ናዕቢ ካዛኪስታን፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ብውሑዱ 164 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ

ኣብ ካዛኪስታን ንመዓልታት ይካየድ ኣብ ዘሎ ናዕቢ ፀረ-መንግስቲ፡ ብውሑዱ 164 ሰባት ከምዝተቐተሉ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሰብመዚ ጥዕና ብምጥቃስ ኣቃሊሐን።

እዚ ቁፅሪ ግዳያት ዝተረጋገፀ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድም ክብል ካብ ዝተመዝገበ ሞት 44 ሰባት ኣዝዩ ዝዛየደ'ዩ።

ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ካዛኪስታን ትማሊ ሰንበት ከምዝገለፆ፡ ዛጊድ "ንብዙሓት ዜጋታት ወፃኢ" ሓዊሱ፡ ኣስታት 6 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም።

እቲ ብምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተወልዐ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ናብ መላእ እታ ሃገር ብምልባዕ ናብ ከቢድ ናዕብታት ተቐይሩ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ 2 ጥሪ ናብ ጎደናታት ዝወፅኡ ሰልፈኛታት፡ ብመንግስቲ እታ ሃገርን በቲ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንካዛኪስታን ዝመርሐን ሕዚ'ውን ዕዙዝ ፅልዋ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ፕረዝደንት ነበር ኑርሱልጣን ናዘርባየቭን፡ ዕጉባት ከምዘይኮኑ ከንፀባርቑ ጀሚሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሩስያ ሓዊሱ ሃገራት ነቲ ናዕቢ ንምግታእ ወተሃደራተን ናብ ካዛኪስታን ልኢኸን'የን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ መግለፂ ቤት-ፅሕፈት እቲ ፕረዝደንት፡ እቲ ኩነታት ወተሃደራት የካይድዎ ብዘለዉ "ናይ ምፅራይ" ስራሕትን ሓለዋ "እስትራቴጅያዊ ቦታታትን" ተረጋጊዑ'ዩ ኢሉ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘን ሰዓት እቶ እቶን ድማ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ኑርስልጣን ፅኑዕ ሓለዋ ከምዘሎን ናብታ መንበሪ ፕረዝደንት እታ ሃገር ዘእትዉ መገድታት ከምዝተዓፀዉን ተዓዚቡ።

ኣብዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከተማ ኣልማቲ 103 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም።

ሓይልታት ፀጥታ እታ ሃገር እቶም ናዕበኛታት ኣብታ ከተማ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ንምቁፅፃር ብምፍታኖም ከምዝቐተልዎም ገሊፆም።

ፕረዝደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ "20 ሽሕ ሸፋቱ" ነታ ማእከል ተቓውሞ ዝኾነት ቀንዲ ከተማ ኣልማቲ ከምዘጥቕዕዋ ብምግላፅ፡ ሓይልታት ፀጥታ "ብዘይመጠንቀቕታ ክትኵሱ" ኣዚዙ።

ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶን ብሊንከን ትማሊ ሰንበት፡ ንትእዛዝ ፕረዝደንት ጆማርት ቶካየቭ ኮንኒዎ።

ብሊንከን ንኢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ተኵስካ ናይ ምቕታል ትእዛዝ ጌጋ እዩ፤ ክስረዝ ይግባእ" ኢሉ።

ብሊንከን፡ ፕረዝደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ ካብ ሩስያ ንምንታይ ወተሃደራት ከምዝጠለበ'ውን፡ መብርሂ ከምዝደልይ ገሊፁ።

ብካልእ ዜና፡ ክርጊዛዊ ናይ ጃዝ ድምፃዊ ኣብ ካዛኪስታን ብኸቢድ ከምዝተወቕዐን ከምዝተኣሰረን ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምዝርግሑ ስዒቡ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ክሪጊስታን ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ።

ሰብመዚ ካዛኪስታን ድምፃዊ ቪክራም ሩዛክኖቭ፡ ኣብቶም ኣብታ ሃገር ይካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ ከምዝተሳተፈ ብምግላፅ፡ ኣብ ተሌቬዥን እታ ሃገር ኣቕሪበሞ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሰብመዚ ካዛኪስታን ሓላፊ ድሕንነት ነበር ካሪም ማሲሞቭ ብክሕደት ሃገር ተጠርጢሩ ከምዝተኣሰረ ኣፍሊጦም። ዝርዝር ሓበሬታ ግና ኣይሃቡን።

ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ፡ ክልተ ምክትላት እቲ ሓላፊ ድሕንነት ነበር ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ሓቢሩ።