋ ቡን በቶም ዝዕድግዎ ዓበይቲ ኩባንያታት ዝውሰን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ዝኾነ ክብሪ (‘ቫልዩ’) ከይወሰኸት ብጥሪኡ ናብ ዕዳጋ ተቕርቦ ብምዃና ብዙሕ ኣታዊ ንኸይርከብ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣይተ ዘመዴነህ ይዛረቡ።

ዓንዲ ቁጠባ ኢትዮጵያ!

ቡን ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዓብዪ ቦታ ዝሕዝ ብምዃኑ ዕዳጋ ወይ ፍርያት ክዘሓሓል ከሎ መጠን ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር እውን የንቆልቁል።

ሃብቲ ወርቂ’ውን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ክንድቲ ካብ ቡን ዝርከብ ኣታዊ ክተእትው ኣየኽእላን። በቢዓመቱ ልዕሊ 200 ሽሕ ቶን ቡን ናብ ወጻኢ ሰደድ ትገብር።

እንተኾነ እቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ኢትዮጵያ መነባብሮኦም ዝደኸመ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ንምንታይ እንተተባሂሉ እቶም ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ካብ ሓፈሻዊ ብጽሒቱ ነቲ 10 ሚኢታዊት’ኳ ክረኽቡ ኣይተዓደሉን።

“ኣብ ዓለም ካብ ነዳዲ ቀጺሉ ብስፍሓት ዝሽየጥ ነገር እንተሃለወ ክንዲ ቡን ዝመጽእ ሸቐጥ ግን የለን” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ። ግን ከኣ ክንድቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶታትን ካብ ቡን ይርብሑ የለዉን።

ኣብ ፍንጃል ዝተቐድሐ ቡን

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደገ ሰደድ ካብ ዝገበረቶ ቡን ዝረኸበቶ ኣታዊ 1 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ቁሩብ ኣማኢት ኣሽሓት’ዩ ጉዲልዎ። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰደድ ዝተገበረ ቡን እንተደሚርናዮ ድማ 100 ሽሕ ቶን ሓሊፉ’ሎ። ካብዚ ከኣ ዝሓሸ ሸርፊ ወጻኢ ክርከብ ትጽቢት ይግበር።

ጀርመንን ስዑዲ ዓረብን ንፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ብብዝሒ ይወስዳ ዘለዋ ኮይነን ቻይናውያን እውን ቡን ምስታይ የብዝሑ ምህላዎም ዕድል ሒዙ ምምጽኡ ኣይተርፍን። እቲ ካልእ ዓብዪ ዕድል ከኣ ዋጋ ቡን-ኣረቢካ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ወሰኽ ከርእይ ምኽኣሉ እዩ።

ብኸመይ ነቲ ዕዳጋ ምቁጽጻርን ተጠቃሚ ምዃንን ይከኣል?

ኣይተ ዘመዴነህ “ንኣብነት ምስ ኔስሌ ተሻሪኽና ቡን ዝሽየጠሎም መደበራት ዘይንኸፍት? ካብ ንኢሽተይ ክንብገስ ንኽእል ኢና። ብጽሒት ምዕዳግ ይከኣል እዩ” ይብሉ።

ኢትዮጵያ ብሓንሳብ ልክዕ ከም ስታር ባክስ 33 ሽሕ እንዳቡን ኣብ መላእ ዓለም ክትኸፍት ከምዘይከኣላ ዝኣምኑ እቶም ሙሁር ቁጠባ “ግን ከኣ ወሰንቲ ኣብ ዝባሃሉ ቦታታት ቡን ሃገርና ዝሽየጡሎም ድኳናት ምኽፋት ይከኣል’ዩ” ክብሉ የረድኡ።

ኣብ ከም ኣሜሪካን ፈረንሳን ዝበላ ሃገራት ኣብ ዓበይቲ ጎደናታተን ቡን ዝሽየጠሎም መደብራት ምኽፋት ከምዝከኣል ድማ ብኣብነት ይገልጹ።

ቡን ኢትዮጵያ “ሓምለዋይ/ቆጽለዋይ ኣምባሳደር” ብዝብል ዝጽዋዕ ኮይኑ ክንድኡ ንኢትዮጵያ ዘላለየ ከምዘየለ ይግለጽ።

ኣረቢካ ብኣውርኡ ናይ ኢትዮጵያ ቡን’ዩ። ሰተይቲ ቡን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝትመን ዋጋ ንምኽፋል ድልዋት እንተኾኑ’ውን ኣብ ሞንጎ ግን ዓበይቲ ኩባንያታት ተቐርቂሮም ኣለዉ።

“ሓደ ቡን ዝሰቲ ሰብ ንሓንቲ ፍንጃል 5 ዶላር ዝኸፍል ዘሎኮ ንናትና ቡን እዩ። ስለዚ ንምንታይ ኢና ነቲ ገንዘብ ካልኦት ክወስድዎ ስቕ ኢልና ንርእይ?” ዝብል ሕቶ የልዕሉ ኣይተ ዘመዴነህ።